ብምኽንያት ምፍናው ንዓመተ 2015ን ምቐባል ሓዱሽ ዕለት ዓመተ 2016ን ሽዱሽተ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብዘበገስኦ ብሓባር ናይ ምጽንባል መደብ፡ ብኤርትራውያን ስደተኛታት ስነ-ጥበባውያን ደለይቲ ፍትሒ ማዕሪጉ፡ ቃልሲ ንፍትሒ ብዝጽውዕ ኣገባብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ብክብ ዝብለ ስነስርዓት ተጸንቢሉ፡፡ እዚ ኣብ’ታ ናይ መጨረሽታ መዓልቲ መጸብጸቢ ን2015 ዝኾነት ታሕሳስ ዕለት 31 ካብ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ ኣቢሉ ክሳብ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ምሸት ኣብ ትሕቲ ብዝሑነትና ዓንዲ- ሕቖ ሓድነትና ኢዩ!!! ብዝብል ንብዝሑነት ቤሄራትና፡ ባህልታትና፡ ልምድታትናን ሃይማኖታትናን ብዝውክል ቴማ ዝተኻየደ ጽንብል፡ መራሕትን መሰረታትን ውድባት ኤርትራን ኤርትራውያን ስደተኛታት ነበርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ብሓባር ብፍሱህ መንፈስ ዓመት ራህውኦም ክትከውን ሰናይ ትምኒቶምን ባህጎምን ብዝተፈላለየ ስነ-ጥበባዊ ቀረብን መልእኽቲ ልፍንታዊ ሓይሊ ሽዱሽተ ፖለቲካውያን ውድባትን ቃል ኣሰናዳኢት ሽማግለ እቲ መደብን ብምሕባር’ዩ ተጸንቢሉ፡፡
መደብ ጽንብል ብሱሩዕ ክሳብ ዝጅምር እቶም ኣቐዲሞም ኣብ ቦታ ጽንብል ዝተረኽቡ ኣዝዮም ኪኢላታትን ወናማትን ሙዚቀኛታት ዝተፈላለየ ጣዕመ ዜማ እንዳ ኣስምዑ ዕዱማት ከም ዘይሰላቸዉን ንምጽባይ መደብ ከምዘይርብሩቡን ዝገበሩ ሰብ ግሩም ክእለት ሙዚቀኛታት ተኸቲሉ ናብ መድረኽ ዝመጸ መራሒ መደብ ብጻይ ብንያም ኣፈወርቂ መጉልሒ ድምጺ (microphone) ተረኪቡ፡ ናይ መራሒ መደብ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል ንተሳተፍቲ ጽንብል ክልተ ደርፍታት ብወናማት ደለይቲ ፍትሒ ንክቐርበሎም ዓዲሙ፡፡ ድሕሪ እዘን ክልተ ደርፍታት ሲዒቡ ድማ ቃል ኣወሃሃዲ ሽማግለ እዚ ጽንብል፡ ብብጻይ ሃይለ ተስፋይ ቀሪቡ፡፡ ብጻይ ሃይለ፡ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ብዝርዝራዊ ምልክዕ ኣቀራርባ ሃገርና ብሰንኪ ነውራም ስርዓት ህግደፍ ግራት ደም ኮይና ከምዘላን ህዝብና ድማ ዘይግበኦ ኣብ ሕሱም ኣደራዕ ዝወደቐ ሕሰም፡ መሃይምነት፡ ስደትን ድኽነትን ዝመለለይኡ ኮይኑ ብምህላዉ ካብ እዚ ክፋእን ሕሰምን እዚ እንኮ መገላገሊ ክኾነና ዝኽእል ተሪርናን ተርኒዕናን ንመሰልና ክንቃለስ ከምዘለና ከዘኻኽር ከሎ፡ እዚ ባይታ ቃልሲ መንእሰይ ወለዶ ብዘይተጉላባነት ክጽንበሮ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ፡፡ ብጻይ ሃይለ ብሰናይ ትምኒት ቃልሲ ነዛ ንጅምራ ዘለና ዓመት መደርኡ ምስዛዘመ፡ ካብ ተሳተፍቲ ብድሙቕ ጣቓዒት ተዓጂቡ መድረኽ ንኣላይ መድረኽ ብኡ ኣቢሉ ’ውን ናብ እቶም ወናማት ኩርዓት እዚ ጽንብል ዝኾኑ ደለይቲ ፍትሒ ስነጥበባውና ተረኪቡ፡፡ ድሕሪ ተኸታተልቲ ደርፍታት ድማ እቲ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣቢሉ ለውጢ እትብል መጽሓፍ ዘሕተመ መንእሰይ ደራሲ ጸጋይ ኣስመሮም ስዉእ ደልየ እትብል ግጥሚ ኣቕሪቡ፡፡ ብኡ ኣቢሉ ከኣ ንሓባራዊ መግለጺ ልፍንታዊ ሓይሊ ሽዱሽተ ፖለቲካውያን ውድባት ኤርትራ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2016 ብብጻይ ክፍለዮውሃንስ ቀሪቡ፡፡

ብጻይ ክፍለዮውሃንስ ንሽድሽቲኤን ውድባት ወኪሉ፤ ንተሳተፍቲ መደብ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል፡ እዛ ኣሃዱ ኢልና ንጅምራ ዘለና ዓመተ 2016ን ዝተሰደ ኤርትራዊ ናብ ቤቱ ዝምለሰላ፡ ፍትሒ ሲኢኖም ግዳይ ሕሰም ጭቆና ህግደፍ ኮይኖም ዘለዉ ዜጋታትና ድማ ፍትሒ ዝረኽቡላ፡ ናብ ቡሩህ መጻኢ እንሰጋገረላ ዓመት ክትኮነልና ብስም ላፍንታዊ ሓይሊ ሽድሽተ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ይምነ ኢሉ፡፡ ብጻይ ክፍለዮውሃንስ፡ ንኣበዓዕላ ነብሲ ወከፍ መዓልቲ ሓዱሽ ዓመት ብህዝቢ ዓለም ደረጃ ክገልጽ ከሎ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ረሩሑቕ ዝነበሩ ስድራቤታት ብሓንሳብ ብምውዓል ዝጽንብሉላ፡ ህያባት ዝለዋወጡላ ሰናይ ምንዮቶም ንዝቕበልዋ ዓመት ዝገላለጹላ ክኸውን ከሎ፡ ኣባና ኣብ ኤርትራውያን ግን ህግደፍ ዝበሃል ገባቲ ስርዓት ኣብ ኮረሻ ስልጣን ካብ ዝመጸላ እዋን ጀሚሩ ብኣዝዩ ዝተፈለየ መልክዕ ሕድ-ሕድና ሕዙን ልብታትና እንጸናንዓላ ምረትና ኣብ ጭቆና እንዳኣስተማቐርና ዝሓሸ ናይ ቃልሲ እዋን ክኾነልና ብምምናይ ኮይኑ ይርክብ ብምባል ኣነ’ውን እዛ ዓመት ናይ ጽንዓትናን ስሉጥ ሓላፍነታዊ ጉዕዞ ንሓርነትናን ክትኮነልና ይምነ ኢሉ፡፡ ብጻይ ክፍለ ዮውሃንስ ብዓይኒ ናይ ቃልሲ ንጥፈታት ሚዛን ን2015 ክግምግማ ከሎ ድማ፡ ዝጥቀስ ብልጫታት ኣብ ቃልሲ ዓመተ 2015ን ብምዝርዛር በተን ዝሓለፋ ናይ ቃልሲ ዓመታት ምስእትግምገም ዝሓሸ ናይ ቃልሲ ንጥፈታት ዝተራእየላ ዓመት ምንባራን ንባዕሉ እዚ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ዝርከብ ምቅርራብ ሽዱሽተ ፖለቲካውያን ውድባት ብኣድማዒ ደረጃ ንምሰራሕ ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝዕላምኡ፡ ኣብ እዛ ዝሰገርናያ ዓመት ዝተመዝገበ ኣቕሊልካ ዘይረአ ሓደ ዝላ ኣብ ፖለቲካ ውድባት ሃገርና ምዃኑ ኣነጺሩ፡፡ እዚ ደረጅኡ ሓልዩ ዕቤት ዘርኢ ዘሎ ብሓባር ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝዕላምኡ ምጥርናፍ ሽድሽተ ፖለቲካውን ውድባት ኣብ እዘን ዝተጠቕሳ ቁጽሪ ውድባት ከይተሓጽረ ሓደ ዓቢ ሃገራዊ ምጥርናፍ ኣንጻር ምልኪ ክኸውን ምእንቲ ናይ ኩሉ ሓፋሽ ኣበርክቶ፡ ተሳትፎን ሞራላዊ ደገፍን የከድልዮ ኣሎ ኢሉ፡፡
ፐሮግራም ኣበዓዕላ ንመዓልቲ ሓዱሽ ዓመት 2016ን ሽዱሽተ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራን ህርኩታት ኣካል እዚ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ስነ-ጥበባውያንን ክሳብ መፈጸምታ መደብ ሓደሽትን ናይ ቀደምን ደርፍታትን ግጥምታትን ከተኣናግድ ዊዒሉ ድሕሪ ምምሳዩ፡ ኣብ መጨረሽታ ነቶም ነዚ በዓል ብኣዝዩ ምዕሩግ ኣገባብ ክጽንበል ቅርቡነቶም ዘርኣዩ ወናማት ድምጻውያንን፡ ሙዚቀኛታትን በቲ ብማንም ዋጋ ክዕየር ዘይክእል ክቡርን ዓብን ሞይኦም ጌሮም ዝገብረዎ ዘለዉ ናይ ቃልሲ ምልዕዓል ብምምስጋን፡ ብዓቕሙ ልፍንታዊ ሓይሊ 6 ፖለቲካውያን ውድባት ዘዳለወሎም ነዚ ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ክርሳዕ ዘይግብኦ ኣበርክትኦም ዘመስግን ናይ ምስጋና ምስክር ወረቐት ብስም 6 ፖለቲካዊ ውድባት ኤርታራ ካብ ኢድ ብጻይ ሳልሕ ጀምጃም ብምቕባል፡ መደብ ብዉዕዉዕ መንፈስ ከም ዝተጀመረ ብኣዝዩ ሙዉቕ መንፈስን ሓጎስን ሰዓት ሸሞንተ ናይ ምሸት ተዛዚሙ፡፡
ብዙሑነትና መሰረት ዓንዲ- ሕቖ ሓድነትና ኢዩ!!!
ቁኑዕ መስመር ቃልስን ሓፋሽን ሒዝና ንጽንኩር መድረኻት ብምስጋር ክንዕወት ኢና!!!
ግዜያዊት ኮሚቴ ዜናን ስነዳን ልፍንታዊ ሓይሊ ጥሪ 01/2016
