ኵሎም ወገናት ‘እንዋግኣሉ ምኽንያት ኣለና’ ዝብልሉ ኣዕናዊ ኲናት ሱዳን

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cz7gg2r50eqo

ሰንበት 1 ለካቲት 2026፡ ብጫ፡ ሰማያውን ጻዕዳን ነፋሪት መንገዲ ኣየር ሱዳን ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ዓሪፋ።

160 ተሳፈርቲ ካብታ ነፋሪት ክወርዱ ከለዉ፡ ዓሊሎም፡ ተሓቛቚፎምን ስእሊ ተሳኢሎምን።

እዚ ኣብታ ብዂናት ሓድሕድ ዝተበታተነት ሃገር ቀጻሊ ስግኣት መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ድሕሪ 2023 ናብታ ከተማ ዝኣተወ ካልኣይ በረራ ጥራይ እዩ ነይሩ።

ቅድሚ ሰሙናት ቀዳማይ ምኒስተር ሱዳን፡ 2026 “ዓመት ሰላም” ምዃና ኣዊጁ ነይሩ።

ካሚል እድሪስ ኣብ ጥሪ፡ እቲ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝምራሕ መንግስቲ ምኒስትሪታቱ ናብታ ዝተበታተነት ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ከም ዝምለሱ ኣብ ዝሓበረሉ እዋን እዩ ነዚ ዝገለጸ።

ዳርጋ ቅድሚ ሓደ ዓመት ሰራዊት ሱዳን ካብ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ዳግማይ ንኻርቱም ምስ ሓዛ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ባዕለይ ርእየያ እየ።

ሽዑ፡ ኣብ ጽርግያ ዘይተፈንጀረ ተተኰስቲ ከይረግጽ ብጥንቃቐ መኪና እናዘወርኩ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ብዝነበረ ዝፈራረሰ ኣዳራሻት እናሓለፍኩ እንታይ ከም ዝመሰለት ርእየያ።

እታ ከተማ፡ ማእከል ናይቲ ቅድሚ ኣስታት ሰለስተ ዓመት ኣብ ሚያዝያ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኰይና፡ ብዙሕ ዕንወት ወሪዱዋ፤ መንግስቲ ድማ ናብታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ውሑስ መዕቈቢት ፖርት ሱዳን ተሰዲዱ ጸኒሑ።

እቲ ዕንወት ዘሰንብድ’ዩ ነይሩ፤ መንግስታዊ ምኒስትሪታት: ባንክታትን ኣብያተ ጽሕፈትን ተቓጺሎምን ዓንዮምን ይርኣዩ ነይሮም

ሕጂ’ውን ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ዘይኽእል ዝነበረ ዝዓነወ ቤተመንግስቲ ፕረዚደንትን ኤምባሲ እንግሊዝ ድማ ዑደት ገበርኩ፤ እዚ ህንጻታት ምስክር እቲ ጽዑቕ ውግእ ዝዀኑ ምልክታት ብሳዕ ጥይት ኣለዎ፤ ኣብቲ ክፍሊታት ቤተመንግስቲ ዝነበሩ ኣቝሑ ተዘሚቱ’ዩ።

ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ከቢድ ዕንወት፡ ሞት፡ ጥሜትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዘስዓበ ኲናት፡ ሱዳን ኣብቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ዘይግመት” ዝበሎ ዓዘቕቲ ዘጥሓለ ኲናት ኰይኑ ይስምዓካ።

ድሒረ ኣብ ዝገበርክዎ መገሻ፡ ምስቶም ኣብ ጥቅምቲ ኤል-ፋሸር ኣብ ኢድ ዳዕመ-ሰሪዕ ክትኣቱ እንከላ ክእሃድሙ ዝኸኣሉ ሰባት ንምዝርራብ ናብ ሓደ ሰራዊት ዝተቘጻጸሮ መሬት ዝርከብ መዓስከር ከይደ፡ ዛንታታት ጃምላዊ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ድማ ሰሚዐ።

ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር እትርከብ ከተማ ምውሳድ ንሰራዊት ዳዕመ-ሰሪዕ ዓቢይ ዓወት እዩ ነይሩ። በቶም ዕጡቓት ዝተፈጸመ መርትዖታት ግፍዒ ግን ኣህጉራዊ ሻቕሎት ዘስዓበ እዩ ነይሩ።

ሽዑ ንሓጺር እዋን እውን እንተዀነ፡ ሃገራት ዓለም ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ መከራ ደው ንምባል ኣብ መወዳእታ ጣልቃ ክኣትዋ ዝኽእላ እዩ ዝመስል ነይሩ።

ይዅን እምበር ዋላ እኳ ውግዘትን ራዕዲን እንተሃለወ፡ ዝተቐየረ ነገር የሎን፤ ካብ ርእሰ ከተማ ርሒቑ እቲ ውግእ ይቕጽል ኣሎ።

ዝተረፈ ኣቓልቦ ዓለም ከኣ ኣብ ካልእ ቦታታትን ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝግበር መጥቃዕቲ ነፈርትን ዘተኰረ እዩ ዘሎ።

ምጅማር እቲ ዘስካሕክሕ ግጭት ሱዳን ሳልሳይ ዓመት ኣብ ዝሕዘሉ ዘሎ እዋን፡ መንገዲ ኣየር ሱዳን በረራ ምግባሩ ባና ተስፋ ሂቡ ክኸውን ይኽእል።

እንተዀነ፡ እቲ መሰረታውያን ነቲ ውግእ ዝጸልዉ ነገራትን ኣይተተንከፉን።

ስለዚ፡ ኣህጉራዊ ጸቕጢ እኹል እንተ ዘይኰይኑ፡ ብሓቂ ንኽልቲኦም ወገናት ነቲ ኲናት ሓድሕድ ከብቅዑ ዘገድዶም ነገር እንታይ እዩ?

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *