ሽወደን፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ኤርትራ ምወላ መንግስቲ ተኸልኪላ

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/c3wz43j258wo

14 ጥሪ 2026

ኣብ ሽወደን ዝመደበራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ መንግስቲ ሽወደን ምውላ ከምዘይትረክብ ተገሊጹ።

ሃገራዊ ትካል ጸጥታ ሽወደን፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምትእስሳር ከምዘለዋን፡ እዚ ድማ ኣብ ሽወደን መሰረታዊ መሰላት ናይ ምግሃስ ሓደጋ ከምዘለዎን ድሕሪ ምጥንቃቑ’ዩ ሰብመዚ ነዚ ውሳነ ወሲዶም ዘለዉ።

በዓል መዚ ደገፍ ንሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት (SST) ፡ እቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ርእይቶ ኣገልግሎት ጸጥታ ሽወደን ዝተመርኮሰ ምዃኑ ዳይረክተርን ሓላፊን SST ኣይዛክ ራይቸል ተዛሪቡ።

ብመሰረት ኣገልግሎት ጸጥታ ሽወደን፡ እታ ቤተ-ክርስቲያን ንመንግስቲ ኤርትራ ወኪላ ወይ ምስኡ ተሰማሚዓ ትሰርሕ ምህላዋ ሓደጋ ኣለዎ ክብል ገምጋሙ ከምዝሃበ ይግለጽ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ እቲ ካብ ሽወደን ዝርከብ መንግስታዊ ድጎማ ኣብ መወዳእታ ንስርዓት ኤርትራ ክጠቅም ከምዝኽእል ስክፍታኡ ኣነጺሩ።

እታ ቤተክርስትያን ዋላ’ኳ ብዝሒ ኣባላትን ስፍሓት ንጥፈታታን ብዝምልከት ንምወላ ዝበቅዕ ወግዓዊ ረቛሒታት እንተኣማለኣት፡ ብመሰረት ገምጋም ጸጥታ ነቲ ደገፍ ከይትረክብ ተኸልኪላ ኣላ።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዲያስፖራ ኤርትራ ዝርከባ ዓበይቲ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት ኰይና ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 15 ሽሕ ኣባላትን ኣስታት 50 ጉባኤታትን ዘለዋ እያ።

ሓላፊ መራኸቢታት እታ ቤተክርስትያን ኣድማስ ተኽሉ ነዚ ክስታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ስርሖም ግሉጽነት ከምዘሎን ነቲ ክሲ ከምዝነጽጐን ይዛረብ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *