
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cdx4z19vwq3o
ላዕለዎት ወተሃደራዊ ጀነራላት ኢትዮጵያ ብሰንበት 4 ጥሪ፡ ንግዝኣት ኤርትራ ቈርሚሙ ናብ ኢትዮጵያ ጠቕሊሉ ዝቐረበ ካርታ ሒዞም ብምርኣዮም ኣዛራቢ ኰይኑ ቀንዩ።
እዚ ፍጻመ፡ ክልቲአን ሃገራት ብሰንኪ’ቲ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዛ ኢትዮጵያ ከተቕርቦ ዝጸንሐት፡ ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪን፡ ንልዑላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ትረኻታትን ናብ ሓድሽ ኲናት ከይኣትዋ ከቢድ ስግኣት ኣብ ዘለወሉ እዩ ዝኸውን ዘሎ።
ኣብቲ ብላቴ ኣብ ዝተባህለ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምረቓ ሰልጠንቲ ወተሃደራት፡ ሓላፊ ኣሃዱ ፍሉይ ስርሒታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ሌተና ጀነራል ሹማ ኣብዴታ ምስ ካልኦት ክልተ ጀነራላት ሒዞምዎ ዝተሳእሉ ካርታ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሓያል ቍጥዐ ዝፈጠረ ክኸውን እንከሎ፡ ምኒስተር የማነ ገብረመስልቀል ድማ ብመንገዲ ኤክስ ምላሽ ሂቡሉ።
እቲ ካርታ፡ ዓሰብ ንዝርከቦ ክፋላ ዞባ ደቡብ ቀይሕባሕሪ ኤርትራ ጨሪሙ ኣብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ዝጠቕለለ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ወግዓዊ ገጽ ማሕበራዊ ሜድያ ምኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ተሰቒሉ ተራእዩ ነይሩ።
ዓሰብ ኣብ ገማግም ደቡባዊ ቀይሕባሕሪ ኤርትራ እትርከብ ወደብ ኰይና፡ ኣብ ግንቦት 1991 ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ጐባጢ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሓይልታት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተሳዒሩ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ኢትዮጵያ ወደብ-ኣልቦ ኰይና’ያ ተሪፋ።
ምኒስተር የማነ ኣብ ምላሹ፡ “ድኹማት ፖለቲካዊ መራሕቲ ሰልፊ ብልጽግና ምስ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መራሕቲ፡ እንሆ ካብ ጽባሕ ምጅማር ዓመተ 2026 ጀሚሮም ነቲ ዘይሓላፍነታዊ ምትዅታዅን ኣጀንዳ ኲናት ይደፍእሉ፡” ክብል ነቒፉ።
“እቲ ኣዕናዊ ፕሮፓጋንዳ፡” ብኽልተ ኣገባባት የሰጕምዎ ኣለዉ ክብል ዝኸሰሰ ኣቶ የማነ፡ “ብሓደ ወገን፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ዝዓለመን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝዝርጋሕ፣ ብግልጺ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ ንልዑላዊ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ዘጠቓለለ ናይ ሓሶት ካርታታት ኢትዮጵያ ይተዃቱዅ፤ ብኻልእ ወገን ድማ ንወጻእተኛታት ክዛረቡ እንከለዉ ንነብሶም ከም ግዳያት ኰይኖም ይቐርቡን ነቲ ዘይሕጋዊ ጠለብ ተበጻሕነት ባሕሪ ከም “ነብሰ ምክልኻል” ብምቕራጽ ከመኽንይዎ ይፍትኑን፡” ክብል ጽሒፉ።