ብሪጣኒያ ዝቕጽል ሰሙን ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ ምስጓግ ክትጅምር’ያ Soon UK will start deporting refugee to France

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cp3q1nx0gv2o

መንግስቲ ብሪጣኒያ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ ምገጓግ ከም ዝጅምር ቢቢሲ ዝበጽሖ ሓበሬታ የመልክት።

እዚ ብመሰረት እቲ “ሓደ ክኣቱ፡ ካልእ ይወጽእ” ዝብል ብሪጣንያ ምስ ፈረንሳ ዝገበረቶ ሓድሽ ስደተኛታት ናይ ምምላስ ስምምዕ ዝትግበር ፈተነ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሰር ኬር ስታርመርን ፕረዚደንት ፈረንሳ ኣማኑኤል ማክሮንን ኣብ ወርሒ ሓምለ ነዚ ስምምዕ ከም ዝፈረሙ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ከተማ ዶቨር ተኣሲሮም ከም ዝነበሩን፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጕዳያት ሻባና ማሕሙድ ድማ ኣብዚ ሰሙን “ኣብ ቀረባ እዋን” ናብ ፈረንሳ ክምለሱ ትጽቢት ከም ዝግበርን ገሊጻ።

ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ናብ ፈረንሳ ክስጐጕ እዮም ዝብል ወግዓዊ ናይ ምእላይ መምርሒ ከም ዝተዋህበ ተፈሊጡ ኣሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *