
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/c23p2rzpe49o
23 ነሓሰ 2025
ተጣበቕቲ ምግሃስ ሃይማኖታዊ ናጽነት ብዓርቢ 22 ነሓሰ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ ዋሽንግተን ዲሲ ተረኺቦም ድሕሪ ዘካየዱዎ ሰለማዊ ሰልፊ፡ እቶም ንልዕሊ 20 ዓመታት ብዘይ ክሲ ተመቚሖም ዝርከቡ ሸውዓተ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ክፍትሑ ዝጽውዕ ጥርዓን ነቲ ኤምባሲ ክህቡዎ ኣብ ዝፈተንሉ ምቕባል ከም ዝኣበዩዎም ተገሊጹ።
እቲ ንኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያንን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ዝተኻየደ መደብ፡ ሽርክነት ሃይማኖታዊ ሓርነት ንፍትሒ ብዝተባህለ ትካል ዝተመርሐ ኰይኑ፡ 21 ዊልበርፎርስ፡ ‘ሰት ማይ ፒፕል ፍሪ’፡ ዓለምለኻዊ ሓርነት ክርስትና ከምኡ’ውን ‘ወፍሪ እዮቤልዩ’ ዝተባህሉ ጕጅለታት ተሳቲፎሞ።
እተን ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዝርከባ ጕጅለ ተጣበቕቲ መሰላት ክርስትና’ውን፡ ጸሎትን ሰለማዊ ሰልፍታትን ብምክያድ ንኣህጉራዊ መዓልቲ ዝኽሪ ግዳያት ተግባራት ዓመጽ ዘኪረንኦ ውዒለን።
እዞም መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ሽዱሽተ ኣብ 2004፡ ሓደ ድማ ኣብ 2005 ካብ ዝእሰሩ ንደሓር ክሳዕ ሕጂ ናብ ቤትፍርዲ ኣይቀረቡን።
ኮምሽን ኣህጉራዊ ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣመሪካ (USCIRF)፡ እቶም እሱራት ኣብቲ “ኣረሜናዊ” ኢሉ ዝገለጾ ቤት ማእሰርቲ “ወንጀን መርመራ” ከም ዘለዉ ገሊጹ።