
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cewy1z8kyveo
29 ሓምለ 2025, 08:49 EAT
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ19 ከምኡ’ውን 23 ሓምለ 2025 ኣብ ዓለማዊ፡ ኣህጉራዊ፡ ዞባውን ዘቤታውን ጉዳያት ዘተኰረ ሰፊሕ ቃለመሕትት ምስ ማዕከን ዜና ሃገሩ ኣካዪዱ ነይሩ።
እዚ ቃለመሕትት’ዚ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኲናትን ደበና ኲናትን ኣንጠጥይሉ ኣብ ዘሎ እዋን ምክያዱ፡ ካብ ኤርትራውያን ዘይኰኑ ሰባትን መራኸቢ ብዙሓንን ከይተረፈ ፍሉይ ኣቓልቦ ረኺቡን ብዙሕ ትንታነታት ክወሃበሉን እውን ተራእዩ።
ቢቢሲ ትግርኛ ነዚ ቃለመሕትት ከመይ ከም ዝተመልከቱዎ ንሰለስተ ኤርትራውያን ኣዘራሪቡ ኣሎ።
ዶ/ር ተስፋኣለም ሃብተ ተመራማሪ ድሕረ-ምረቓ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊቨርፑል፡ ኣብቲ ኣብ ሓደ ክፋል ንኽልተ ሰዓታት ዝኸደ መደብ፡ ካብ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ሕቶታት ዘይሓልፍ ብምንባሩ፡ “ካብ ቃለመሕትት ክትብሎ ኣስተምህሮ፡” ክትብሎ ከም ዝቐልል ይገልጽ።
“እቲ መደብ ድሮ ዝተዳለወ፡ ካብ ዘረባኡ ዝነቐለ ሕቶታት ዘይብሉ፡ ሓንቲ ሕቶ ሓቲቶም ን20 ደቓይቕ ባዕሉ ክሳዕ ዝውድእ ዝጽበዩዎ፡” ምንባሩ ንኣቀራርባ ናይቲ ቃለመሕትት ብምንቃፍ፡ “ጋዜጠኛታት ኣብ ልቢ ህዝቢ ዘሎ ሕቶታት ሒዞም መጺኦም በዳህቲ ሕቶታት ክሓቱዎ፡” ዘየኽእል ስለ ዝዀነ፡ “ከም መራሒ ሃገር፡ ተሓታትነት፡ ግሉጽነት፡ ሓላፍነት ከም ዘየሎ እዩ ዘርእየካ፡” ኢሉ።