ኤርትራውያንን ተጋሩን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይእሰሩ ኣለዉ – ተሓለቕቲ መሰላትን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን يتم إلقاء القبض على الإريتريين وتيجرايان في أديس أبابا – نشطاء الحقوق وشاهد عيان

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/c0l445gewwlo

ኣብ ኣዲስ ኣበባ “መንነት መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ” ይፍጸም ከምዘሎ ካብ ቀይዲ ዝተፈትሑን ስድራ እሱራትን ገሊጾም።

ሰባት “ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ንመዓልታት ይእሰሩ” ከምዘለዉ እውን ሓቢሮም።

ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ብዝብል ዝጽዋዕ ጉጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ብወገኑ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ብውሑዱ ኣብ ሽዱሽተ ክፍለ ከተማታት” ተወለድቲ ትግራይ “ብዘይፍቓድ ተኣሲሮም” ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

ካብ ተወለድቲ ትግራይ ብተወሳኺ ኤርትራውያን እውን ግዳይ ማእሰርቲ ይዀኑ ከምዘለዉ ይግለጽ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወጥሪ እናኸረረ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ማእሰርቲ እናወሰኸ ከምዝመጸ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ዝተፈትሑ ነበርቲ፡ ሓደ ኣባል ስድራ ተኣሲሩ ዝነበረን ከምኡ’ውን ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላትን፡ እቲ ማእሰርቲ “ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት” ዝተጀመረ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።

“እዚ ማእሰርቲ ካብ ዝጅመር ክልተ ሰሙን ገይሩ’ሎ። ብጃምላ ግፋ ካብ ዝቕጽል ግን ዓሰርተ መዓልቲ ይገብር” ክብል ምክትል ዳይረክተር ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ኣቶ መብርሂ ብርሃነ፡ እቲ ትካል ብዘካየዶ ምክትታል ዝረኸቦ ሓበሬታ ብምጥቃስ ገሊጹ።

እቲ ጉጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ነዚ ማእሰርቲ ብዝምልከት ሰኑይ 23 ሰነ 2017 (ግእዝ) ኣብ ዘውጽኦ ሓጺር ጸብጻብ፡ ካብ ትግራይ ዝመጹን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩን ተጋሩ፡ “ብስሞም፡ ብላህጃኦም፡ ብቋንቋኦምን ይልለዩ ከምዘለዉ ካብ ዝተኣስሩን ዝተፈትሑን መሰኻኽር ኣረጋጊጽና ኣለና” ይብል።

እቲ ትካል ኣብ “ክፍለ ከተማታት የካ፡ ለሚኩራ፡ ቦሌ፡ ልደታ፡ ኣዲስ ከተማን ነፋስ ስልክ ላፍቶን” ክትትል ብምክያድ ነቲ ጸብጻብ ከምዘዳለወ ምክትል ዳይሬክተር መብርሂ ገሊጹ።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቶም እሱራት መጀመርታ “ኣብ መደብራት ፖሊስ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ቤት ማሕቡስ ከምዝሰጋገሩ” ኣረጋጊጹ።

ኣቶ መብርሂ ካብ ዝጠቐሶም ቦታታት ገለ፡ ኣብ ክፍለ ከተማታት የካ ፈረንሳ፡ ኮተቤ፡ 02ን ከባቢታት ሾላን ከምኡ’ውን ኣብ ክፍለ ከተማታት ለሚኩራ ከባቢ ሲኤምሲ ዝርከቡ’ዮም።

ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ከባቢታት 22፡ ኣዲሱ ኣስፋልትን ኣደይ ኣበባን፣ ከምኡ እውን ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ድማ ሓምሻይ መደበር ፖሊስ እውን ካብቶም ዝተጠቕሱ ከባቢታት እዮም።

እዚ ማእሰርቲ ብፍላይ ንመንእሰያት ዒላማ ዝገበረ እዩ። ካብ ጎደናታት፡ ካብ መዘናግዒ ቦታታት ይግፈፉ ኣለዉ፤ ናብ ቤት ፍርዲ ኣይቐርቡን፤ ዝሓቶም የለን፤ ንምንታይ ከምዝተኣሰሩ እኳ ዝነግሮም የለን” ይብል እቲ ምክትል ዳይረክተር።

ስግኣት ዕቝባ ሓተትቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *