
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/ce3vwqr4qldo
ቅድሚ 8 ሰዓታት
ስዊዘርላንዳዊት ቍሸት ብላተን፡ ዓቢይ ግማዕ በረድ ናብቲ ጐልጐል ድሕሪ ምውዳቑ ብኸፊል ዓንያ።
ዋላ’ኳ ቅድሚ ሒደት መዓልታት እታ ዓዲ ካብ ስግኣት ዝተላዕለ ባዶ ኰይና እንተ ነበረት፡ ሓደ ሰብ ግን ደሃዩ ጠፊኡ። ብዙሓት ኣባይቲ ድማ ምሉእ ብምሉእ ዓንዮም።
ከንቲባ ብላተን ማትያስ ቤልዋልድ፡ “እቲ ዘይሕሰብ ኣጋጢሙ” ድሕሪ ምባል፡ እታ ዓዲ ግን ገና መጻኢ ክህሉዋ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።
ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ካብ ኣሃዱ ረድኤት ሓደጋ ሰራዊት ስዊዘርላንድ ብዝሓተቱዎ ሓገዝ መሰረት፡ ኣባላት መንግስቲ ስዊዘርላንድ ናብቲ ቦታ ይኸዱ ኣለዉ።
እቲ ኣብ ብላተን ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ኣብ መላእ ኣልፕስ ንዝርከቡ ሕብረተሰባት ኣሰንቢዱ ኣሎ።