
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cvgv127zz7zo
ኣቶ ጌታቸው ንክልተ ዓመታት ብፕረዚደንትነት ዝመርሖ ግዚያዊ ምምሕዳር ኣብዚ እዋን በቲ ምክትሉ ዝነበረ ጀነራል ታደሰ ተተኪኡ ግዘ ጻንሒቱ ብሓደ ዓመት ከምዝተናውሐ ይዝከር።
ኣብ ቀረባ እዋን ከም ኣማኻሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሚንስተርነት ዝተሾመ ፕረዚደንት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ መንግስታዊ መደበር ተለቪዥን ፋና ቀሪቡ ዝገበሮ ቃለመሕትት ኣብ ፖለቲካዊ ወጥሪ ትግራይ ካልእ ረስኒ ዝወሰኸ ጉዳይ ኮይኑ ቀንዩ’ሎ።
ዘይሕጋዊ ዕደናን ንግዲን ወርቂ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፣ ምጥፍፋእ ገንዘብ ዲያስፖራን ቅትለት ተጋደልትን ካብ ኣንደበት ኣቶ ጌታቸው ዝተሰምዑ ዓበይቲ ክስታት እዮም።
ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ብዓርቢ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ክስታት ኣቶ ጌታቸው ሓቅነት ከምዘይብሉ ምሕባሮም ዝዝከር ኰይኑ፡ ሕዚ ድማ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምላሽ ሂቡ ኣሎ።
ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዘሎ ምስሕሓብ ቅድሚ ሎሚ ብቕሉዕ’ኳ እንተዘይወጸአ፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ግን ኣቶ ጌታቸው ንጀነራል ታደሰ “ገበነኛታት ከይቃልዑን ናብ ቅድሚ ሕጊ ከይቐርቡን ብምሽፍፋን” ክኸሶ ተሰሚዑ’ሎ።
ነቲ ኣብ ቃለመሕትት ዝተዘርዘረ ገበናት ዝቃወም መግለጺ፡ “ንታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዘጉድፍን መፃኢ ዕድል ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን” ክብል ንክስታት ኣቶ ጌታቸው ነጺግዎ።
“ሕነ ምፍዳይ ማእኸል ዝገበረን ፖለቲካዊ ኣንቅዶ ዝመርሖን” ክብል እውን ኣመልኪቱ።
ኣብቲ ግብረመልሲ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደነት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ “ተሓታትነትን ልዕልና ሕግን ንምርግጋፅ ዝዓለመ ዘይኮነስ ኣብ ውልቀሰባት፣ ጉጅለን ትካልን ዘነፃፀረ መጥቃዕትን ሕነ ምፍዳይን ማእኸል ዝገበረን ፖለቲካዊ ኣንቅዶ ዝመርሖን ምዃኑ ተዓዝብና ኢና” ኢሉ።
ኣቶ ጌታቸው ኣብ ናይ ስልጣን ፃንሒቱ “ዝተርኣዩ ውድቀታት” ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ካልእ ኣካል ብምምኽናይ፣ ከሳሲ ኮይኑ ከምዝተርኣየ’ውን እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ኣብ ናይ ክልተ ዓመታት ጻንሒት ስልጣኑ ክንድቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ክሰርሕ ከምዘይከኣለ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ክገልጽ ዝስማዕ ኣቶ ጌታቸው፡ ነዚ ከም ቀንዲ ምኽንያት ድማ ላዕለዎት መሪሕነት ህወሓትን መሓውራቶምን ብሰንኪ ዝፍሕስዎም ውዲታትን ማሕለኻታትን ይጠቅስ።
“ብፕሬዚደንትነቶም ጥራሕ ክውስንሉ ኣብ ኢዶም ካብ ዝኣቱ ኣስታት ሓደ ዓመት ዝመልኦን ንማንም ቅዳሕ ዘይተገበረን ውጽኢት ምፅራይ፡ ብፍላይ ከዓ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት (human trafficking) ዝምልከት ውዱእ ሰነድ፣ ኣብ ክንዲ ብእዋኑ ናብ ፍትሕን ተሓታትነትን ምስጋር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክዝርጋሕ ገይሮም” ክብል እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ነቲ ፕረዚደነት-ነበር ከሲሱ።
ነዚ መግለጺ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ መልሲ ዝሃበ ሚኒስተር ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ “ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዝሰደድኩ ኣፍሊጠ እየ” ይብል።
ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ዝበሎ ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂ፡ ምዝውዋር ሰባትን ካልእን፡ ጥርጡራት ብሽሞም ዝፍለጡ ምዃኖምን ገሊኦም’ውን ብፍቓድ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ካብ ሃገር ክወጽኡ ከም ዝተገብሩን ኣብ ፌስቡክ ተወሳኺ መብርሂ ሂቡ ኣሎ።
“መሸጣ ሰባት ኣብ ትግራይ ዝምልከት ዝተገብረ መፅናዕትን ንዑኡ ስዒቡ ዝተወሰነ ናይ ክሲ መዝገብን ንፈልጥ ዝተወስና ሰባት ኣለና። ፕረዝደንት ታደሰ፣ ቢሮ ፍትሒ፣ ኮምሽንፖሊስ፣ ቢሮ ፀጥታን ከምኡ’ውን ገለ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊትን ንፈልጥ። ናብ ተግባር ናይ ምእታው ድሌት ኩምዝየለ ምስፈለጥኩ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዝሰደድኩ’ውን ብዕሊ ኣፍሊጠ’የ። ድሮ’ኳ ካብ ዓዲ ክወፅኡ ሓገዝ ዝተገበረሎም ሰባት ወፂኦም ኣለው” ኢሉ።
“ገለ ብፆተይ እውን ኣይምተረፉን”
ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብቲ ንማዕከን ዜና ኤፍቢሲ ዝሃቦ ብክልተ ክፋል ዝቐረበ ቃለ መጠይቕ ዘልዓሎ ምስዚ ጉዳይ ዝተሓሓዝ ክሲ፡ ዘይሕጋዊ ምዝውዋርን ሰባት ጅሆ እናሓዝካ ዝሕተት ክፍሊት ገንዘብን’ዩ።
እዚ፡ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ዝተኻየደሉ ክልተ ዓመታት ሰራዊት ኣብ ጐድኒ ሓይልታት ማእከላይ መንግስቲ ንዝተሰለፉ ሰራዊት ኤርትራ ንምፍራስ ብዝብል ፖለቲካዊ ውሳነ ህወሓት ስዒቡ ዝመጽአ እኳ እንተዀነ፡ ሰባት ጅሆ ብምሓዝ “ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ሽሕ ዶላር፡” እናኽፈሉ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝፍጽሙ ኣዘዝቲ ኣለዉ ክብል ከሲሱ።
እዚ ገበናት፡ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ’ዉን ዝወርድ ዘሎ ምዃኑ ጠቒሱ።
ነዚ ክሲ ዝነጸገ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ፡ “እዚ ተግባር ከጥቕዕዎም ንዝደለዩ ውልቀሰባት ጥራሕ ዒላማ ዝገበረ እንተይኮነስ፣ ፍትሕን ተሓታትነትን ንምርግጋፅ ዝግበር ምንቅስቃስ ዝጎድእን ኣብ መስርሕ ምፅራይ ተሳትፎ ንዝነበሮም ውልቀሰባትን ቤተሰቦምን ኣብ ሓደጋ ዘእትው” ክብል ኣመልኪቱ።
“ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምዃኖም ጥራሕ ክፈልጥዎም ዝኸኣሉ ከም ብሄራዊ ጉዳያት ትግራይ ተገይሮም ክሳብ መወዳእታ ክዕቀቡ ዝግብኦም ጉዳያት፤ ንትግራይን ህዝባን ዘስዕብዎ ጉድኣት ብዘየገድስ ናብ ርካሽ ዕዳጋ ከውርዱ ወሲኖም” ይብል እቲ ንኣቶ ጌታቸው ዝኹንን መግለጺ።
እቲ መግለጺ እንተወሓደ “መሸጣ ሰባት ንህዝቢ ትግራይ ዘይምጥን” ገበን ምዃኑ ዝኹንን ትሕዝቶ ከምዘይብሉ ኣብቲ ብማሕበራዊ መራኸቢ ዝዘርግሖ ፍሑፍ ዘመልከተ ኣቶ ጌታቸው “ኣብ ገበን ዝተኣለኸ ኩሉ ኣማራርሓ’የ በሃሊ ምቅላዕ እንተንፍትን ገለ ብፆተይ’ውን ኣይምተረፉን ኢለ ይግምት” ኢሉ።

ኣቶ ጌታቸው ኣብ ቃለመሕተቱ ዝጠቐሶም ገበናት ኣብ እዋን እቲ ንኽልተ ዓመታት ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ኲናት ዝጀመሩን ድሕሪኡ’ውን ዝቐጸሉን ከም ዝዀኑ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብዚ ብቐንዱ ተዋፊሮም ዝርከቡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን ኣቦመንበር ህወሓትን ብሽሞም ረቝሑ እዩ ከሲሱ።
እንተዀነ፡ “ብሽም ሓድነት ህዝቢን ሓደ ኢና ዝብል እምነትን፡ ገበነኛታት ናይ ምሕባእን ምክልኻልን ጸገም ነይሩና’ዩ፡” ክብል ተኣሚኑ።
ብዕጡቓት ተደፊኡ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ኣቶ ጌታቸው፡ ሕዚ ዘቕርቦም ዘሎ ገባናት ኣብ ስልጣን እንከሎ ከቃልዕ ነይሩዎ ዝብሉ ርእይቶታት ይወሃቡ ኣለዉ፤
ብኻልእ ወገን፡ እቶም ካብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝስምዑ ዘለዉ ምላሻት ድማ፡ ‘ትግራይ ናብ ሓደጋ ዘእቱ ሚስጢር ኣውፂኻ’ ዘስምዑ ዀይኖም፡ እቲ ክስታት ከምዘይተፈፀመ መረጋገፂ ከቕርቡ፤ ወይ ድማ ተሓታትነት ክሰፍኑ ይሕተት ኣሎ።