ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ኤርትራውያን ኣብ ዳያስፖራ ብኸመይ’ዩ ዝፍጸም?

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/c249pj9glzvo

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ስግረ-ዶባዊ ምስርጣይን ምፍርራሕን ኤርትራውያን ኣብ ዳያስፖራ ዝዝቲ ኣኼባ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ተኻዪዱ ነይሩ።

ኣብቲ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፡ ተሓለቕቲ መሰላት፡ ጋዜጠኛታት ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ብመንግስቲ ኤርትራን ወኪላቱን ብዛዕባ ዝገበር ጸቕጥታትን ሳዕቤናቱን ተዛሪቦም። ኣብቲ ብረቡዕ ኣብ ርእሰከተማ ለንደን ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሓያለ ኤርትራውያን ውልቃዊ ተመኵሮታቶም ኣካፊሎም ነይሮም።

እቲ ዝግበር ጸቕጥታት ብፍላይ ነቶም ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞታቶም ዘስምዑ ተሓለቕቲ መሰላት፡ ፖለቲከኛታት፡ ከምኡ’ውን ጋዜጠኛታት ዒላማ ዝገበረ’ኳ እንተዀነ፡ ብሓፈሻ ንዅሎም ዝተፈልየ መርገጺ ዘለዎም ሰባት ዝጸሉ ምዃኑ’ዮም እቶም ኤርትራውያን ዘመልክቱ።

ስግረ-ዶባዊ (transnational-repression) ብዝተፈላለየ ሜላታትን፡ ከምኡ’ውን ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ኣገባባት ከምዝፍጸም’ዮም ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ገሊጾም።

ኣብታ ን34 ዓመታት ብዘይቅዋምን ሃገራዊ ምርጫን እትመሓደር ዘላ ኤርትራ፡ ፖለቲካዊን ሲቪካዊን ውደባ፡ ከምኡ’ውን ናጻ ፕረስ ዝተኣገደ ብምዃኑ ተቓወምቲ መንግስቲ፡ ተሓለቕቲን ናጻ ጋዜጠኛታትን ኣብ ስደት ክነጥፉ ተገዲዶም ይርከቡ።

ሓደ ካብዚኦም ጋዜጠኛን ጸሓፊን ዘካርያስ ክብርኣብ ኰይኑ፡ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ክጽሕፍን ክዛረብን ድሕሪ ምጅማሩ ጸቕጥን ምስርጣያትን ከምዘጋጠሞ ይዛረብ።

“ኣነ ካብቶም ቀዳሞት ኣብ ስደት ናብ ስክሪን ዝወጽኡ ኤርትራውያን’የ። እቲ ቀንዲ መጀመርያ ዝወጻእኩሉ ብመጽሓፍ መልክዕ’ዩ። እቲ ስደት ከመይ ከምዝነበረ፡ ኣብ ጕዕዞ ዘጋጠመ ሽግርን፡ ኣብ ጀርመን ምስኣተና ኸኣ ናይ ኢሚግረሽን ሕጊታት ከመይ ጽንኩር ከምዝነበረ ንምቅላዕ’ዩ ነይሩ።”

ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፈት ፍልጥቲ ብሪጣንያዊት ጸሓፊት ሚሸላ ሮንግ ኣብ ዘቕረበቶ ተመኵሮ፡ ምልካውያን መራሕቲ ኣፍሪቃ ነቶም ሃዲሞም ኣብ ምብዕራውያን ሃገራት ዝኸዱ ማሕበረኮማቶም ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከሰራጥዩ ከምዝፍትኑ ናይ ርዋንዳን ኤርትራን ኣብነታት ብምጥቃስ ገሊጻ።

ፓርላማ ብሪጣንያ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ንኸምዚ ዓይነት ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ዝምልከት መስርሕ ምጽራይ ብምእዋጅ፡ ግዳያት ናይ ከምዚ ዓይነት ምስርጣይ ዝዀኑ ሰባትን ተሓለቕትን መርትዖታት ከቕርቡ ዓዲሙ ነይሩ።

እቲ ብፍሉይ ኮሚቲ ሰባዊ መሰላት ዝምራሕ ምጽራይ፡ “ስግረ-ዶባዊ ምስርጣይ ብኸመይ ንሰባዊ መሰላት ናይቶም ኣብ ብሪጣንያ ዝነብሩ ሰባት ከምዝጸልዎም ንምንጻር” ዝዓለመ’ዩ።

“መንግስቲ ኤርትራ ሓደ ካብቶም ስግረ-ዶባዊ ጭቆና ዘካየዱ መንግስታት ኣፍሪቃ’ዩ። መንግስቲ ርዋንዳ’ውን ቀንዲ ካብቶም ነዚ ዝፍጽሙ’ዩ” ትብል ሚሸላ። እቶም መንግስታት ግን ንኸምዚ ዝበለ ወቐሳ ክነጽግዎ’ዮም ዝስምዑ።

ኣየኖት መንግስታት ከምዚ ዓይነት ተግባራት ከምዝፍጽሙን ዝጥቀምሉ ኣገባባትን ንምፍላጥ፡ ጭብጥታት ብጽሑፍ ክቐርበሉ እቲ ኮሚተ ፓርላማ ብሪጣንያ ዕድል ከፊቱ።

ዝተፈላለዩ ስልትታትን ኣገባባትን

ሚሸላ ከምእትብሎ እቶም ነቲ በደል ዝፍጽሙ ስርዓታት ተመሳሳሊ ስልትታት ከምዝጥቀሙ’ያ ትገልጽ።

“ኣብ ዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት ከምዝተዓዘብክዎ፡ መንግስታት ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ኣገባብ ብምጥቃም’ዮም ኣብ ዳያስፖራ ንዘለዉ ማሕበረኮማት ሃገራቶም ዝከታተሉን ዘሰራጥዩን።

“ብሰንኪ’ዚ ድማ፡ እዞም ኣብ ዳያስፖራ ዘለዉ ማሕበረኮማት ኣብ ቀጻሊ ፍርሒ’ዮም ዝነብሩ። ኣብ መንጐኦም ምጥርጣር ስለዝፍጠር ድማ ሓድሕድ ምትእምማን የጥፍኡ፡” ትብል።

ብፍላይ ካብ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ዳያስፖራ ፖለቲካዊ መርገጺታትን ኣረኣእያን ዘበገሶ ወጥሪን ምትፍናንን እናዓበየ ክመጽእ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እቲ ፍልልያት ንመዓልታዊ ማሕበራዊ ህይወትን ኣገልግሎታትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣካላዊ ድሕነት ከይተረፈ ስግኣት ዝፈጥር’ዩ።

“ብፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኻ ናብ ኣብያተ መግቢ እኳ ኬድካስ ከም ተራ ሰብ እንጀራ ኣዚዝካ ክትበልዕ ኣይትኽእልን ኢኻ” ብምባል ኣብ ፈለማ ዓመታት ናይ ስደት ህይወቱ ንዘጋጠሞ ጸቕጥታት ይዝክር።

“ሓደ እዋን ብዘይ ኣፍልጦ ጥራይ ናይ ዓደይ ሽም ስለዝራኣኹ፡ እንቋዕ ድሓን መጻእካ ኢሎም ክቕበሉኒ’ዮም ኢለ፡ ምስ ኣዕሩኽተይ ናብኡ ኣቲና መግቢ ኣዚዝና። ግና ኣብቲ ቦታ ክንረአ ቅቡላት ከምዘይኰንና፡ ድሕሪ ሕጂ ክንመጽእ ከምዘይብልናን ካብቲ ሬስቶራንት ክንወጽእ ከምዘለናን ተነጊሩና ተሰጒግና” ይብል ኣዳላዊ ቻነል ዩቱብ መስትያት ቤትና ዝዀነ ዘካርያስ።

ኣብቲ ቤት መግቢ ስእሊ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተሰቒሉ ከምዝነበረን ፍሉጣት ደገፍቲ መንግስቲ ዝኣትውዎ ምዃኑ’ውን ይጠቅስ።

“ስለዚ ሬስቶራንት ክንከይድ መሪጽና ኢና፣ ቤተክርስትያን ክንከይድ መሪጽና ኢና፣ ኣብ ኩሉስ ቅቡላት ኣይኮናን፡ እዚ ድማ’ዩ ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ኰይኑ ዝስማዓኒ ንዓይ።”

ተቓዋሚ መንግስቲ ዝዀነ ሰንጋል ዛይድ ከምዝብሎ’ውን፡ ደገፍቲ መንግስቲ ዝብሎም ውልቀሰባት ብቴለፎን ከይተረፈ ደዊሎም ከምዘፈራርሕዎ’ዩ ዝዛረብ።

“ንዓና ነቶም ደለይቲ ፍትሒ ከቢድ ዝዀነ ጸቕጢ’ዩ ዘለና” ብምባል “ብዙሕ ኣሎ ኣብ ሞባይልካ ዝሰዱልካ፡ ከነጥፍኣካ ኢና ክንቀትለካ ኢና” ዝብል ቀጥታዊን ዘይቀጥታውን ምስርጣይ ከምዝበጽሖ ይጠቅስ።

እቲ ኵነታት ማሕበራዊ ተነጽሎን፡ ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ብምስዓብ ብዙሓት ሕጉስን ቅሱንን ናብራ ከይህልዎም ዕንቅፋት ከምዝዀነ’ዮም እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ተሓለቕቲ ዘረድኡ።

እቲ ምትፍናን ኣብ ትካላት ሃይማኖት፡ ስድራቤታት፡ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ምትእኽካባትን ዝንጸባረቕ ምዃኑ’ውን ብዙሓት ኤርትራውን ዘማርርሉ ጉዳይ’ዩ።

ኤምባሲታት ኤርትራ’ውን፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ከም ሬሳ ምስዳድ ዝኣመሰለ ኣገልግሎት ክረኽቡ ዝደልዩ ወይ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ዝደልዩ ሰባት “ናይ ጣዕሳ ሰነድ” ክፍርሙ ብምግዳድ ኣካል ናይቲ ኣብ ወጻኢ ብመንግስቲ ዝፍጸም ጸቕጥን ምስርጣይን ምዃኑ’ዮም እቶም ተሓለቕቲ ዝዛረቡ።

ሚሸላ ሮንግ እዚ ምልካውያን ስርዓታት ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ምስርጣይ “ከቋርጽዎ ኣለዎም። ስለዚ ሱር ነቀል ለውጢ ክንሪኢ ንደሊ ኢና። ገለ ኤምባሲታትውን ነዚ ዝገብርዎ ዘለዉ እንድሕር ቀጺሎሞ ክዕጸዉ ምዃኖም ክንገሮም ኣለዎ” ትብል።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *