ኣቓልቦ ዘይተዋህቦ መስመር ስደት፡ ‘ንሽውዓተ ኢትዮጵያውያን ናብ ባሕሪ ደርብዮሞም’

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/c20zxr6mmjeo

5 ጉንቦት 2025, 13:45 EAT

ወዲ 35 ዓመት መሓመድ ዓብደላሂ መሓመድ፡ ኣብ ፈለማ ዕስራታት ዕድመኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ካብ ጅቡቲ ናብ የመን ብጃልባ ዝገበሮ ንህይወቱ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝነበረ ጕዕዞ ይዝክር።

ከም ብዙሓት መዛንኡ ዝሓሸ ዕድላት ከናዲ ኢሉ እዩ ካብ ሃገሩ ሶማልያ ክወጽእ ነቒሉ።

እቲ “ምብራቓዊ ኮሪደር” ተባሂሉ ዝፍለጥ ካብ ኣፍሪቃ ናብ የመን ዝግበር ጕዕዞ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ኣዝዮም ጽዑቓት መስመራት ስደት ሓደ’ዩ፤ እንተዀነ ብዙሕ ዓለማዊ ኣቓልቦ ኣይተዋህቦን።

ከምቲ መሓመድ ዝተመኮሮ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ሓደገኛታት እውን እዩ።

“ጕዕዞና ሰላሳ ደቓይቕ ምስ ገበረ፡ እታ ጃልባ ክትናወጽ ጀሚራ፡” ይብል።

“እቶም የመናውያን ኣሰጋገርቲ ብዓረብኛ ክዛረቡ ጀሚሮም፤ እቲ ዘረባ ሰባት ካብታ ጃልባ ንኽድርብዩ እዩ ነይሩ። ንሸውዓተ ኢትዮጵያውያን ኣገዲዶም ካብታ ጃልባ ናብ ባሕሪ ደርብዮሞም።”

እዚ መስመር ሓደገኛ’ኳ እንተዀነ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ግን ነዚ ጕዕዞ ገና ይቕጽልዎ ኣለዉ።

ዓመታዊ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ካብ ኣፍሪቃ ናብ የመን ከምዝኣትዉን፣ ብብዝሒ ድማ ስደተኛታት ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ካብ ኢትዮጵያ፡ ውሑዳት ካብ ሶማልያን ጅቡትን ዝመጹ ምዃኖም፡ ማእከል ምትሕውዋስ ስደተኛታት (MMC) ይግምት።

ኣብታ መሓመድ ተሳፊሩዋ ዝነበረ ጃልባ 47 ኢትዮጵያውያን፡ ሓሙሽተ ሶማላውያንን ክልተ የመናውያን ሰምሰርቲን ነይሮም።

“ኣዝዩ ዘጨንቕ እዩ ነይሩ፡” ይብል – መሓመድ።

“ማይ ናብታ ጃልባ ክኣቱ ጀሚሩ፤ ከብዲ ኣእዳውና ኣላጊብና ክንጭንጕዖ ንፍትን ነይርና፡” ይብል።

ካብ 2014 ኣትሒዛ የመን ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተሸሚማ ስለዘላ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ናብታ ልዑል ጠለብ ዓያዪ ጉልበት ዘለዎ ስዑዲ ዓረብ ክሰግሩ ፈቲኖም።

ጠንቂ ስደት ብዓቢኡ ቍጠባዊ’ኳ እንተዀነ፡ ብቐንዱ ካብ ዝተፈላለያ ክልላት ዝመጹ ኢትዮጵያውያን ግን ብሰንኪ ግጭት፡ ዓመጽን ቅትለትን ሃዲሞም ዝስደዱ ዘለዉ ግን ቍጽሮም እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ይገልጽ።

እቲ ንወሽመጥ ዓደን ዘስግር ኣመና ኣጸጋሚ መስመር፡ ክልተ ቀንዲ ጨናፍር ኣለዎ።

እቲ ሓደ፡ ካብ ኦቦክ ኣብ ጅቡቲ ነቒልካ ናብታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ የመን እትርከብ ከተማ ላሂጅ ዘብጽሕ መስመር ክከውን እንከሎ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ቦሳሶ ሶማልያ ተበጊሱ ናብ ደቡባዊ ምብራቕ የመን ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ሻብዋ ዝበጽሕ እዩ።

መሓመድ ክልቲኡ መስመራት ፈቲንዎ እዩ። ካብ ጅቡቲ ናብ ላሂጅ ዝገበሮ ጕዕዞ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወሰደ እዩ ነይሩ። ኣብ 2014 ናብ ሶማልያ ምስ ተመልሰ ድማ ካብ ቦሳሶ ነቒሉ ናብ የመን ተመሊሱ።

“ኣብዚ ካልኣይ ጕዕዞ፡ ኣቐዲመ ስለዝተመኮርኩ ብዙሕ ፍርሒ ኣይነበረንን፤ ግን ኣዝዩ ዝነውሐ’ዩ ነይሩ። ናብ የመን ንምብጻሕ 24 ሰዓታት ወሲዱልና፡” ይብል።

ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ዓለም፡ ጅቡቲ ናብ የመን ቀዳመይቲ መሰጋገሪት ሃገር ኰይና ኣላ። ኣብ 2023፡ ኣስታት 106 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣትዮም።

ኣብ መሰጋገሪ ነቝጣታት ጅቡቲ ንምብጻሕ ኣመና ኣሸጋሪ ሰሙናት ክወስድ ዝኽእልን እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ክልል ኣምሓራ ተበጊሶም ናብ ኦቦክ ንምብጻሕ 400 ኪሎ ሜትር መንገዲ ክኸውን ይኽእል።

ገሊኦም መካይንን ኣውቶቡሳትን ክወስዱ እንከለዉ፣ ብዙሓት ግን ብእግሪ ይጓዓዙ። እዚ ድማ ኣብቲ 50 ዲግሪ ሰልሽየስ ዝበጽሕ ብርቱዕ ሙቐት ጕዕዞ በረኻታት ዘጠቓልል እዩ።

ኣብ ገማግም ባሕሪ ምስ በጽሑ፡ እቶም ስደተኛታት ወሽመጥ ዓደን ንምስጋር መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ሰምሰርቲ 300 ዶላር ይኸፍሉ።

ዞባዊ ዳይረክተር ኤምኤምሲ ኣይላ ቦንፊልዮ፡ ስምሰራ ዓቢ ንግዲ ኰይኑ ከምዘሎ ትዛረብ።

“300 ዶላር ብሕሳብ ንሓደ ሰብ፡ በቶም ኣብ ዓመት ነዚ መንገዲ ዝሰግሩ ኣስታት 100 ሽሕ ስደተኛታት እንተ’ርቢሕናዮ፡ ብዛዕባ 30 ሚልዮን ዶላር ቍጠባ ኢና ንዛረብ ዘለና፡” ትብል።

“ኣብ የመን ዘሎ መንግስታዊ ባዶነት፡ እዚ ከምዚ ዓይነት መርበባት ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንኽስስን ምቹእ ሃዋህው ፈጢሩ” ከምዘሎ ተረድእ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት 1400 ስደተኛታት ጥሒሎም ከምዝሞቱ ትካል ስደተኛታት ይግምት። ቦንፊልዮ ግን እቲ ኣሃዝ ካብዚ ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ከምዝኽእል ትኣምን።

“እዚ ምብራቓዊ መስመር ኣብታ ኣህጉር እቲ ሓደገኛ ምዃኑ ብሰፊሑ ይግመት” ትብል።

“ዝኾነ ዓይነት ዘይሕጋዊ ምስጋር ባሕሪ፡ ሕማቕ ኣቃውማን መሳርሒታትን ዘለወን ጀላቡ’ዩ ዝጥቀም፡” ትብል።

“ኣብ ባሕሪ ንዝሞቱን ዝጠፍኡን ሰባት ኵለመዳያዊ ክትትል ስለዘይብልና፡ እዚ ቁጽርታት ንእሽቶ ግምት’ዩ ምባል ዝሓሸ እዩ።”

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *