ስዊዘርላንድ ንኤርትራ ዝህቦ ናይ ልምዓት ሓገዝ ኣብ መወዳእታ ትውድኦ ኣላ Switzerland is ending its development assistance to Eritrea

ስዊዘርላንድ ንኤርትራ ዝህቦ ናይ ልምዓት ሓገዝ ኣብ መወዳእታ ትውድኦ ኣላ። ብመሰረት ናይ ደገ ገምጋም፡ ኣብ መዳይ ስደት ኣዝዩ ውሑድ ምዕባለታት ከምዝተራእየ፡ ወሃቢ ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ፌደራል (FDFA) ትማሊ ሶኑይ ኣብ ልዕሊ ስዊዘርላንዳዊ ሬድዮ SRF ገሊጹ።

ኣብ መንጎ ስዊዘርላንድን ኤርትራን ዝነበረ ፍናን ከም ዝመሓየሽ ወሃቢ ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ፌደራል (FDFA) ማይክል ሽታይነር ገሊጹ። ሞያዊ ስልጠና እውን ድልዱል ኮይኑ ኣሎ። ይኹን እምበር ኣብ መዳይ ስደት ዝኾነ ዓቢ ምዕባለ ከምዘይተራእየ ሽታይነር ገሊጹ።

ስዊዘርላንድ ንዝተነጽገ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ዓዶም ክትምለስ ምኽኣል ትሰርሕ ኣላ። ኤርትራ ክትቅበሎም ድልውቲ ኣይኮነትን።

ብመሰረት ጸብጻብ SRF እቲ ሓገዝ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ክቋረጽ ኣለዎ። እቲ ውሳነ ካብቲ ፌደራል መንግስቲ ዝሓንጸጾ ናይ ወጻኢታት ምቑራጽ ስጉምትታት ነጻ ኮይኑ ዝተወሰነ ምዃኑ እቲ መደበር ሬድዮ ገሊጹ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *