
ኣብ ልዕሊ መሳገሪታት ቻነል ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ንሓደ ሓታቲ ዑቕባ ብኻራ ክቐትል ዝፈተነ ብናዚ ዝተዋሕጠ ግብረሽበራዊ፡ ብውሑዱ ን22 ዓመትን ሸሞንተ ኣዋርሕን ክእሰር ተፈሪድዎ።
ካሉም ፓርስሎው ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ2 ሚያዝያ ኣብ ወርቸስተርሻየር ቅድሚ ሕጂ ሓተትቲ ዑቕባ ንምዕቃብ ኣብ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ሆቴል ንወዲ 25 ዓመት ናሆም ሓጎስ ብተደጋጋሚ ብኻራ ከምዝቐተሎ ይፍለጥ። ኣብ ጸጋማይ ቅልጽሙ ፊርማ ኣዶልፍ ሂትለር ንቕሳት ዝገበረ ፓርስሎው፡ ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ኣብ ቴለፎኑ ኣብ ዝተረኽበ “ግብረሽበራዊ ማኒፌስቶ” “ነቶም ወረርቲ ዓሌታት የጥፍኦም ከምዘሎ” ገሊጹ።
ብዓርቢ ኣብ ቤት ፍርዲ ዘውዲ ዉልዊች፡ ወዲ 32 ዓመት ፓርስሎው፡ ብውሑዱ ን22 ዓመትን ሸሞንተ ኣዋርሕን ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ።
ሚስተር ዳኛ ዶቭ፡ “ብሰንኪ ዓመጽካ ኣዕናዊ መጉዳእቲ ዝበጽሖ ናሆም ሓጎስ ዝተባህለ ፍጹም ዘይትፈልጦ ሰብ፡ ዕሱብን ብዘይ ምልዕዓልን መጥቃዕቲ ፈጺምካ።” ወሲኹ ድማ እቲ መጥቃዕቲ “ዘይጥርጥር ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ” ምዃኑ ገሊጹ።
ፓርስሎው ኣብ መወዳእታ ናይቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዘውዲ ሌስተር ንሰለስተ ሰሙን ዝቐጸለ ፍርዲ ብፈተነ ቅትለት ተፈሪድዎ፡ ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ንሓተትቲ ዑቕባ ንምዕቃብ ዝጥቀሙሉ ሆቴላት መጽናዕቲ ከምዝገበረ ሰሚዑ። ድሮ ብናይ ምቑሳል ክሲ ገበነኛ ምዃኑ ተኣሚኑ እኳ እንተነበረ፡ ብፈተነ ቅትለት ብዝቐረበሉ ክሲ ግን ገበነኛ ኣይነበረን።
ፓርስሎው፡ ኣብ ንኣሽቱ መሳገሪታት ጀላቡ “ተቖጢዑን ስለዝተበሳጨወን” “ንሓደ ካብቶም ስደተኛታት ቻነል” ክወግእ ናብቲ ኣብ ሂንድሊፕ ዝርከብ ሆቴል ፒር ትሪ ኢን ዝተባህለ ናይ ገጠር ሆቴል ከምዝኸደ ንፈራዶ ሓቢሩ። ብተወሳኺ እቲ መጥቃዕቲ ብሰንኪ ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ማዕጾ ዝገደፎ ዓሌታዊ ጽሑፍ ካብቲ ዝነብረሉ ፍላት ክባረር ዝቐረበ ተቓውሞ ምዃኑ ገሊጹ።
ድሕሪ እቲ ምውጋእ ብቕጽበት ኣብ ኤክስ ክዝርግሖ ኣብ ዝፈተነ መግለጺ፡ “በቃ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ግቡአይ ፈጺመ … ግብረሽበራዊ ክብሉኒ እዮም፡ ኣኽራሪ ክብሉኒ እዮም፡ ኣነ ክልቲኡ ኣይኮንኩን። ኣነ ነቲ ዓቢ ጀርዲን ዓዲ እንግሊዝ ዝከናኸን ጀርዲነር ጥራይ እየ። ነቲ ክርዳድ ኣውጺአዮ፤ ነቲ ጐዳኢን ወራሪን ዓይነት እንስሳ ኣጥፊአዮ እየ።”
ዓቃቢ ሕጊ ቶም ስቶሪ ኬሲ፡ እቲ ጽሑፍ “ኩሉ መለለዪታት ጽንፈኛ የማናዊ ግብረሽበራዊ ማኒፌስቶ ምዃኑ”፡ ፓርስሎው ድማ “ብመሰረት ብሄሩ ንግዳይኡ ኣለልዩ ዒላማ ገይሩ” ኢሉ።
ፓርስሎው ሓጎስ ኣብቲ ሆቴል ምሳሑ ክበልዕ ምስ ረኸቦ ካበይ ከም ዝመጸ ሓተቶ። ሓጎስ ካብ ኤርትራ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምዃነይ ምስ መለሰ ፓርስሎው ካራ ኣፍሪዩ ክወግኦ ጀመረ፣ ኣብ ኣፍልቡን ኢዱን ቁስሊ ኣውረደሉ።
ሓጎስ ካብቲ መጥቃዕቲ ንምህዳም ናብ መቐበሊ ኣጋይሽ ናይቲ ሆቴል ብጉያ ብምእታው፡ ቁስሉ – 8 ሴንቲ ሜተር ዝንውሓቱ ኣብ ኣፍልቡ ዝተቖርጸን ንኣርባዕተ ኣጻብዕቱ ብቴንዶን ዝቖረጸ ቁስሊ ኢዱን ሓዊሱ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ።
ሓጎስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ጽልዋ ግዳይ፡ ሕጂ’ውን ኣብ ኢዱ “ዘሕዝን ቃንዛ” ከም ዝሳቐ ገሊጹ።
“እቲ ቃንዛ ዘይጽወርን ምሉእ ለይቲ ንቑሕ ኮይኑ ይጸንሓኒን” ኢሉ። “ቅድሚ እቲ ፍጻመ ሕጉስ ህይወት ክነብርን ክስዕብን ጸኒሐ። እዚ ሕጂ ርሑቕ ዝኽሪ ኮይኑ ኣሎ። ጽምዋ ይስምዓኒ’ሞ ኣብ ጽርግያ ውሕስነት ኣይስምዓንን’ዩ። ህይወተይ ተገልቢጣ እያ።”
ፓርስሎው ንምንታይ ከም ዘጥቅዖ ንምርዳእ ከም ዝተቓለሰ ሓጎስ፡ “ሕጊ ዝኽበር፡ ንፉዕ ሰብ እየ ነይረ” ኢሉ።
theguardian