
ብሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ “ሸነ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ምስቶም ኣብ ሶማልያ ዝመደበሮም ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ቀጥታዊ ርክብ ከምዝፈጠረ ትካላት ስለያ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣረጋጊጾም። እዞም ጉጅለታት “ጸጥታ እቲ ዞባ ንምድኻም” ይተሓባበሩ ክብሉ ይኸሱ።
እዚ ክስታት’ዚ ብዋና ዳይረክተር ኣገልግሎት ስለያ ኬንያ ኑራዲን መሓመድ ሓጂ ዝምራሕ ልኡኽ ኬንያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ዑደት’ዩ። ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ብወግዒ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ዋና ዳይረክተር ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለያን ጸጥታን ኢትዮጵያ ብወግዒ ተቐቢሎምዎ።
ብመሰረት መግለጺ NISS ክልቲአን ሃገራት ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዶባተን ብዝተፈጥረ ሓባራዊ “ናይ ጸጥታ ስክፍታታት” ኣብ “ስለያዊ ምልውዋጥን ካልእ ጸጥታዊ ጉዳያትን” ንምትሕብባር ስምምዕ ፈሪመን ነይረን።
NISS እቲ “ሽነ ግብረሽበራዊ ጉጅለ” ኢሉ ዝጽውዖ ኦላ ኣብ ዞባ ዶብ ኣብ “ዘይሕጋዊ ንጥፈታት” ተሳቲፉ ከምዘሎ ከሲሱ፣ እዚ ድማ “ንግዲ ኮንትሮባንድ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋርን ዘይሕጋዊ ዕደናን” ሓዊሱ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ቀረባ እዋን “ክልተ ዜጋታት ደቡብ ኮርያ ጨውዩ” ንኣልሸባብ ከምዘረከቦም ገሊጹ።
“እቲ ጉጅለ ምስ ኣልሸባብ ቀጥታዊ ርክብ ከምዘለዎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ሶማልያ ዝንቀሳቐስ ኮይኑ፡ ክልቲኦም ጉጅለታት ኣብቲ ከባቢ ዘይውሕስነት ንምፍጣር ይተሓባበሩ ኣለዉ” ይብል መግለጺ