ሐጸርቲ ዜናታት ኩነታት ኢትዮጵያ

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ወላይታ ትማሊ ሶኑይ ብዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብን ዕልቕልቕን ብዝተፈጠረ ምፍራስ መሬት ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 13 ሰባት ሞይቶም።
ልዕሊ 300 ሰባት ካብቲ ከባቢ “ከም ጥንቃቐን ካልእ ዓቢ ምፍራስ መሬት ክህሉ ዝኽእል ትጽቢትን” ከምዝተገደፉ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ወላይታ ሳሙኤል ፎላ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተቐትለ ናይ ኦሮሞ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ ባተ ኡርገሳን ምስ ኡርገሳ ዝተኣሳሰሩ ካልኦት 11 ሰባትን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ክሲ ብሰበስልጣን ጸጥታ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ሂዩማን ራይትስ ዎች (HRW) ሓቢሩ።
እዚ “መንግስቲ ሓቂ ካብ ምቕላዕ ንላዕሊ ንኸይወጽእ ንምክልኻል ከምዘተሓሳስቦ ዝሕብር’ዩ” ዝበለት ላቲቲያ ባደር፡ ሰበስልጣን ንዝተኣስሩ ሰባት ብቕልጡፍ ክፈትሑን ብዛዕባ ቅትለት ኡርገሳ ምሉእ ዘይሻራዊ መርመራ ክግበር ክድርኹን ከምዘለዎም ገሊጻ።
ብ3 ሓምለ ኣብ ኦሮሚያ ከተማ ጋርባ ጉራቻ ወፃኢ ዝተጨውዩ 16 ተምሃሮ ካብ 100,000 ክሳብ 500,000 ብር ኢትዮጵያዊ በጃ ብስድራቤቶም ተኸፊሉሎም። ልዕሊ 150 ተማሃሮ ኣብ ኢድ እቶም ንኽፍትሑ ገንዘብ ዝጭብጡ ዘለዉ ጨወይቶም ተሪፎም ኣለዉ።
እቶም ዝተፈትሑ ተማሃሮ፡ ኣብ ዝተማረኹሉ እዋን፡ ዓመጽ፡ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ሕጽረት መግቢን ኣዘንትዮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *