ኩነታት ሱዳን ናብ ዝኸፈኤ ይከይድ ኣሎ

ሓላፊ ዕጡቕ ሓይልታት ሱዳን ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ካብ ፖርት ሱዳን ናብ ኦምዱርማን ከግዕዝ መደብ ከምዘለዎን፡ ካብኡ ድማ ወተሃደራዊ ስርሒታት ክመርሕ ምዃኑን ይግለጽ።
ብመሰረት መግለጺ ተሓጋጋዚ ኣዛዚ ሰራዊት ሳፍ ያሲር ኣል-ዓታ፡ ረብሓ ኣልቡርሃን ብቐንዱ ነታ ሃገር ካብ ምምራሕ፡ ምስ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ኣብ ምቅላስ’ዩ።
ብርቱዕ ዝናብን ውሕጅን ኣብ ክልል ሩባ ናይል ከተማ ኣቡ ሓመድ ትማሊ ሰሉስ ህንጻታት ምፍራሱ ቁጽሪ ግዳያት ናብ 17 ከምዝዓበየ ይፍለጥ።ሱዳን ካብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ ጀሚራ ኣብዚ ዝናብ ወቕቲ ምስ ብርቱዕ ዝናብን ውሕጅን ክትቃለስ ጸኒሓ።
ትማሊ ሶኑይ ንግሆ ብሳፍ ዝተወቕዑ ክልተ በርሚል ቦምባታት ኣብ ሰሜን ዳርፉር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ዛምዛም መንበሪ ከባቢታት ብምውቃዕ ኣርባዕተ ህጻናት ከምዝቖሰሉ፣ ኣባይቲ ከምዝዓነዉን ኣብቲ መዓስከር ፍርሒ ከምዘስዓቡን ተገሊጹ።
ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት መዓስከር ዛምዛም ነቲ መጥቃዕቲ ብትሪ ብምኹናን፡ ሰበስልጣን ካብቶም ዘይተፈንጀሩ ቦምባታት ሓደ ከውጽኡ ይላቦ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *