
ምሕደራ ህግደፍ ኣሽማት ዲፕሎማሲ እናቀየሩ ነዛ ሃገር ዘድሕኑ ዘለዉ ይመስሎም ኣሎ እቲ ሐቂ ግን ህዝብና ኣብ ጥምየትን መከራን ከርተትን ኣሎ፡ነንባዕሎም ዝጥዕሞም ጌሮም ብኸመይ ነዛ ስልጣኖም ከነኣውሑ ስጻውቱዎ ዘለዉ ኣሽካዕላል ኢዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ካብዘለዎ ሐራ ክውጾኦ ዝኽእል እታ እንኮ ኣማራጺት ኣብ ሀገር ቅዋማዊት ሃገርን ናይ ህዝቢ ምሕደራ ኢዩ ፡ራሻ ይኹን ቻይና ጥልያን ንርእሶም ሐገዝ ዝደልዩ ሰባት ዓዲምካ ኣብ ስእሊ ምጥላዕ ኣገዳሲ ኣይኮነን ።እዚ ዋላ እቶም ዛኣምንዎም ውልቀሰባት ኣባላቶም ዝዛረብሉ ዘለዉ ምረት ኢዩ፡
ህዝቢ ኤርትራ ክድሕን ናይ ሐባራዊ ቃልሲ እምበር ናይ ደገ ኣክተራት ዘድልዩ ኣይኮነን፡ኩሉ ስደተኛ ንስድሩኡ እናሐገዘ የናብሮም ኣሎ እዞም ኣክተራት በዓል ራሻ ዝተበላሸወ ስርናይ ሂቦም ደገፍቲ እቲ ስርዓት ከምስሉ ተራእዮም ፡
እቲ ዝገርም ጀነረተር መራኽብ ሙሉእ ምጺኡ ናብ ወድብና ካብ ራሻ ዝብል ሐሶት ነዚሖም ዓቢ ሳተላይት ተተኺሉ ኣሎ ኣብ ደቀምሐረ ኢሎም ንህዝቢ ከዔሽዉ ጸኒሖም እቲ ሐቂ ግን ጻዕዳ ሐሶት ኢዩ ኣይኮነን ሳተላይት ነት ሐነቀዘ ዝመጸ ዝቦቀለ እኽሊ ብኩቦን ተዋሂቡዎ።