
እዞም ስደተኛታት፡ ኣብ ርሑቕ ግዝኣት ብሪጣኒያ ካብ ዝርከብ ከባቢ ናብ ርዋንዳ ካብ ዝመሓላለፉ ልዕሊ ሓደ ዓመት ገይሮም ኣለው።
ኣብዚ፡ ድሕነት ከም ዘይስምዖምን ተነጽሎ ከም ዝገጥሞምን ብምግላጽ፡ ርዋንዳ “ክፍቲ ቤት ማእሰርቲ” እያ ክብል ሓደ ካብኣቶም ይዛረብ።
ብሪጣኒያ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተው ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ርዋንዳ ክትሰዶም ስምምዕ ከም ዝገበረት ይፍለጥ።
ፖለቲከኛታት ብሪጣኒያ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ኣካታዒ ዝዀነ ሓድሽ ውጥን ርዋንዳ ሓደ ዓይነት መርገጺ እኳ እንተዘይሃለዎም፡ እዚ ንኡሽቶ ጉጅለ ስደተኛታት ግን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብታ ሃገር ኣሕሊፉ ኣሎ።
ቢቢሲ፡ ናብዛ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብምኻድ ኣርባዕተ ካብዞም ስደተኛታት ኣዘራሪቡ ኣሎ።
እዞም ስደተኛታት፡ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ካብ እትርከብ ደሴት ዲጎ ጋርሲያ እዮም ተመሊሶም።
ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ብሰንኪ ኣብ ሕሉፍ ዝበጽሖም ጾታዊ ዓመጽን ምስቓይን ዝስዓቡ ጥዕናዊ ጸገማት ንዘድልዮም ሕክምናዊ ጠለባት ኣብ ርዋንዳ ይረኽቡ ከም ዘየለው ይዛረቡ።
ነፍሲወከፎም፡ ንመግብን ካልኦት ወጻኢታትን ኣብ ሰሙን 50 ዶላር ይወሃቦም።
ብመሰረት ኣብ መንጐ መንግስታት ርዋንዳን ብሪጣኒያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ግን ኣብታ ሃገር ስራሕ ንክሰርሑ ፍቓድ የብሎምን።
ኣርባዕቲኦም፡ ኣብ ጐደናታት እታ ሃገር ምግፋዕን ኣድላዪ ዘይኰነ ጾታዊ ትንኰያን በጺሑዎም።
ነዚ ስዒቡ፡ ክሳብ እቲ ኣብ ብሪጣኒያ ቀዋሚ መንበሪ ዝረኽቡ ካብቲ ዝነብርሉ ንምውጻእ ስለ ዝሰግኡ ናይ “ነብሶም እሱራት” ኰይኖም ይነብሩ ከም ዘለው ይገልጹ።
እዞም ስደተኛታት፡ ካብ ስሪላንካ ታሚል ዝመጽኡ ኰይኖም፡ ድሕሪ ተደጋጋሚ ፈተነ ነፍሰ ቅትለት ንህጹጽ ሕክምና ናብ ርዋንዳ ዝተመሓላለፉ’ዮም።
ሕጂ ካብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ወጺኦም ኣብ ወሰናወሰን ኪጋሊ ይነብሩ ኣለው። እቲ ክራይ ገዛ ብሰብ መዚ ብሪጣኒያ’ዩ ዝኽፈል።
እዚኦም፡ ልክዕ ከምቲ ካብ ብሪጣኒያ ናብ ርዋንዳ ክምለሱ’ዮም ዝብሃሉ ዘለው ሓተትቲ ዕቑባ ዝህልዎም ሕጋዊ ኵነታት የብሎምን።
ጠበቓታት እቶም ክልተ ስደተኛታት፡ እቲ “ዘጋጠሞም ኣሉታዊ ተሞክሮታት” ርዋንዳ “ንኣዝዮም ተቓላዕቲ ስደተኛታት” ውሑስ ሃዋህው ክትፈጥር ድያ ዝብል ዓብዪ ስክፍታ ዘልዕል’ዩ ይብሉ።
ሓንቲ በዓል ስልጣን እታ ሃገር፡ ኣብ ስርዓት ጥዕናን ውሕስናን ሃገራ “ሙሉእ እምነት” ከም ዘለዋ ብምግላጽ “ኣብዚ ቁጽሩ ዝዓቢ ዘሎ ብዝሒ ወጻእተኛታት’ዩ ዘለና” ኢላ።
ድሕነት እቶም ስደተኛታት ንምሕላው ብዝብል ሽሞም ተቐይሩ ኣሎ።