ፈዳይ ሕነ ብርጌድ ንሐመዱ 1961 ዝተጠልመ ቃልሲ ባንዴራ መለይ ሒዙ እምባሕ ይብል ኣሎ።

ፈዳይ ሕነ ብርጌድ ንሐመዱ ናይ ኣቦታቱ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ 1961 መቀጸልታ ኽይኙ ባኣፍራስን ፓሊስ ኣኽላባትን ይርገጽ ኣሎ ።ምዑታት መንእሰያት ነዚ ወለዶ ወሪዱዎ ዘሎ መከራ ስለ ኣጸቢቆም ዝነቅሑሉ ብዘይ ሐደ ድፊኢት ንህዝቦምን ንሃገሮምን ዋጋ ይከፍሉ ኣለዉ።ገሊኦም ጀጋኑ ኣሕዋትና ብሌን ዓይኖም ክስእኑ ከለዉ ገለ ኻኣ ክቢድ ማህሰይቲ ወሪዱዎም ኣብ ሆስፒታላት ይርከቡ።ከም በዓል ውዜማ ደጀን ዛኣመሰሉ ጀጋኑ ውን ኣብ እስሪቤት ከምዘልዉ ኮይኑ ናትና ሐገዝ ካኣ ብገንዘብን ሞራልን ኣጆኹም ንበሎም ።እዚ ወልዶ እዚ መላሲ የብሉን ንቅድሚት ኢዩ ጠመቱኡ ስለዝኾነ እዚ ቃልሲ ናህና ቃልሲ ህዝቢ ሙኻኑ ኣሚንና ኣብ ጎኖም ኣለና ንበሎም።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ውጹዕ ህዝብና

ብርጌድ ንሐደመዱ ኻኣ ምስ ህዝቡ ይዕወት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *