
ከምቲ ኣብ ጊሰን ስትክሆልም ዝተካየደ ኣንጻር ህግደፍ ፈስቲቫል ሕጂ ውን ብምስምስ ኣብ ስዊዝዘርካንድ ከካይዱ ይሐስቡ ምህላዎም ኣብ አብ በርን ዝተባህለት ቁሸት ብፓሊስ ከምተከልከሉ ይንገር ።በዚ ኣጋጣሚ መስከረም 1 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኣምኽንዮም ነቲ ገባቲ ስርዓት ን30 ዓመት ንህዝቢ ኤርትራ ዘድመየላን ዘሕቀቀላን መዓልቲ ከኽብሩ ይሸባሸቡ ኣለዉ።
ኣብቲ ጻውዒት ስእሊ ሰራዊት ኤርትረ ኣብ ትግርኛ ተጻሒፉ ኣሎ – “ዓወት ንሐፋሽ ! ዘለኣለማዊ ተዘክሮታት ጀጋኑና!”ዝብል ውን ኣለዎ እዚ ንዕቀት ህዝብና ኢዩ ኣየናይ ሐፋሽ ኢዩ ተዓዊቱ ን 32 ዓመታት ኣብ ጸልማት ዘሎ እዞም ብስም ኢሰያስ ዝምሕሉ ዘለዉ ቃንዛ ህዝቦም ዘይስሞዖም ኣራዊት ኢዩኦም።
ኣብቲ ዝሐለፈ ሰሙናት ውን ኣብዝተፈላለየ ዓለማት ኣብ ጊሰን ጀርመን ካናዳ ኣንጻር ዓምጺ ኢሰያስ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ብዙሕ ጉዳኣት ኣስዒቡ ኢዩ፡ክሳብ 26 ፓሊስ ክጉዱኡ ከለዉ ሐያሎ ተቃወምቲ ብርጌድ ንሐመዱ መንእሰያትና ውን ዝተሀሰዩ ኣለዉና ኣብ ስቶኮልም ውን ካቡኡ ዘይፍለ ብዙሕ ማህሰይቲ ኣስዒቡ ኢዩ።
ኣብ ሓያሎ ቦታታት እቲ በዓላት ኣዌል ሲድ ዚበሃል ዓርኪ እቲ ነቲ ስርዓት እሙን ዝዀነ ውልቀ-መላኺ ኤርትርያ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ መደረ ኣቕረበ። ወተሃደራዊ ኽዳን ኤርትርያ ተኸዲኑ ኣብ እተፈላለየ በዓላት ተራእየ ። ነቲ ኣብ ጀኒቫ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወተሃደራዊ ኽዳን ተኸዲኑ ቪድዮ ኺዛረቦ ኸሎ እውን ፊልም ተቐሪጹ እዩ ። ኣብ ካልእ ቪድዮታት ከኣ ነቲ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝገበረቶ ውግእ ብምድጋፍ ከምኡውን ካብ ኤርትርያ ዝመጹ ስደተኛታት ሓንሳእን ንሓዋሩን መጥቃዕቲ ኽወርዱን ኣሸበርትነት ቃላቱ ክድምሰሱን ጻውዒት ብምቕራብ ንውግእ ክብሪ ኽህቦ ኸሎ ኽስማዕ ይኽእል ኢዩ።
ህግደፍውያን ንደቆም መምሀሪ ባህሊ ኢሎም ዝሰርሑዎ ምሪኢት ሚሊታሪ ተከዲኖም ካላሺን ኮፍ ሒዞም ኣብ መድረኽ ብኸመይ ትትኩስ ብኸመይ ትከላኸል ነብስኻ ኣብ ውግእ መምርሒታት ሂቦሞም።
ኣብ እተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን ጀርመን እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ እቲ በዓላት ብዙሕ ገንዘብ እዩ ዜውጽእ፣ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ጊሰን ጀርመን ዚተገብረ በዓል ኣስታት 90,000 ዩሮ እዩ ዜውጽእ። “ኣብ ስዊዘርላንድ ዚነብሩ ስደተኛታት ነዚ ፍጻመታት እዚ ንምምእራር ገንዘብ ካበይ እዮም ዝረኽቡዎ?
ስለዚ ኸኣ እዮም ፖሊስ ነቲ ኣብ ጥቓ በርን ዚግበር ዝነበረ በዓል ኤርትርያ ደው ዘበልዎ