
ኣብ ዝሓለፈ ሰነ 2023፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብዙሓት ካብቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ኤርትራውያን ናብቲ ኮሚሽን ብዘቕረብዎ ጥርዓን እቲ ምሕጽንታ ከም ዝወጸ ጸብጻባት የመልክቱ።ካብቲ ዝሃቦ መልሲ እቲ ኮሚሽን፡ብዙሓት ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን መረጋገጺ ሰነድ የብልኩምን ተባሂሎም፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝተፈላለያ ንኡሳን ከተማታት ኢትዮጵያን፡ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ብፖሊስን ኣካላት ጸጥታን ተኣሲሮም ከምዘለው ኣፍሊጡ።
ገለ ካብቶም እሱራት ድሕሪ ነዊሕ ግዝየ ከምዝተፈትሑ ገሊጹ።እንተኾነ ግን ፓሊስ ኢትዮጵያ ምእሳርን ምግልታዕን ኤርትራውያን ኣብ ሰነ 2023 ኣስታት 200 ኤርትራውያን ብሐይሊ ከምዝመለሶም ይግለጽ፡ካብቶም ተመልስቲ ትሕቲ ዕድመ ከምዝርከቡዎም እቲ ናይ ኢትዮጵያ ኮምሽን ገሊጹ።
እቲ ኮምሽን እዚ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝተፈጸመ ግፍን ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስ ዕጫ ኦዞም ዝኸዱ ኣብ ኣሰቃቂ ግፍዒ ከምዝጽበዮም ሐቢሩ እቲ ዝተወስደ ግፋ ነቂፉ።
እቲ ኮምሽን ናይ ስደተኛታት ከምዝበሎ ግን ኩሎም እቶም ተጠረዙ መንበሪ ወረቀት ወይ ናይ ስደተኛ ምዝጉባት ኣይጸንሑን ይብል።ብጋጣሚ ግን ቢቢሲ ከምዝበሎ ኢትዮጵያ ናይ ዑቅባ መንባሪ ወይ ምምዝጋብ ከምዘቋረጸት ይገልጽ።ኣብ ሕቡራት ሃገራት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን ነዚ ዝተፈጥረ ምስጓግ ኤርትራውያን ትኹንን።