ክዕቀብ ዝግብኦ ሃገራዊ መኽሰባትና ብተስፋይ ተኽለ ዝተጻሕፈት መግለጺ

May be an image of map and text

አንጻር እቲ መላኺን ገባቲን ዝኾነ ስርዓት ሽፍታ ኢሳያስ ድሕሪ ምርግጋጽ ነጻነት ንዘርአዮ ሕገ አልቦ ሽፍትነታዊ ስርዓት ተቓውሞ ካብ ዝጅመር እንሆ 30 ዓመታት ኮይኑ። አብቲ ፈለማ እቶም አንጊሆም ንአካይዳ ኢሳያስን ባህርያቱን ጽቡቕ ጌሮም ዝፈልጥዎን ዝርድእዎን ዝተጀመረ ኮይኑ፣ መብዝሕትኡ ህዝብና ነቶም ሽዑ ብአግኡ ዝተቓወሙዎ አየቕለበሎምን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ነቲ ኢሳያስ ካብ ህዝቢ ንምንጻሎም፣ “5ይ መስርዕ፣ ጅሃድ፣ ዘይሃገራውያን …. ወዝተ” ዝብል ናይ ጸለመ ዑብታ ኢዩ ሸፊንዎ ኔሩ። ድሒሩ ግን ብልሒ ኲናት ኢሳያስ አብ ተቓወምቲ ጥራሕ ከይተሐጽረ፣ መርዛም ብልሑ አብ ነብሲ ወከፍ ማይ ቤት አትዩ። እንሆ ሎሚ ከአ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኩሉ ዝሐለፈ ተቓውሞታት፣ ጀጋኑ መንእሰያት ደቅና ተኪኦሞ። እቲ ኢሳያስ አፍወርቂ ንህዝብና ፈላልዩን ገዛዚዑን፣ ብራዕድን ሽበራን ፈጢሩ ሐሞቱ ዘፍሰሶን፣ ኤርትራዊ ትብዓቱን ጅግንነቱን ዝመንጠሎን ዝበረዞን፣ ሎሚ ዳግም ብመንእሰያት ደቅና አምሊስናዮ አለና። መንእሰይ ወትሩ አብ ኩሉ ሕሉፍን ዘሎን ናይ ለውጢ ቃልሲታት ቀንዲ ሐይሊን ውዑይ ደምን ናይ ለውጢ ሞቶርን ኢዩ። እዚ ምንቅስቓ’ዚ ውልዕ ኢሉ ዝቅህም ከይኸውን ዝያዳ ከአ ደሚቑን ሐዪሉን መታን ክቕጽል፣ ውሕሉል ቀጻልነት ዘለዎ ውዳቤ፣ ምስትውዓልን ጥበብን ዝሐዘ፣ ቆራጽ አብ ነብሰ ምክልኻል ዝተሞርኮሰ ቃልሲ ከካይድ ይግብኦ። መንጸብረቕታ ናይዚ ከአ አብ ውሽጢ ኤርትራ ክሰልዂን ክአቱን፣ ሐፋሽ ህዝብና ከም ቀደሙ ተስፋኡ ተሐዲሱ፣ ናይ እንቢ አይንግዛእን አርማ አልዒሉ፣ ህዝባዊ ናዕቢ ዝገብረሉ ክውንነት ክፍጠር መታን፣ ናይ ኩሉ ሐቀኛ ደላይ ለውጢ ዝኾነ ኤርትራዊ ሐይልታት ዘተን ልዝብን ሕጂ ብአግኡ ክውደብን ክስራዕን ይግባእ። እዚ ናይ ኩሎም ደቂ ሃገር ዘተን ልዝብን’ዚ፣ ዕላምኡ ንኹሉ ጠሚሩን ጠርኒፉን፣ ንኤርትራ ሐራ ዘውጽእ፤ ንመንእሰያት፣ ደቂ አንስትዮ፣ ውድባት፣ ሰልፍታት፣ ምሁራት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ አገደስቲ ዝተባህሉ ዓበይቲ ዓዲ ኤርትራውያን ዝተሳተፍሉ ክኸውን’ሞ፣ ብውጽኢት ናይ ኩሎም ዘተን ልዝብን ከአ ሐደ መሰጋገሪ ሃገራዊ መሪሕነት ክምስረት መድረኹን እዋኑን ሕጂ ኢዩ። በዚ አገባብ’ዚ ብስሩዕን ጥርኑፍን ምስ እንገብሮ ከአ፣ አብ ዓለም ጥርኑፍ ድምጽና ክስማዕን፤ አብ ሕብረተሰብ ዓለም አቓልቦ ክረክብን፣ ብዝያዳ ከአ ዲፕሎማስያዊን ቁጠባውን ፖለቲካውን መኽሰባት ንኸነረጋግጽ የኽእለና። ነታ ጽባሕ እንምነያ ኤርትራ’ውን እንተኾነ፣ ሐድነት ህዝባን ምሉእ ሃገራዊ ልዑላውነታን ዘውሐሰት፣ ቅስንትን ድልድልትን ምዕብልትን ሐያል ደሞክራስያዊት ሃገር ንምህናጽ፣ መሰረታዊ መንቀሊን መንጸፍ ባይታ ንኽንፈጥር ይሕግዘና።ስለዚ እቲ እዋን ንጠቐመሉ፣ እቲ ዝተረጋገጸ ዓወት ብተግባራዊ ስራሕ ንደርዓዮ። ክሲን ጸረ ኽሲን ሕድሕድካ ሕሜታን ጸለመን ንመላኺ ስርዓት ዝያዳ ስለዘገግል የብቅዕ። በዚ አጋጣሚ ክብሎ ዝደሊ መላኺ ስርዓት ሽፍታ ህግደፍ፣ ኩሉ ሃብቲ ሃገር አብ ኢዱ ገቢቱ ስለዝሐዘ፣ ዘለዎ ጸንቂቑ ሰሊኾም ብምእታው ዝዋፈሩ ሃሱሳትን መረዝትን ብገንዘብ ዓዲጉ አብ ምውፋር ዋና ስለዝኾነ፣ ካብዚ ህግደፋዊ ሰልኲታት ንምድሐንን ምክልኻልን፣ ምስሉያት ተቓወምቲ መሰል ንምልላይን፣ ዓውደ ተቓውሞ ኤርትራ ሕድሕዱ ተአሳሲሩን ተወሃሂዱን ዝሰርሕ ጸጥታኡ ዝሕሉ፣ ሐያል ናይ ጸጥታዊን ስለያዊን ትካል ካብ ሕጂ ክህነጽን ክሕሰበሉን አለዎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *