ኤርትራዊ ለብም፣ አርሒቕካ ንጽባሕ ዝመጸካ አስተውዕል።ተስፋይ ተኽለ (ደበሳይ)10/23/2021

May be an image of 1 person and hair

አብ መንጎ እቲ ብአብይን ኢሳያስን ማእከሉ ዝገበረ፣ ዶብና ቀይሕ ባሕሪ ኢዩ ዝብሉ ናይ አምሐራ ተስፋሕፋሕቲ ሐይልታት ከአ ዝተጠርነፈ ግንባርን፣ ብህወሐት ዝምራሕ ክልላዊ መንግስትን ናይ ትግራይ ውግእ ሐይልታትን ዝካየድ ደማዊ ግጭት አብ ዝለዓለ ጥርዙ ምብጽሑ ዓለም ምሉእ ዝከታተሎ ዘሎ ኢዩ።
እቲ ንፖለቲካዊ መስመር ኢሳያስ ዝምእዘዝ፣ ብሽም ኤርትራ ከአ ዝደለዮን ፊን ዘበሎን ጉጅላዊ ውሳኔታት ብምሕላፍ አካል ውሽጣዊ ጎንጺታት ኢትዮጵያ ክኸውን ዝመረጸ፣ መንግስቲ ህግደፍ’ውን እንተኾነ፣ ናበይ ገጹ ከምዘንቆልቁል ወግሔ ጸብሔ ንዕዘቦ አለና። ክቡር ኤርትራዊ አስተብህል። እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍኤ እቲ ብስምካ ብስም ኤርትራዊ፣ ወራርን ግናይ ግፍዒን ዓመጻን ክፍጽም ምጽንሑን ክሳብ ሕጂ’ውን ምቕጻሉን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራን ደቁን ቀሲኑ መንብሮኡ ከይገብር፣ ንልዕሊ 20 ዓመታት “ዶብና ከይተሐንጸጸ” ብዝብል ምስምስ ምንቕ ወይ ፈልከት ከይብል ካብ ኩሉ ውራዩ ተአሲሩ፣ ወለዲ ጠዋሪ ዘይብሎም ዓዲታት መዓጹ አባይትኤን ተገፍቲኑ ተዓጽዩ፣ አፍራዪ ሐይሊ መንእሰይ ኤርትራ አብ ፈቐዶ በረኻ ድፋዕ ንከንቱ በልዩ ከብቅዕ፣ ድሒሩ መወዳእታ እንከ “ዶብ ዘይኮነስ ክንዮው ዶብ ክንሐስብ አለና” ዝብል ቁንቁኛ ዳግም ፈጢሩ፣ እቲ ዝርካቡ መንእሰይ ሐይሊ ኤርትራ ብህግደፍ እንዳተገፈ፣ አብ ዘይምልከቶ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ንከንቱ ክሃልቕን ክውዳእን ምፍራዱ ኢዩ።
እስከ እቲ ናይ ቀደም ብስም ጉልባብ “ባድመ” ዝተውልዔ ኲናት’ስ፣ ናይ ዶብ ተባሂሉ ምተሐልፈ። እቲ ናይ ሎሚ ንመላእ መሬት ትግራይ ሐሊፉ፣ አብ ግንባራት ወሎን ጎንደርን ኦሮሞን ዝሃልቕን ዝፈልስን ዝጓረትን ዘሎ’ኸ አብ ምንት ምንታይ ኮን ኢዩ? ኤርትራ ከም ሃገር ህዝቢ ኤርትራ’ውን ከም ህዝቢ እንታይ ረብሐን ጠቕሚን ኮን ኢዩ ዘለዎ? ንምዃኑ ዶባት ሰጊሩ ክሳብ መሬት ኦሮሞ ዘዋግእ እንታይ ሕጋዊ መንቀሊን ሞራላዊ መመኽነይታ’ኸ አለዎ? ምናልባት ነቲ ዘሰሐሕብ ዝነበረ ቦታ ሒዙ ምሉእ ሐይሉን ቁመናኡን ዓቂቡ ደው እንተዝብል ምኽኒት አለዎ ምተባህለ። ነዚ ኩሉ ሰጊሩ ክሳብ ዓለም ቀልጢፍካ ውጻእ፣ አብ ጉዳይ ኢትዮጵያውያን ጣልቃ ምእታው አቋርጾ ዝብል ኩነኔ ምብጻሑ ዘሕፍር ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ጽባሕ ንኩላትና ኤርትራውያን ከቢድ ዋጋ ዘኽፍል ምዃኑ ከሎ ጌና ክንግንዘቦ ዝግባእ ኢዩ።
ኢሳያስ እታ ንህዝቢ ኤርትራ አታሊሉ ዝተወጥሐ ኮረሻ ስልጣን ክምብል ከይትብሎ አመና ስለዝሰግኤ፣ ብዋጋ ሂወት ኤርትራውያን ዝተኸፍለ ክሳራ ሞትን ህልቀትን ይከፈል ንዕኡ ምንም ዘገድሶ አይኮነን። እቶም “ንሕና ንሱ” እንዳበሉ ከም ጣኦት ዘምልኽዎ ብድንቁርና ዝተሳዕሩ ተኸተልቱ’ውን መሳኺን ናይ ጽባሕ ሳዕቤን ምንም ዝርድኦም አይኮነን። ሰብ ብአተሐሳስባኡ ናብ እንስሳ ክልወጥ ከሎ ብሐቂ ዘስደምም ኢዩ። እቲ ዘሕዝንን ዝገርምን ግን ናይቶም ንለውጢን ፍትሕን እንቃለስ ኢና ዝብሉ አብዚ ብሩህ ዝኾነ ጉዳያት፣ ንጹርን ዝተወሃሃደን አርሒቑ ዝጠመተ መርገጽ ንምሐዝ ዓቕሚን ብቕዓትን ዝሐጽሮም ምዃኑ ኢዩ። እቲ ብዝያዳ ንኤርትራን ህዝባን አብ ከቢድ ሐደጋ ዘእተወ ቀዳማይ ተጠያቒ ስርዓት ሽፍታ ኢሳያስ እኳ እንተኾነ፣ እዚ አካላት’ዚ እውን እንተኾነ ንህልው ክውንነት መዚኑ ሐባራዊ መርገጽን ሚዛን ሒዙ ንህዝቡ ክጥርንፎን ክመርሖን ዘይምብቃዑ፣ በብእዋኑ ከአ ንህዝቢ መሪሕ ዝኾነ መግለጺ ሐሳብ ርእይቶን እንዳሃበ ናይ መሪሕ ተራ ዘይምጽዋቱ፣ ካብ ተጠያቕነት ዘምልጥ አይኮነን። ካልእስ ይትረፍ ከም ናይ ለውጢን ፍትሒን ሐይልታት መጠን አብ ሐደ ተጠርኒፉ ብምእካብ፣ ሃለዋቱን ሃለዋት ጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን ገምጊሙን መዚኑን ናይ ሐባር ማእከላዊ መርገጽ ክውንንን ክጭብጥን እኳ አይበቕዔን። ህዝቢ ተረዲኡ ንኽመዝን፣ ዝድገፍ ክድግፍ ንዝእረም ከአ ክእርም መታን፣ አብ ሕድሕዱ ዘሎ ፍልልያት አረአእያ’ውን ብንጹር ከቕርብ አይከአለን። አብዚ ዝካየድ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፣ ኢሳያስ ብዝተነጸረ መልክዑ ምስቶም ጸረ ኤርትራን ሃገራዊ ልዑላዊ ህልውናአን ብእዉጅ መርገጾም ዘነጸሩ ናይ አምሐራ ተስፋሕፋሕቲ ወጊኑ እንዳተዋግኤ ክነሱ፣ ንሱን መሐዙቱን ንኽስዕሩ፣ እቲ ንሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ እዉጅ መርገጽ ዘለዎ ህዝቢ ትግራይ ከአ ክሰዓር ዝጉስጉሱ ምህላዎም ብሐቂ ንአዳም ገረሞ ኢዩ ዘብል። ርግጽ አብ ሕሉፍ ነዊሕ መድረኻት ብፖለቲካዊ መራሕቲ ትግራይ ዝተፈጸመ ጉድለት ብምልዓል ነባር ፖለቲካዊ ቂምታ ተሰሚዕዎም ዝወጻሎም ዝመስሎም’ውን አለዉ። አብ ፖለቲካዊ ሂወት ግን ነባሪ ረብሐ’ምበር ነባሪ ጽልኢን ቂምን ዝብሃል አይሰርሕን ኢዩ። ነዊሕ ዘመናት ዝወሰደ ፖለቲካዊ ቂምን ጽልኢን ብዘይካ ዕንወት ዘረጋግጾ ጠቕሚ የብሉን። ከመይ ሃገራዊ ረብሐን ፖለቲካን ምስ መድረኻዊ ምዕባሌታት እንዳተመዓራረየ ዝኸይድ እምበር ቀዋሚ አይኮነን። ከምኡ እንተዝኸውን እሞ ናይ ትማሊ ጀርመንን ጃፓንን ቀንዲ መሐዙት ናይ ሎሚ አሜሪካ ፍጹም አይምኾናን። ስለዚ ታሪኻዊ ቂም እንዳጸብጸብካ፣ አብ ጎረቤትካ ዘሎ ተራ ሰላማዊ ህዝቢ ጅምላዊ ህልቀትን ግፍዒን ወረራን አብ ልዕሊ አብ ልዕሊኡ እንዳተፈጸመ፣ ዓገብ ንምባል ፍጹም ዝዓግት ምኽኒት የብልካን። ገለገለ እቲ ዘመኽንይዎ ሐንካስ ምኽኒት ወይ ጉልባብ’ውን አሎ። ንሱ ከአ “ንሕና ምስ ሰራዊትና ኢና” ዝብል ምስምስ ኢዩ። አቐዲሞም ክርድእዎ ዝግባእ ግን፣ ሐደ መንግስቲ ህልውንኡ ንምርግጋጽ ዘቑሞም ካብቶም ቀንዲ ትካላት 1) ንህዝቢን ሃገርን ዝከላኸል ሰራዊት 2) ፍትሒ ከይጓደል ዝቐውም አብያተ ፍርዲ 3) ብሕጊ ምርኩስ ብምግባር ዝተታሕዘን ብሕጊ ፍሩድ ዝኾነ ዜጋ ዝተሐዘሉ አብያተ ማእሰርቲ ኢዩ። እዚ ከአ በቲ ህዝቢ ናይታ ሃገር ብተወከልቱ ጌሩ ዘቖሞ ሃገራዊ ቅዋም (National Constitution) ተመስሪቱ ዝቐውም ህዝባዊን ሃገራዊን ትካላት ኢዩ። አብዚ ሐቂ’ዚ ምርኩስ ብምግባር ዝቐርብ አገዳሲ ሕቶ አሎ። ንሱ ከአ አብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ብዘቖሞ አብ ሃገራዊ ቅዋም ተሞርኲሱ ዝቖመ ትካል አሎ’ዶ ዝብል ሕቶ ኢዩ። እወ ክብሃል እንተኾይኑ፣ ብመሰረቱ ቅዋም ዘይብላ ሃገር ከመይ ጌራ ኢያ ንረብሐን ጠቕሚን ህዝባን ዝከላኸል ትካል አለዋ ክብሃል ዝከአል ዝብል ኢዩ መልሱ። ስለዚ እቲ ኩሉ ህግደፍ ዘቖሞን ንረብሐን ጠቕሚን ህግደፍ ዝከላኸል ናይ ሰራዊት፣ ፍርዲ፣ አብያተ ማእሰርቲ ትካላት፣ ናቱ ድአ’ምበር ናይ ህዝቢ ኤርትራ ትካላት አይኮነን። ስለዝኾነ ህሉው ሰራዊት ኤርትራ ውልቀ አባላቱ ከም ዜጋታት አካል ናይቲ ውጹዕ ሕብረተሰብ ኢዮም። ከም ትካል ግን ቃል ዓለም ዘይብሉ መሳርሒ ራዕድን ጭቆናን ግፍዒን ወረራን ናይቲ ስርዓት ኢዮም። አብዚ ንጹር ክኸውን ኢዩ ዝግባእ። ስለዚ እቶም ብስም “ሰራዊትና” ዝብል ዝሕብኡ ካልእ ቅቡል ምኽንያት እንተለዎም ድአ ቶግ የብልዎ’ምበር እዚ’ስ መረዳእታ ዝበቅዕ ትርጉም እኳ የብሉን።
ስለዚ ከም ኤርትራውያን ፍልልያትና አጽቢብና፣ እቲ ሎሚ ተጠርኒፍና ብሐደ ድምጺን ህርመትን ሐባራዊ ገምጋምን ሚዛንን ሒዝና እነቃልሖን እነንጸባርቖን መርገጽ ንጽባሕ ውሕስነትና ኢዩ። በብዘለኻዮ ተፈላሊኻ ነናትካ አጒዶ ክትሰርሕን፣ አብ ሕድሕድካ አእዳውካ ምቕሳርን ምክሳስን ግን፣ ንጸላእትና ዝያዳ ዘርብሕ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ንህላዌና ከም ሃገርን ህዝብን አብ ሐደጋ ዘሳጥሕ፣ ባይታ ከይተፈለጠና ከይነጣጥሕ አንዊሕና ብህድአት ከነስተውዕል ይግባእ። አብቲ ዝነበረ ናይ ዘበነ አርባዓታት ፖለቲካ ሃገርና፣ አቦታትና ዝተወሃሃደ ፖለቲካዊ መርገጽን ሐባራዊ ሚዛንን ከረጋግጹ ብዘይምኽአሎም ግዳይ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኮይኖም ምሉእ ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ አብ ምርግጋጽ ከሲሮም ኢዮም። ዳሕረዎት ከአ ነቲ ከቢድ ዕዳ ከፊልናዮ ኢና። ሎሚ ታሪኽ ርእሱ ይደግም ከይብሃል፣ ነስተውዕል ንደቅናን ደቂ ደቅናን ሰፍ ዘይብል ዕዳ ከይንሐድግ።
ኢሳያስ ናይ መወዳእታ ፈነወ ውድቀቱ ምዃኑ ነብሱ ነጊሩዎ ግዲ ኾይኑ፣ ሕጂ’ውን ንህዝብናን ደቁን አብ ዘይምልከቶም ናይ ህልቀት ውግእ ንምጥባስ፣ ብአዋጅ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ክተት ይብል አሎ። ንሕና እቶም ንህልውና ልዑላዊት ኤርትራን ህዝባን እንሐስብ፣ ነዚ አብ ዘይምልከቶ ውግእን ጥፍአትን ዘእቱ ናይ ክተት አዋጅ ክንቃወሞን፣ ኤርትራዊ ሰራዊት አብቲ ዘይምልከቶ ውግእ አትዩ ምህላቑን ምማቱን ባዕሉ’ውን ተቓውሞኡ ከስምዕን፣ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ስሒቡ፣ ናብ መሬት ኤርትራ ተመሊሱ አብ ዶባት ዓደቦኡ ክሰፍርን ዘየላቡ ድምጺ መቓልሕና ካብ ሕጂ ከነስምዕ ይግብአና።
አብ ዘይምልከቶ ውሽጣዊ ጎንጺታት ኢትዮጵያውያን አትዩ እንዳተዋግኤ ከሎ፣ ናይ ሐይሊ ምዝንባል ሚዛን ተረኺቡ እንዳደፍኦ ዝስዕቦ ሰዓሪ ሐይሊ ምስ ዝርከብ፣ ዶባት ኤርትራ ሰጢጡ ምስ ዝአቱ ጽባሕ ንግሆ ብሃታ ሃታ፣ ዶብና ኢዩ ደው በል ኢልካ ክትዓግቶ አዝዩ አሸጋሪ ክኸውን ኢዩ። ሎሚ ዶባት ዓዲ ሃገር ከም ድላዩ ጠሐሒሱ ግፍዒ ክሰርሕ ከሎ ዓገብ ደው በል ዘይበልካዮ፣ ነቶም ካብ መሬቶም አውጺኦም እንዳጓየዩዎ ዝመጹ ዶብና ኢዩ ደው ክትብሉ አለኩም ክትብል እውን ጽባሕ ሞራል የብልካን። ስለዚ ሕጂ’ውን ኤርትራዊ ሰራዊት መሬት ኢትዮጵያ ለቒቑ ናብ መሬቱ ይመለስ! ካብ ኩሉ ኩርናዓት ግዝአት ኢትዮጵያ ይውጻእ! አብ ዶባት ዓደቡኡ ይስፈር! ዝብል ድምጽና ነስምዕ። አብ መላእ ዓለም እትርከብ ተራ ዜጋ ኩን ኩሎም ናይ ተቓውሞ ውድባት፣ ናይ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት፣ ምሁራት፣ መራሕቲ ሃይማኖታዊን እምነትን ትካላት፣ ንድሕነት ኤርትራን ህዝባን ሐዲሽ ናይ ተበግሶ ጸዋዒት ክለዓልን ብሐዲሽ ናይ ምቅብባልን ምርድዳእን መንፈስ ክትንስእ እዋኑ ጽባሕ ዘይኮነ ሕጂ ኢዩ። ሃየ ነዛ ሃገር ብሕብረትናን፣ ብናይ ሐባር ዓው ዝበለ ጥርኑፍ ድምጽናን ንተንስእ ንለዓል ነድሕና።
እግዚአብሄር ንኤርትራን መላእ ህዝባን ይባርኽ!!
ሰላምን ቅሳነትን ናብ መላእ አህዛብ ዞባ ቀርኒ አፍሪቃ የውርድ!!!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *