
ክቡራንን ክቡራትን ሰማዕቲ ፡ ጽሕፍተይ ብሓደ ኣብዚ ክገልጾ ኣገዳሲ ዘይረኽቦ መኽንያት ስለዝተዓናቐፈት ኣብቲ ክትቀርበሉ ዝግበኣ ጊዜ ብገለ መዓልታት ድሒራ ትቐርብ እኒሃ ። ካብ ዘይተገመተ ዕንቅፋት ይሓልወና !!!
እቲ “ወዲ ገብሩ“ ብእትብል ሳጓ እትፍለጥ ውሩይን ተባዕን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ተዋዛያይ ድምጻዊ ተኽልኪኤል ገብሩ ብ1950 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ዓዱ ዕነ ናላይ ድንበዛን ሓማሴን ተወሊዱ ። ብ 24.08.2021 ዓ.ም.ፈ. ዓሪፉ። ብ 26.08.2021 ዓ.ም.ፈ. ብልምዲ ሃገርና መሰረት ከኣ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። በዚ ኣጋጣሚ እዚ ንኹሎም እቶም ብዛዕባ ዕረፍቱን ተመኩሮኡን በብዓቕሞም ሓበሬታን መግለጽን ዝሃቡ ወብሳይታት ንጉዳዩ ብዝምልከት ዝለዓለ ተገዳስነት ብምርኣዮም ልባዊ ምስጋናይ ኣቕርበሎም። ወዲ ገብሩ ምሳይ ዝነበሮ ናይ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ደርጃ ታሪኻዊ ኢዩ ክበሃል ይከኣል።
ክሳብ ሎሚ ሓቅነቱ ብዘየገድስ ብዝበዝሕ ነቲ ድሮ እትፈልጥዎ ሓበሬታታት ጥራሕ ኢኹም ከተኮማስዑ ጸኒሕኩም ። ሎሚ ግዳ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝስመዓኒ ካብቲ ሰሚዕኩሙዎ ዘይትፈልጡ ዛንታታት እውን ክጋብዘኩም ኣፍቅዱለይ። ብተወሳኺ ስነ-ስርዓት ማለት ዲሲፕሊን ብምኽባር ጽን ኢልኩም ክትሰምዑኒ ለበዋይ ኣቕርበልኩም። ንጉዳዩ ዝያዳ ንምብራህ ኣብ ተ.ሓ.ኤ ኣቦ መንበር ሳንሱር ተጋዳላይ ኢብራሂም ቶቲል ኢዩ ነይሩ ፡ ኣነ ከኣ ምክትሉ ። በዚ መኽንያት እዚ ወዲ ገብሩ ካብ ምስ ዝኾነ ካልእ ሰብ ምሳይ ዝነበሮ ርኽክብ ዝለዓለ ከምዝነበረ ኮይኑ እስመዓኒ ።
ሓደ ጊዜ ወዲ ገብሩ ንዓይ ሓንቲ ደስ እትብለኒ ግጥሚ ክጽሕፈሉ ሓቲቱኒ ። ኣነ ከኣ ንጠለቡ ብምኽባር „ደቂ ከባቢ“ ብእትብል ኣርእስቲ ፡ ሓንቲ ኣብ ጊዜ መግዛእቲ ጥልያን ነጊሱ ንዝነበረ ምዉቕ ሂወት እተዘኻኽር ግጥሚ ደሪሰሉ ። ፍቕድ ኣምላኽ ኮይኑ ግዳ ከምቲ ሃረርታኡ ዝነበረ ከይደረፋ ናይ መለኮታዊ ዕድመ መልእኽቲ ስለዝመጸቶ ካብ ምድራዊ ናብ ሰማያዊ ሂወት ተሰጋጊሩ። ንዓይነት ደርፍታቱ ብዝምልከት ወዲ ገብሩ ነቓፊ ፡ ኣራሚ ፡ መሃሪ ፡ ትሕዝቶ ዘለዎ ግጥምታት ናይ ምድራፍ ልምዲ ዝነበሮ ብተግባር ዘይንሱ መሲሉ ክቐርብ ዘይደሊ ብኣጠቓላሊ ኣበሃህላ ብዙሓት መሰልቲ ዘይብሉ ሓጸርቲ ግዳ ምቁራት ግጥምታት ናይ ምቕራብ ልምዲ ዝነበሮ ወረጃ ዓይነት ሰብ ኢዩ ነይሩ ።
ወዲ ገብሩ ምሳይ ዝነበሮ ናይ ምትሕግጋዝን ናይ ምክብባርን ደረጃ ታሪኻዊ ኢዩ ክበሃል ይከኣል። ነዚ ንምግላጽ ከኣ ንተደጋጋሚት (ኣዝማች) ናይ ገሊኣተን ኣብ ጊዜ ቃልሲ እተደርሳ ግጥምታተይ አቕርብ ።
ኣብ ጣውላ ቤት ሻሂ ፡ ምስ ወረደት በራድ ፣
ሰውራዊ ኣይኮነን ፡ ተጋደልቲ ምፍራድ ፣
—————————————- ኣብ ጣውላ ቤት መስተ ፡ ምስ ወረደ ቢራ ፣
ሰውራዊ ኣይኮነን ፡ ምክታዕ ብሰውራ ፣
————————————— ንመሰል ኤርትራ ፡ ኣብ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ፣
ክንሕልዎ ኢና ፡ ዋላ‘ውን ብበትሪ ፣
————————————– ካብቲ ንንጹር ፖሊቲካዊ እምነቱን መርገጹን ኲልዕ ኣቢሉ ዘርኢ ባዕሉ ዝመሃዞብኣማእት ዝቚጸር ደርፍታት ሓንቲ ከኣ እታ ፣ ኣንቲ ሰማያዊት በረኻ ሰፊርኪ ከም ኣራዊት እትብልን ካልኦት ብኣጸሓሕፋኤን ዝመሳሰላን ግጥምታት ኣቕሪቡ ። ወዲ ገብሩ ኣዚዩ ሓቦኛ ሰብ እውን ኢዩ ነይሩ ። ብ1975 ዓ.ም.ፈ. ኣነን ንሱን በሃር በረኸት መንግስተኣብን ወዘተ . . . ኣብ ሜዳ ቃልሲ ሓደስቲ ኣብ ዝነበርናሉ ጊዜ ጀብሃ ናይ ስድራ ቤት ጸገም ንዘለዎ ተጋዳላይ ወርሓዊ ሓገዝ ገንዘብ ክትህብ ወሲና ስለ ዘላ ሓገዝ የድልየኒ ኢዩ ዝብል ተጋዳላይ ኦርኔክ ይምላእ ዝብል ዘይተጸበናዮ ሓበሬታ ተዋህበና ። ኣነን ንሱ ብዛዕባ መነባብሮ ስድራ ቤትና ብዘይ ሕብእብእ ነዋግዕ ስለ ዝነበርና ኣነ ብዛዕባ መነባብሮ ስድራ ቤቱ እኹል ኣፍልጦ ኢዩ ነይሩኒ ። ንሱ ከኣ ብዛዕባይ ኮምኡ ። ስለዚ ብዛዕባ ናይ ኦርኔክ ምምላእ ጒዳይ ሓተትኩዎ። ንሱ ግዳ ብሓቦ „ደሓን“ ኣነስ ጸገመይ ዓቕመይ ኢዩ ። ስለዚ ነተን ንዓይ ዝግበኣ ገንዘብ ካባይ ንላዕሊ ጸገም ንዘለዎ ተጋዳላይ እንተሃብክሙወን ዝሓሸ ይመስለኒ ብምባል ኦርኔክ ካብ ምምላእ ተቘጠበ ። እወ ፣ ብዛዕባ ፍልዩነት ወዲ ገብሩ ብዙሕ ኢየ ከዘንቱ ዝኽእል ። ንሎሚ ግዳ ኣብዚ ይኣኽለና ይመስለኒ ።
ኣብ መደምደምታ ጽሕፍተይ ብስም ኲልና ኣብ ሜዳ መቃልስቱ ዝነበርና ናይ ሃገራዊት ክፍሊ ምንቕቓሕ ትያትርን ሙዚቃን ኣባላት ነበር ንስድራ ቤት ነፍሰሄር ተኽልንኬል ገብሩ ናይ መሪር ሓዘንኩም ተኻፋልነትና እገልጽ ።
By Negusse Haile ( መንሰዓይ)