
1, 600 ተገፊፎም ንሳዋ ወሪዶም ኣለዉ፡ ኩነታት ኤርትራ ናበይ ገጹ እዩ? ናብ ኩሉ ክበጽሕ share share ንግበሮ።
1, 600 መንእሰያት ተገፊፎም ናብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ከምዝወረዱ ተረጋጊጹ ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ፡ ሓዲሽ ሰራዊት ከቑውም ዝሓንጸጾ መደብ ቐዳማይ ገጹ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ግፋ ብሰፊሑ ከምዝቕጽል ተፈሊጡ ስለዘሎ ድማ እቲ ቑጽሪ ክውስኽ ከምዝኽእል ይሕብሩ ምንጭታትና።
1. ምግፋፍ፡ ካብ 21 � 27/ መጋቢት/ 2021 / ካብ (3) ከተማታት ጥራይ 1, 600 መንእሰያት ከምዝተገፈፉ ተረጋጊጹ፡
- እቲ ዝተኻየደ ግፋ፡ ካብ ጎደናታት ይኹን ብጥቖማ ገዛ ገዛ እናኣተዉ ከምዝወሰዱዎም ብዙሕ ሰብ ብዓይኑ ዝተዓዘቦ ሓቒ እዩ።ተገፊፎም፡ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ፡ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማይ ተመናይ፡ኣብ ቤት ማእሰርቲ፡ማይ ጭሮት፡ኣብ ቤት ማእሰርቲ በደበራት ፖሊስ ወዘተ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ሳዋ ወሪዶም ከምዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ።
- ፖሊስ ካብ ሰራዊት ኮብሊሉ ዝተታሕዘ፡ ወይ ዝተገፈፉ ተቐቢሉ ድማ፡ ብይጽንሓለይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብ 72 – ሰዓታት ንላዕሊ ከጽንሖም ዘገድዶ መምርሕን ብቕዓትን የብሉን። ስለዚ ፖሊስ ዘለዎ ድሩት ስልጣን ተጠቒሙ ነቶም እሱራት በታ ሽፍንቲ ማኪና ገይሮም ናብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ እዩ ዘሰጋግሮም።
- መጀር እስቲፋኖስ ገብረኣብ (ወዲ ገብረኣብ) ኣብ ዓዲ ኣበይቶ ከይዱ ንጉዳይ እሱራት ኣጻርዩ ድማ መን ናበይ ከምዝኸይድ ዝውስንን ዘወሃህድን እዩ። ስለዚ ካብቶም እሱራት ካብ ሰራዊት ዝኾብለሉ እንተኾይኖም ናብ ኣሃዱኦም ከምርከቡ ይገብር። እቶም ዝተገፈፉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይፈጸሙ ኣንተኾይኖም ግና ብቐጥታ ንመደበር ታዕሊም ሳዋ ክወርዱ የወሃህድ።
- መጀር እስቲፋኖስ ቕድም ኣባል ክፍለ ሰራዊት 21 – ነይሩ። ሕጂ ግና ኣብ ሓይሊ ዕማም ክተት ኣብ ክፍሊ ምጽራይ ተመዲቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ይፈለጥ። ቐጥታዊ ርክቡን ተሓታትነቱን ድማ ንብሪጋደር ጀነራል ኣብራሃ ካሳ ንሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት እዩ።
መደምደምታ፡ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኩናት፡ ንሰራዊት ኤርትራ ኣሳቲፉ ብዙሓት ዜጋታትና ከምዘጥፍኤ ዓለምና ዘረጋገጾ፡ ብዙሕ መርትዖ እዉን ከምዘለዎ ዘይከሓድ ሓቒ እዩ። ህግደፍ ሓዲሽ ሰራዊት ከቑዉም ዝድለየሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? ኢልና ክንሓስብ ዘገድደና ይመስል። ምኽንያቱ ዘይተገልጸ ሚስጥራዊ መደብን ወትሃደራዊ እስትራተጅን ከምዘለዎ ንምግማት ዝሕብር ምልክት ንዕዘብ ስለዘለና። ስለዚ ኩነታት ኤርትራ ናበይ ከምርሕ እዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒልና ድማ ኣቐዲምና ብዕምቖት ክንከታተሎ፡ ብማዕሪ ድማ ብግቡእ ክንዳለወሉ ሃገራዊ ግዴታ ከምዘለና ከነዘኻኽር ኣገዳሲ ይመስለና። ብዛዕባ ብዝተፈላለየ ምክንያት ብናይ ውልቆም ጉዳይ ትምህርቲ ኣቃሪጾም ዝጸንሑ ትሕትቲ ዕድመ ተገፊፎም ናብ ሳዋ ወሪዶም ስለ ዘሎዉ ኣጻሪና ብፍሉይ ከነቃልዖ ምካና ኣቀዲምና ንሕብር።ክፍሊ ዜና፡ምንቅስቃስ መን እሰያት ኤርትራ ንደሞክራሲ/ንሓርነት
30/መጋቢት/2021