
መእትዊ: ናይ ኤርትራ ሰውራ ንናይ ኢትዮጵያ መግዛእቲ ብድሆታት በይኑ ጥራይ ከይኮነስ ነቲ ምትሕግጋዝ ናይ ዓለም ለኻዊ ሓይሊታት ድልየትን ጥቅምን አብ ቐይሕ ባሕሪ ዲጋ ብድሆታት ንምፍሻል ዘይ ሕለል ቃልሲ አካይዱ እዩ። ነቲ ሽርክነቶም ምስ ንጉስ ሃይለስላሴ ኮይኖም ናይ ምስፍሕፋሕ ባህጊ እውን አፍሸልዎ እዩ። ኣንጻር እቲ ጦር ሰራዊት ህዝብና ብትብዓትን ብቖራጽነቱን ተኣምሩን ቀዋሚ ኮይኑ ንስውራ ኤርትራ ብወትሃድርነት ሓይሊ ንምድምሳሱን ምጥፋኡን ካብ ሕቶ ንላዕሊ ወጻኢ ምኽዋኑ ህዝብና አረጋጊጹ።ውላ ብቲ ን ንጉስ ሃይለስላሰን ደርጊን ዝዋሃብ ዝነብረ ናይ ወትሃድርነት አጽዋርን ተዕሊምን ፤ አብ ዝላዕሊ ደርጃ ናይ ፖለቲካውን ፋይናንስን ሓገዛት እና ሃቡ አብ ሱሳታት ዘካየድዎ ዓማጽን ጨፍላቃን ንህዝብና ካብ ቃልሱ ክንጽል አይኮነሎምን። ንጉስ ሃይለስላሴ ምዕራባውያን ተሻረኽቱን ንናይ ሓድነትናን ምትእኽኻብ ህዝብና ናይ ነጻነት ጭርሖ አልዒሉ ይቃለስ ስለ ዝነብረ፣ ንህዝብና ምጥፋእ ብዙሕ ሜላታት ተጠቂሞም ንምጥፋኡ ዘይገበርዎ የለን ። ተፈንጨልቲ ቅርሕንቲ ዘልዎም አካላት ፈጢሮም ንምድምሳስ ሰውራና ብዙሕ ፈተነ አካይዶም ግን ክዕወቱ አይካአሉን። እቲ ፕሮጀክትን መትከላትን (ንሕናን ዓላማና) ሓደ ካብቲ ናይ ቶንኮል ጭብጢ እዩ ነሩ። እዚ ዓብላሊ ጉጅለ ምእንቲ ዕላማኡ አብ ግብሪ ንምውዓል አብ ውሽጢ ስውራ ኤርትራ ዝንብረ ዘይምርድዳእ ተጠቂሙ አብ ግዕዞ ቲ ሰውራ መንግዲ ብልሽውና ሒዙ ምስ ኤርትራዊ ዘይኮነ ሓይሊ ክዳን ገሩ ናይ ሕድሕድ ሃግራዊ ግጭት ስጉምቲ ወሲዱ። እቲ ዕላማ ሃገራዊ ሓድንት ህዝብና ብተሓኤ ዝተመስረተ ንምጥፋእ እዩ።ማለት ሰውራ ኤርትራ ካብ ናይቲ ሃገራዊ ትሕዝቶኡን ቃልሱን አፍሪሱ ንህዝቢ ምጥፋእ ነሩ። አብቲ ማኣኸል ናይቲ ጅዮ ፖልቲካዊ ለውጢታት ዝነበረ አብቲ ግዜ ማልት ዝሑል ውግእ ናይ ዓለም ዝባሃል ዝነበረ ዝተበገሰ ነቲ በዓለም ለኻዊ ሓገዝ ዝነብሮ ጽለኢ ናይ ሰውራና ሃገራዊ ዕላማን ድልየት ህዝብና ንሓርነቱን ናጻነቱን ንኸይ ዕወት ወተሃደራዊ ሓይሊ ተጥቂሞም ንስውራና ካብ ዕላማኡ ንምኹላፍ ስጉምቲ ወሲዶም፡ ንቲ ዓብላሊ ጉጅለ መንገዲ ጽሪጎም ናይ ንነሕድ ውግእ ፈጢሮም፡ አብቲ ናይ ኤርትራውያን ውሳንን ድልይትን ኢድ ምእታው ገሮም ንቲ ዓባልሊን ነጻጊ ጉጅለ ሓገዝዎ።ሕዝብና ካብ ቃልሱ ነቕ ከይበለ መስዋእቲ ከፊሉ፡ ነቲ ተንኮለኛ ተግባራቶም ገጢሙ ኤርትራ ብ24.ግንቦት 1991 ዓ.ም.ጥቅምት ሓራ ወጺኣ፡ግን ነዚ ጉጅለ ጥፈኣት አብ ስልጣን ክምጽእ ገሩም፡ ህዝብና ከይቀስንን ጻማ ቃልሱ ከይረኸበ ክሳብ ሎሚ ኣብ ትሕቲ እዚ ዓብላሊ ጉጅለ ግደ ስቃይን ስደትን ኮይኑ ይርከብ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉን ንናጽነት ኢሉ ብረታዊ ቃልሲ ብመረሕነት ሰውእ መራሒን ፈላሚ ሰውራን (ሐምድ እድሪስ ዓዋተ) ምስ ብጾቱ ብመዃን ዝተበገሰ ቃልሲ ንሐቀኛ ሕቶ ህዝብና ንናጽነቱ ንምርግጋጽ እዩ። ኩቡር ዝኾነ መስዋእቲ ንምኸፈል ዝተወጠነን ዝተጀመረን እዩ ነሩ፤ ከም ዝፍለጥ ህዝብና ናብ ዝመረጾ መትከልን ጠለብን ሒዝካ ብመረሕነት ምጓዓዥ አዝዩ ከቢድን መረርን ቃልሲ ምዃኑ ፈልጦም ንምስጓም ሰራዊት ሓርነት መስሪቶም እዚ ዘይባሃል ጅግንነትን ጽንዓትን ሓቦ ገሮም ምስቲ ዝነበረ ዋሕዲ ተጋደልቲ ፈጺሙ ከይታዳህለ ነቲ ሰውራ መሪሖም አብቲ ዘድሊ ሽቶ ክበጽሕ መሪሖሞ። እዚ ኸአ አብ ታሪኻዊ መዝገብ ተመዝጊቡ ይርከብ። ህዝብና አብ ጎኒ ጀጋኑ ደቁ ጠጠው ኢሉ አብቲ መሪርን ነዊሕን ዝኾነ ቃልሲ ብምክፋል እጃሙ አበርኪቱ።ህዝባዊ ክብሪን መሰላትን ዘለዋ ሃገር ንኸትህልዎም ሕልሚ ነይሩዎም ነዚ ክብርታትን መሰልን ክብል ቃልሱ ክሳብ ናጻነት ዝጓናጸፍ ቀጸለ።እዚ ሕልሚን ትምኒትን ንምትግባር እዩ፡ ሰውራ ኤርትራ አብ ባሕቲ መስከረም ብዕሊ ዝተበገሰ።እቲ ሰውራ ድማ ብመሪሐነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እዩ ዝፈለመ። እቲ ሰውራዊ ቃልሲ ናይ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ድማ፡ ብመሪሐነት ሰውእ እድሪስ መሐመድ አደም እዩ ዝተጀመረ፤ በዚ እዩ ድማ መንእሰያት ኤርትራ ናይ ህዝቦም ሕቶን ጠለብን አብ ሸትኡ ክበጸሕ ናብ ሜዳ ንምቅላስ ዝወሓዙ።አብ ትሕቲ ጸሐይን ቁርን ኣሳሐይታን ንመስልን ንናጽነትን ቃልሲ ዘካየዱ።ደቂ ኤርትራ ድማ ብሐባር ብሙዃን ሰውራዊ ብድሆታት ንምምካት ዓቢ እጃም ኣበርከቱ። እቲ ብኢትዮጵያ ተመንዚዑን አብ መግዛእቲ ዝወደቐ ህዝቢ ሐራ ንምውጻእን ሰብአዊ መሰል ንምኸባር ዘይሕለል ቃልሲ እዩ ዘካየደ። ነዚ መትከል ብምሐዝ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዝርብብ መሬታት ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ቀጸለ። ነዚ ኹሉ መበገሲ ድማ ከምቲ ዝተገለጸ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነትን ፍትሐን ስለ ዝኸነ እዩ ብረታዊ ቃልሱ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ናይ ኤርትራ ዝቐጸለ። ነዚ መትከል ብምሐዝ እዩ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝነበረ ሰውራዊ ውዕውዕታ ምስ ውድብ 3 ፖሎቲካዊ ፕሮግራም ተጋድሎ ኤርትራ 10ይ ሃገራዊ ጎባኤ 2019 ዓ.ም ተጸንቢሩ ከምኡ ውን ምስቲ ዝነበሮ ናይ ናጽነት ሃንቀውታ ነቲ ቃልሲ ብመስዋእቲን ብተባዕነትን ሐቢሩ ነቲ ብረታዊ ቃልሲ ንኸቕጽል ዓቢ እጃም አበርኪቱን ደም አፍሲሱሉን። ከም ዝፍለጥ ሰውራ ኤርትራ ብዙሕ ዲሲፕሊን ዝነበሮ ሰውራ ነበር፤ ተጋድልቲን ህዝቢን ድማ ሐደ ኢድ ብሙዃን እቲ ቃልሲ ዕውት ክኸውን ዝተገብረ፤ነዚ እዩ ድማ ሰውራ ምስ ብዙሕ ጽንኩር ኩነታት ከይተዳህለት ናብታ ዝብህጋ ናጽነት ፍትሒን ንምርካብ ቃልሲ ብትብዓት ዘካይደት። በቲ ዝነበረ መግዛእቲን ባርዕ ሰውራን ድማ ህዝብና አደዳ ስደትን ዕርቃንን ጥምየትን ዝኾነ ነቲ ዝደልዮ ፍተሒ ክብል ድማ እዩ እቲ መሪር ቃልሲ ዝቐጸሎን ደም ዝኸፈለን፡፡ ነቲ ዝነበረ መሪርን ከበድን ዝኾነ ሂይወት ህዝብና ዘሕልፎ ዝነበረ ሰብኣውነቱ ዝተጋህሰሉን ንኹሉ አመልኪቱ ፍረ ጻምኡ፡ ወይ ካአ እቲ ዝግባእ ካሕሳ ዘይረኸበ ህዝቢ ኤርትራ፡ አዝዩ አብ ግምት ዝተቐመጠ ኩነታት ህዝብና እዚ ኹሉ ምኸንያት አደዳ ጥምየትን ጸቦባን ዝኾነ አይግዛእን ስለ ዝበለ እዩ። እዚ ዘሎ ስርዓት ድማ ነዚ ኩነታት ከይተገደሰሉ ንህዝብና አብ ዝገዳደ ጻዕቂ ሂይወት አእትይዎ ይርከብ። አብቲ ግዕዞ ቃልስና ንነጻነት መንገዲ ረኺብካ ንቶም ዝተፈናቅሉ ከሒስካ ናብ ቦቶኦምን ገጠራቶም ምምላስ ንታሪኻዊን ሕጋዊን ዝኾነ መሰላቶም ተሓሪሞም፡ አብ ቅድሞም ብዙሕ ዕንቅፋት ፈጢርካ ናብ ሃገሮም ንኸይምለሱ፡ክም ሰድታኛ ኮይኖም ክነብሩ ዝገደድ ጸባብን ጨቆናን ፈጢሮምሎም፤ከም አብነት ንምጥቃስ ህዝብና አብ ፎቐዶ መዕቆብ ስደተኛታት (አብ ሱዳን) አብ (የመን) አብ ጅቡቲ) ዝርከብ ከርተት ኢሎም ይነብሩ ከም ዝለዎ ክም አብነት ምጥቃስ ይካአል፡፡ እዚ ድማ ናይዚ ዘሎ መላኺ ስርዓት አካይዳን ስርዓተ ህልቀት ሙዃኑ ብሙሉእ አራኣእያ ዝምዘን ጉዑዙይ ስርዓት እዩ፤ እዚ ጨፍላቂ ስርዓት ድማ ካብ ቀደም አትሒዙ ዝመሃዞ አካይዳ ስቓይ ህዝቢ ሙዃኑ ብጋህዲ ዝፍለጥ እዩ፡፡ እዚ ስርዓት በቲ ዝሐዞ ዕላማ ንህዝቢ ጸቒጥካን ግፍዒ አውሪድካ እና ኣሳቐኻን አብ ስልጣን ኮይንካ ንህዝቢ ምንምጥፋእ እዩ ፤ ሐላፍነት ዘይስመዖ ስርዓት ስለ ዝኾነ ድማ ክሳብ ሕጂ እቲ መርገጹ ይቕጽሎ አሎ፡፡ እዚ ከይኣክል ድማ ስርዓት መንግስቲ ብዓሌትን ብቀቢላን ንህዝበና አብ ጸበባ አእትይዎ ይርከብ ። ደም ውጹዓት ከም ዋዛ ዝፈሰሉ ከም ዝኾነ ድማ ፍሉጥ እዩ። ውጹዓት ኤርትራውያን አብ ዘየድሊ ኪናትን አብ ዘይፈልጥዎ ናይ ፖለቲካ ውንጀል ጌርካ ተሰዊኦም እዮም፡፡ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቀደም ፍትሒን ናጽነትን ከም ዝኾነ ዘይርዳእ ስርዓት ድማ ነቲ ጨቖናን ወጸዓን ብዘይምቁራጽ ይቕጽሎ አሎ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ሐደ ኢድ ኮይኑ ንኸይነብር አብ ምንጎ ህዝቢ ንሐድሕድ ከይሰማማዕ ብዙሕ ሸርሕታት ብምግባር ንህዝቢ በታቲኑ ይርኮብ፡፡ብፍለይ ድማ ስርዓት ኣልቦ አባላት ጸጥታ ፈጢርካ ህዝቢ ተፈላልዩ ክነብር ብዝተወጠነ ሜላታት ተጠቒሙ፡ ህዝቢ ብኹሉ ነገር ከይተአማመንን ብሐሳብን ርኢቶን ካብ ንሕድሕድ ክርሐሐቕ ንምግባር ብዙሐት አባላት አዋፊሩ፤ ንአብነት ሰብ ካብ ዝነብራሉ ቦታ ናብ ዘይደልዮ ቦታ አገዲዲካ ምውሳድ ከም ኡውን ብምግፋዕ ኣገዲድካ ናብ ስደትን ክጓዓዙ ዝተገበረ ህዝቢ አብ ዓለምና ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ እዩ፡፡ እንተ ደአ ንሕና አብ ቅዲሚ ህዝቢ አለና፡ማለት አብዛ ታሪኻዊት መሬት ዘሎ ሃገራዊ ካሊእ ጓና አእትዩ መሬት ዝዕድል ነዞም ካብ የሕዋቶምን ስድራ ቤቶምን ዝተገለሉ ውጹዓት ካብ ስደት ናብ ስደት ከርተት ዝብሉ አብ ደገን አብ ሃገርን ዝርከቡ ውጹዓት ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝወርዶ ዘሎ ሽግራት ከም ምኽንያት ተጠቂሙ ናይ ሕድሕድ ውግእ እንተ ደኣ ተጀሚሩ፡ ኩሉ ጠፊኡ ዝረኤ ሰብ ውን አይክተርፍን እዩ፡፡ ስለዚ ድማ ኩሎም ተቓለስቲ ነዚ ጉዳይ ብጥንቓቕ ክሪእይዎ ይግባእ፤ ምኽንያቱ ብዙሕ ሸርሕታትን አፉላላይን ስለ ዘሎ፡ ቃልሲ ህዝብና አብ ሐደጋ ከይወድቕ ምንጥቃቕ አድላይ እዩ። ስለዚ እጃም ናይ ተጋድሎ ሐድነት ኤርትራ ድማ ህዝብና ናብ ዓዘቕቲ ንኸይአትው ንዲሞክራስን ፍትሕን ጠጠው ኢሉ ይቃለስ አሎ፡፡ ካብ ዘገርም እዚ ቃልሲ ዕለምኡ ህዝብና ካብቶም አዝዮም ውጹዓት ዝባሃሉ አብ ታሪኽ ስደት አብ ዓለምና ቀዳማይ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ዝነብሩሉ መዕቆብ ስደተኛታት ብተገዳስነት ብዕዙዝ ሐላፍነትን ክስራሐሉ ይግባእ፡፡ከም አብነት ንፍትሒ ህዝቢ ኢሎም ዝቃለሱ፡ ጀጋኑ ኩሉ ከም ዝፈልጦ ምብዛሕቲኦም በዚ ስርዓት ተዓፈኖም ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ንፍትሒ ዝቃለሱ ቁጽሮም አዝዩ ብዙሕ ከም ዝኾነ ማንም ዝፈልጦ እዩ፡ እዚ አብ ሃገርና ውልቀ መላኺ ስርዓት አዝዩ ዘስካሕክሕ ጨቖናን አፉላላይ ዓሌትን ሃይማኖትን ተጠቂሙ። ነዚ ስርዓት አሊኻ ዲሞክራስን ፍትሕን ንምርካብ አብ ቃልሲ ዝርከብ ዘሎ ውድብ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ አብ ግምት ብምግባር ንባዓል ሐቂ(ሃገራዊ) ውጹዕ ህዝቢ ሰላም ምሃብ ካብቲ አገዳሲ ነጥቢ ዝኾነ ቃልስና እዩ፡፡ እዚ እከይ ተግባር ስርዓት ኣብ ሃገርና ዝገብሮ ዘሎ ህዝብና ካብ ዝነብሩሉ አገዲድካ ምውሰድ፣መሬቶምን ገዛውቶምን ምምንዛዕ፣ መሰሎም ምግሃስ ሕጋዊ ዘይኾነ ሐይሊ ተጠቂምካ ንህዝቢ ምውጻዕ፣ ዝአመሰሉ ኩሉ ንህዝቢና ብፍልሰፍና ሃይማኖትን አብ ምንጎ ህዝብታትና ሰላም ንኾይህሉ ዝጽዕርን ዝገብርን ዘሎ መልካዊ ስርዓት ንምእላይ ሐደ መፍትሒኡ ድማ ፖለቲካን አብ ሐቂ ዝተምርኮሰ ቃልሲ መስሪትና ናይ ምቅላስ ጉቡእና ዕለማናን ምግባር እዩ ። እዞም ናይዚ ስርዓት መራሕትን ሰዓብቲን ድማ ናይ ህዝብና መሰልን ፍትሕን ናጽነት ወላ ቅጭጭ ዘይብሎም ስለ ዘይኮኑ እቲ እከይ ተግባሮም ስጋብ እዛ ስዓት እዚኣ ይቕጽልዎ አለው ። ንህዝቢ ናጻ ንምውጻእ ኢሉ ዝቃለስ ሃገራዊ ምዕፉን፣ ምእሳር፣ ምቕታል፣ ምስቓይ ኮነ ኢሎም ዝገብሩም ዘለው አካይዳ 4 ፖሎቲካዊ ፕሮግራም ተጋድሎ ኤርትራ 10ይ ሃገራዊ ጎባኤ 2019 ዓ.ም ስለ ዝኾነ ነዞም ገበነኛታት መራሕቲን ሰዓብቶምን ንምእላይ ተሪር ቃልሲ ምክያድ አድላይ እዩ፡፡ እዞም ሰባት መሰላት ህዝብና አብ ሐደጋ ክወድቕ ዓቢ እጃም ዘለዎም እዩም፡፡ ነዚ እዩ ድማ ቃልሲ ታጋድሎ ሐርነት ኤርትራ አብ ኩሉ ኩርናዓት ደው ክብል አንጻር እዚ ግፍዔኛ ስርዓት ንፍትሒን ዲሞክራሲን ናይ ህዝቢ መሰል ብሐደ ብዘይ አፉላለይ፡ ህዝብና እቲ ዘድልዮ ፍትሒ ንምርካብ ካብቲ ፋሽሽታዊ ስርዓት ጃንዳ ህግደፍ፡ካብ ባርነት ናብ ፍትሒ ዘለዎ ሃገራዊ ናጽነት ዝመረር ቃልሱ ዘካይድ ዘሎ፡፡ ከም ዝፈለጥ ዕለማን አካይዳን ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ማለት፡እዛ ውድብ ፈለሚት ሰውራ ኤርትራ ከም ሙዃና መጠን፡ ነዚ ዓስራይ ህዝባዊ ጎባኤ ከተካይድ ዝኻአለት ድማ፡ ብቕዓትን ተሞክሮን ብዝሐዘለ ፖለቲካዊ ንጥፋት አበይ ከም ዘሎን ከም ዝበጸሐን ንምዝታይን ንምርድዳእን ዝተገብር ፓለቲካዊ ምንቅስቓስ ቃልስና፡አብ መሬት ኤርትራ ከመይ ከም ዘሎ ዘርእዩ ዝርዝራት ንምፍለጥ ዝተገብረ ጎባኤ እዩ። እዚ ድማ ዴሞክራስን ፍትሕን አብ ሃገርና ንኽሰፍን በማለት ናይ ህዝብና ሐይሊን ናይ ቃልስና ዓቕሚ አበየናይ ደረጃ ከም ዘሎ ዘፍልጥ አጀንዳ ዝሐዘ አኼባ ብምግባር እዩ፡- እቲ ጎባኤ ድማ ብቐንዲ ዝተተሐዘን ዘተ ዝተገበረሉን ዋና አጀንዳ ናይ ህዝብና ፍትሐዊ ናጽነትን ሰላምን ንምሰፋን ዝብል ቀንዲ ነጥብታት እዩ። ሐድነት ህዝቢ ኤርትራ ምስዚ ቃልሲ ብሐደ ዝኾይድ አጀንዳ እዩ። ኤርትራውያን አብዚ ሕጂ እዋን መሰሎም አጸቢቖም ዝፈለጡሉ እዋን እዮም ዘለው ፤ በዚ ድማ አንጻር ነዚ ዘሎ ስርዓት ምቅዎም ጥራይ ዘይኮነ እቲ ቃልሲ፡ ካብ ሃገርና ውሽጢ ክሳብ አብ ደገ ዘሎ ኾንካ ብሐደ ቅልጽም ነዚ አንጻር ህዝቢ ዝኾነ ስርዓት ንምእላይ እቲ ቀንዲ መፍትሒ ብረታዊን ፖለቲካዊን ጎኒ ንጎኒ ኾይኑ ምስ ዝቕጽል እዩ ። እዞም ጭፍራ መራሕትን ሰዓብቶምን ንፍትሕን ፍርዲን ንኽቐርቡን ውሳነ ህዝብና ብሕታዊ መዳያት ንኽውዳእ ዓቢ ተራ ዘለዎ ቃልሲ ምክያድ አገዳሲ ስለ ዝኾነ ህዝብና ካብ ተበታቲኑሉ ዝርከብ ኩሉ ኤርትራዊ ዝምለሰሉ መድረኻት ንምዕርራይ መሪር ቃልሲ ዝካየደሉ አብነታዊ ዝኾነ ቃልሲ እዩ፡፡ አብዚ ከም ንግንዘቦ ድማ እዚ ዕለማ ቃልሲ ተጋድሎ ሓርነት ናይ ህዝብና ቃልሲ ነዚ ዘሎ ስርዓት ብምቅዎምን አንጻሪ ገዛኢ ስርዓት ምቅላስ ዝብል አጀንዳ ዝሐዘ ቃልሲ ስለ ዝኾነ ሕዝቢ ምስ ህዝቢ ተራኺቡ ዝዛተየሉን እህን ምህን ዝብለሉ፤ ነቲ ቃልሲ ብዕሊ ዘካይደሉን ዕድል ኮነ ካብ ናይ ቃልሲ ምኽፋትን ጥጡሕ ዝኾነ መድረኽ ምኽፋት አገዳሲ እዩ። ህዝብና ካብዚ ዝካየድ ዘሎ ስቓይ ከመይ ጌርካ ምውጻእ ከም ዝካአል ናይዚ ጎባኤ ዕለማን ፕሮግራምን ብሕታዊ መንገዲ አብ ግምት ብምእታው ምስ ዝምልከቶም ተቓለስትን ዕዙዝ ዝኾነ ርክብን ጽዑቕ ዝኾነ ዘተ ብምግባር ዕላማታት ኩሎም ተቓለስቲ ብሐደ ኢድን ቅልጽምን ተጌሩ ቃልስና ናብ ዝደልዮ ዓወት ንምብጻሕ ፤ ብዙሕ ስራሕ እንተዳአ ተኻይዱ እዚ ዘሎ ስርዓት ንምድምሳስ ኮነ ካብ ሱሩ ንምእላይ እንተደኦ ኾይኑ ኩለን ሐይልታን ተንቀሳቐስቲ ፖለቲካን ተቓወምቲን ሐደ ኢድ አብ ዝኾናሉ እዋን መላኺ ስርዓት ንምእላይ ምቹእ ዝኾነ መድረኽ ስለ ዝርክብ በዚ እነካይዱ መሪርን ጽዑቕን ቃልሲን ከቢድ ስራሕን እዚ ስርዓት ተኦልዩ ዘይንዕወተሉ ምኽንያት አይክህልውን ማለት እዚ ስርዓት በቲ አብ ላዕሊ ዝተገለጸ አካይዳ እንተደኦ መሪሽና ዘይድምሰሰሉ ምኽንያት የለን ዝብል ቁነዕ አጀንዳን እዩ ዝካየድ ዘሎ ማለት ይካአል እዩ ።ስጋብ መወዳእታ ምድምሳስ ስርዓት መላኺ ህግደፍ ዘይሕለል ጻዕሪ ስጋብ መደምደምታ ፕሮግራምና ንምክያድ ቃልሲ እዚ ተቓውሞ ቀጻሊ እዩ ።ሕጂ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ንናጽነትን ሐድነት ህዝቢ ኤርትራ እዩ ንሱ ድማ ምስ ዝተፈላለዩ ውድባትን ብሐደ ብሙኳን ሃገራዊ ሐድነት ንምዕባይን ምስጓምን እዩ ከም ኡውን ንህዝብታት ኤርትራ ብሐፈሻ ሰላም ንምስፋንን ህዝቢ ብሐባር ዝነበረሉ መድረኸ ምድላይ እዩ፡፡ናይዚ ቃልሲ ዕላማን ንሕና ዘድልየና ብሐባር ኮንካ ቃልሲ ምክያድን ናይቲ ውድብ ኮነ ዝኾነ ፓርቲ ጠቕምታት ህዝቡ አተኩሮ ጌሩ ሃገራዊ መንነትና ዘረጋጋጽ ቃልሲ ንምክያድ እዩ። ናይ ሃገራውያን ዓቕሚ አብ መሬትና ምስጓም አድላይ እዩ፣ ከም ዝፈለጥ ተጋድሎ ሐርነት ኸምቲ ናይ ቅድም ሕጂ ዝነበረ ታሪካዊ ብደሆታት ሰጊራ ንኤርትራውያን ንምዕዋት እዩ። ነዚ ድማ አዕጋቢ ዝኾነ ዓወት ንምጭባጥ አብቲ ሜዳ ኾንኻ ነዚ ስርዓት መኪትካ ምድርዒም እዩ ። ነዚ ንምትግባር ድማ ሐደ ኢድ ሙዃንን ብሐባር ተስማሚዕና ናብቲ ንደልዩ ሸቶ ምብጻሕ ኢና ንደሊ፡ ማለት ብሐሳብ ኮነ ብዓቕሊ ከም ኡውን ብሰብአዊ ጉልበት ኩላትና ሐደ እንተ ካና፡ዘይብጻሕ ነገር ስለ ዘየሎ ናብቲ ዘድሊ ንምብጻሕ ከም ዝሐበርናዮ፡ናይ ሐባር ጉዕዞን ስሙር ግንባርን የድልየና ስለ ዝኾነ፡ነዚ ተገንዚብና በብዘለናዮ ንሐደ ዕላማ ንመርሽ።አብ ኩሉ ኩርናዓት ዝርከቡ ተቓለስቲ ሐይልታት ብሐባር ንሃገራዊ ጉቡእና መሰረት ብምግባር ንፍትሒን ሃገራዊ ሐድነትን ዝብል ዕላማ ሒዝና፡ ናብ ግንባር ከንብገስን ናይ ህዝብና ሰላምን ራህዋን ንምስፍን ዓቢ ሐላፍነት ክህልወና ይግባእ፡፡ ሕጂ ድማ ንሕና ዘድልየና በሐባር ተበጊስና ህጹጽ ዝኾነ ናይ መሻርኽትና ነዚ ቃልሲ ዘድሊ ነገራት አማሊእና ንናጽነትን ንፍትሒን እንገብሮ ብድሆታት ነዚ ዲክታቶር ዝኾነ ስርዓት እነጥፈአሉ መስመራት ምጥጣሕ አዝዩ አድላይ እዩ፡፡ እዚ ሃገራዊ ቃልሲ ናይ ሐባር ቃልሲ ስለ ዝኾነ ኩሎም ሃገራውያን ምስ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና መስመርና ምሳና ብምጽምባር ሃገራውያን በብኽእለትኩም ናይ እዚ ቃልሲ አባላት ንኽትኮኑ ንለቦ ወይ ንጽወዕ ። እዚ ቃልሲ ናይ ኤርትራውያን ህለወ ዘረጋግጽ እዩ (አብ ሐቂ ዝተምርኮሰ ቃልሲ) ስለዚ በዚ ጎባኤ ከም አብነት ንምግባር ጻውዒትና ኩሉ ሃገራዊን ሃገራውነት 5 ፖሎቲካዊ ፕሮግራም ተጋድሎ ኤርትራ 10ይ ሃገራዊ ጎባኤ 2019 ዓ.ም ስምዒት ዘሎም ሐላፍነት ብምውሰድ ነዛ ታሪኻዊት ዝኾነት ውድብ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ አብ ጎና ክትኮኑ ንጽውዕ፡፡ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ማለት ድማ፡ ብዋዛ ዝተሰመየት ውድብ ዘይኮነትስ ብዓለም ለኻዊ ደረጃ ሐለፍነትን ሐቅነት ዘለዋ ውድብ ስለ ዝኾነት ነዚ ብምእማን ድማ ናብዛ ውድብ ምጽምባር ኩርዓት እዩ ። ነዚ እያ ድማ ካብ ሱሳ ዓመታት ንለዕሊ ቃልሲ ናይዛ ውድብ አብ መትከልን ዕለማን ክሳብ ሕጂ ነቕ ዘይበለት ። ቃልሲ እዛ ውድብ ድማ ብንጹርን ብጋህድን ዝፍለጥ ንመሰልን ንፍትሕን ህዝብታት ኤርትራ ትቃለስ ዝነበረትን ዘለን ውድብ እያ ። እዚ ቃልሲ ማንም ሃገራዊ ከም ዝፈልጦ ድማ ብዓሌትን ብቐቢለን ፈጺማ አፈላላይ ዘይትፈልጥ ውድብን ሐቀኛ ተቓለሲት ውድብ ሙዃና ብምግጽ እዚ ዘሎ ጨካኒ ዝኾነ ስርዓት ድማ ምሳና 30 ዓመታት ተቓሊሱ ዝኸደዓና ስለ ዝኾነ በብዘለናዮ ንምድምሳሱ ንበገስ ። ንሕና እንብሎ ናይዚ ትሕዝቶ ቃልሲን ናይዚ ቃልሲ ጸጥታን ሐላፍትን ናይ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ሐላፍነት እዩ ። ብሐፈሻ ድማ ናይ ተጋድሎ ሐላፍነት እዩ ። እዚ ቃልሲ ኩሉ ከም ዝፈልጦ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተስጋገረ ዝመጸ ቃልሲ ምኳኑ ዝተአመተ እዩ ። ህዝቢ ኤርትራ ኩሎም እቲ ክብርቲ ሂወቶምን ትንፋሶምን ድማ ነዛ መሬት አሕሊፎም እዩም፣ ምስ እዚ ውድብ ማዕረ ብደሆታት ዝሰገረ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ሙኳኑ ፈጽምካ ዘይካሐድ ከም ዝኸነ ንምግላጽ ኮነ ንምዝርዛሩ ድማ ብሐቂ ንሕና እንተዘይገለጽናዩ ባዕሉ ታሪኸ ዝገለጻ ስለ ዝኸነ በዚ ሐበን ዝስመዓና ሙዃኑ እዩ። በዚ መሰረት እዚ ህዝቢ አብ ዝሐለፈ መኸትኡ ብመስተንከር ተቓሊሱ ብዙሕ ታሪኸ ከም ዝሰርሕ ሕጂ ውን እዚ ሐዲሽ ወለዶ ከምቲ ናይ ትማሊ ንሃገሩ ኢሉ ሐላፍነት ተሸኪሙ ንቲ ቃልሲ ወሒዙ ነዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ንምውዳቅ ዘይሕለል ጻዕሩ ክገብር አለዎ ። ብዘለዎ ዓቐሙን ክእለቱን ንብረቱን ፍልጠቱን ነዛ ሃገር ምስ እዛ ውድብ ጎኒ ንጎኒ ብሙዃን ዝካአሎ አወፍዩ ፤ ድማ ኩሉ ብደሆታት እናሕለፈ ሕጂ ውን ንዝመጽእ ኩሉ ጸበባን ጭንቅን ብጽንዓት ንምሕላፍ ድሉው እዩ ። ውደብና ድማ ነዚ ተረዳኡ ናይ ህዝብና ድልየት አብቲ ዝድለዩ ምዕራፍ ከም ተብጽሕ ፍሉጥ እዩ ፣ ማለት ይካአል እዩ፣ ንሕና አባላት ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋን ትምኒትን ናብቲ ዘድልይ ሰላምን ራህዋን ሐርነት ከም እንበጽሕ ነረጋግጽ ኩሉ ጻዕርና ድማ እዚ ሙዃኑ ብሙሉእ ርእስ ምትእምማን ከነረጋግጽ ንፈቱ ።ኤርትራ ግልጺ ዝኸነ ሕገ መንግስትን ሐራ ዝኸነት ሃገር ንኸትከውን ሐቂ ዝኸነ ናይ መጻኢ ሕልምና እዩ ። ናይ ህዝቢ መሰላትን ክብሪ ስበኣውነት ክነረጋግጽ ድማ ንፈቱ ፤ ሕጊ መንግስቲ ማለት ንመላእ ህዝቢ ብሐደ ዓይኒ። ሕጂ ድማ ንሕና ዘድልየና በሐባር ተበጊስና ህጹጽ ዝኾነ ናይ መሻርኽትና ነዚ ቃልሲ ዘድሊ ነገራት አማሊእና ንናጽነትን ንፍትሒን እንገብሮ ብድሆታት ነዚ ዲክታቶር ዝኾነ ስርዓት እነጥፈአሉ መስመራት ምጥጣሕ አዝዩ አድላይ እዩ፡፡ እዚ ሃገራዊ ቃልሲ ናይ ሐባር ቃልሲ ስለ ዝኾነ ኩሎም ሃገራውያን ምስ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና መስመርና ምሳና ብምጽምባር ሃገራውያን በብኽእለትኩም ናይ እዚ ቃልሲ አባላት ንኽትኮኑ ንለቦ ወይ ንጽወዕ ። እዚ ቃልሲ ናይ ኤርትራውያን ህለወ ዘረጋግጽ እዩ (አብ ሐቂ ዝተምርኮሰ ቃልሲ) ስለዚ በዚ ጎባኤ ከም አብነት ንምግባር ጻውዒትና ኩሉ ሃገራዊን ሃገራውነት ስምዒት ዘሎም ሐላፍነት ብምውሰድ ነዛ ታሪኻዊት ዝኾነት ውድብ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ አብ ጎና ክትኮኑ ንጽውዕ፡፡ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ማለት ድማ፡ ብዋዛ ዝተሰመየት ውድብ ዘይኮነትስ ብዓለም ለኻዊ ደረጃ ሐለፍነትን ሐቅነት ዘለዋ ውድብ ስለ ዝኾነት ነዚ ብምእማን ድማ ናብዛ ውድብ ምጽምባር ኩርዓት እዩ ። ነዚ እያ ድማ ካብ ሱሳ ዓመታት ንለዕሊ ቃልሲ ናይዛ ውድብ አብ መትከልን ዕለማን ክሳብ ሕጂ ነቕ ዘይበለት ። ቃልሲ እዛ ውድብ ድማ ብንጹርን ብጋህድን ዝፍለጥ ንመሰልን ንፍትሕን ህዝብታት ኤርትራ ትቃለስ ዝነበረትን ዘለን ውድብ እያ ። እዚ ቃልሲ ማንም ሃገራዊ ከም ዝፈልጦ ድማ ብዓሌትን ብቐቢለን ፈጺማ አፈላላይ ዘይትፈልጥ ውድብን ሐቀኛ ተቓለሲት ውድብ ሙዃና ብምግጽ እዚ ዘሎ ጨካኒ ዝኾነ ስርዓት ድማ ምሳና 30 ዓመታት ተቓሊሱ ዝኸደዓና ስለ ዝኾነ በብዘለናዮ ንምድምሳሱ ንበገስ ። ንሕና እንብሎ ናይዚ ትሕዝቶ ቃልሲን ናይዚ ቃልሲ ጸጥታን ሐላፍትን ናይ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ሐላፍነት እዩ ። ብሐፈሻ ድማ ናይ ተጋድሎ ሐላፍነት እዩ። እዚ ቃልሲ ኩሉ ከም ዝፈልጦ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተስጋገረ ዝመጸ ቃልሲ ምኳኑ ዝተአመተ እዩ ። ህዝቢ ኤርትራ ኩሎም እቲ ክብርቲ ሂወቶምን ትንፋሶምን ድማ ነዛ መሬት አሕሊፎም እዩም፣ ምስ እዚ ውድብ ማዕረ ብደሆታት ዝሰገረ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ሙኳኑ ፈጽምካ ዘይካሐድ ከም ዝኸነ ንምግላጽ ኮነ ንምዝርዛሩ ድማ ብሐቂ ንሕና እንተዘይገለጽናዩ ባዕሉ ታሪኸ ዝገለጻ ስለ ዝኸነ በዚ ሐበን ዝስመዓና ሙዃኑ እዩ። በዚ መሰረት እዚ ህዝቢ አብ ዝሐለፈ መኸትኡ 6 ፖሎቲካዊ ፕሮግራም ተጋድሎ ኤርትራ 10ይ ሃገራዊ ጎባኤ 2019 ዓ.ም ብመስተንከር ተቓሊሱ ብዙሕ ታሪኸ ከም ዝሰርሕ ሕጂ ውን እዚ ሐዲሽ ወለዶ ከምቲ ናይ ትማሊ ንሃገሩ ኢሉ ሐላፍነት ተሸኪሙ ንቲ ቃልሲ ወሒዙ ነዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ንምውዳቅ ዘይሕለል ጻዕሩ ክገብር አለዎ ። ብዘለዎ ዓቐሙን ክእለቱን ንብረቱን ፍልጠቱን ነዛ ሃገር ምስ እዛ ውድብ ጎኒ ንጎኒ ብሙዃን ዝካአሎ አወፍዩ ፤ ድማ ኩሉ ብደሆታት እናሕለፈ ሕጂ ውን ንዝመጽእ ኩሉ ጸበባን ጭንቅን ብጽንዓት ንምሕላፍ ድሉው እዩ ። ውደብና ድማ ነዚ ተረዳኡ ናይ ህዝብና ድልየት አብቲ ዝድለዩ ምዕራፍ ከም ተብጽሕ ፍሉጥ እዩ ፣ ማለት ይካአል እዩ፣ ንሕና አባላት ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋን ትምኒትን ናብቲ ዘድልይ ሰላምን ራህዋን ሐርነት ከም እንበጽሕ ነረጋግጽ ኩሉ ጻዕርና ድማ እዚ ሙዃኑ ብሙሉእ ርእስ ምትእምማን ከነረጋግጽ ንፈቱ ።ኤርትራ ግልጺ ዝኸነ ሕገ መንግስትን ሐራ ዝኸነት ሃገር ንኸትከውን ሐቂ ዝኸነ ናይ መጻኢ ሕልምና እዩ ። ናይ ህዝቢ መሰላትን ክብሪ ስበኣውነት ክነረጋግጽ ድማ ንፈቱ ፤ ሕጊ መንግስቲ ማለት ንመላእ ህዝቢ ብሐደ ዓይኒ ዝረኢን ዘዝቅመጥን ብሐደ ውልቀሰብ ወይ ብጉጅለታት ጥራይ ዝቕመጥ ሕጊ ዘይኮነስ ብመላእ ናይ ህዝቢ ተወከልቲ ዝቕመጥ ሕጊ እዩ ፣ ናይ ህዝቢ ሰብአዊ መሰላት፣ ናይ ህዝቢ ሐቢርካ ብሰላም ምንባር ሕገ-መንግስቲ ናይ ህዝቢ መንነት ውሕስነትን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝስራሕ እምበር ብውልቀ ሰባት ተሰሪሑ ንቁሩብ ጉጅለታት ዝጠቅም ከይኸውን ድማ እዚ ቓልሲ መሰል ህዝቢ ንምኽባር ላዕሊን ታሕትን እናበለ ናይ ህዝቢ ድልየት አብ ሸትኡ ንምብጻሕ ይሸባሸብ ኣሎ። ናይ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ መትከል ድማ እዚ ህዝቢ ወትሩ ሓደ ኮይኑ እምቢ ንምልኪን ንመግዛእቲ ዝበለ(እምብለይ በሃሊ) ፈለማ ሰውራ ብኽብሪን ብሐበንን ተበጊሱ ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመረን ዝፈለመን፤ ንጃህራ ዘይኮነስ ንመሰሉ ከም ዝኾነ አጸቢቑ ዝአምን ውድብ እዩ ። ከም ዝፍለጥ ብዘይ ዋላ ሐንቲ ጃህራ ህዝብና ባዕሉን ብጽንዓቱን እዩ ድማ ንመግዛእቲ ሐይሊ ስላሴን ደርጊን ዝሰዓረ ፣ ምኽንያቱ እዚ ህዝቢ ናጽነቱን መንነቱን ንባዕዳዊ ወራራት ንኹሎም ብቕልጽሙ እዩ ዝሰዓሮም ፣ ህዝቢ ኾነ ናይ ሰውራታትና ዕላማ እዚ ስለ ዝነበረ ናይ ተጋድሎ መሪሕነትን ህዝቢን ብሐባር ነዚ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ናይ ምንባርን ሰላምን ዲሞክራሲን ብቕልጽም መላእ ህዝቢ እዩ ። ከም ዝፍለጥ ብዘይ ዋላ ሐንቲ ጃህራ ህዝብና ባዕሉን ብጽንዓቱን እዩ ድማ ንመግዛእቲ ሐይሊ ስላሴን ደርጊን ዝሰዓረ ፣ ምኽንያቱ እዚ ህዝቢ ናጽነቱን መንነቱን ንባዕዳዊ ወራራት ንኹሎም ብቕልጽሙ እዩ ዝሰዓሮም ፣ ህዝቢ ኾነ ናይ ሰውራታትና ዕላማ እዚ ስለ ዝነበረ ናይ ተጋድሎ መሪሕነትን ህዝቢን ብሐባር ነዚ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ናይ ምንባርን ሰላምን ዲሞክራሲን ብቕልጽም መላእ ህዝቢ እዩ ። እዚ ቃልሲ ዚ ድማ ንዘመናት ዝተሰረሐ እዩ ኮይኑ ግን እዞም በኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ መራሕቲ ናይዚ ስርዓት ሕልምታት ህዝቢ ኤርትራ ናብ ጸላም ክአትው ዝገበሩ እዩም ። ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ድማ ነዚ ኩሉ ብዝምልከት መበል ዓስራይ ሐፈሻዊ ጎባኤ ብምግባር እዚ ብረታዊ ቃልሲን ፖለቲካዊ ጉስጓስን ከም ኡውን ዝርዝር ናይ መጻኢ ማለት ድሕሪ ውድቀት ኢሳያስ ዝግበር ፖለቲካዊ አጀንዳ ኣዳልዩ ቃልሱ ይቕጽል አሎ። መትከላትን ዓላሚታትን ቅዳማይ: ሐፈሻዊ ዕለማ
1. አብ ኤርትራ ዘሎ ውልቀ መላኺ ስርዓት ንምእላይ ምቅላስ 2. ዴሞክራሲያዊት ዝኾነት ሃገር ንኹሉ ንምፍጣር ምስራሕን 3. ናጽነትን ፍትሕን ምስፋንን ሸበራን ረብሻን ምእላይን ኩሉ ሕብሪ ዘለዎ ጽረ ህዝቢ ምልጋስን ናይ ሕብረተሰብ ባህሊን ምዕባለን ምንጽብራቕ 4. ቋንቋ ዓረብን ትግርኛ ክልቲኤን ዕላዊ ቋንቋታት አብ ኤርትራ በሕጋዊ መንገዲ ምግባር 5. ኤርትራ ምስ አፍርቃን ምስ ሃገራት ዓዕራብ ምሕዝንታ ንጥቅሚ ህዝባ ንምድልዳል ምጽዓር። 7 ፖሎቲካዊ ፕሮግራም ተጋድሎ ኤርትራ 10ይ ሃገራዊ ጎባኤ 2019 ዓ.ም 6. ንናጽነትን ናይ ሐሳብ ምቅይያርን ሪኢቱ ናይ ምሃብን ምስማዕን ማንም ዜጋ ዕድል ንኽረክብ ዕድል ምሃብን ናይ ዋንነት መሰል ንምርካብ ምቅላስ፤ 7. ካብ ህዝቢ ተመንዚዑ ዝተወሰደ መሬት ኮነ ንብረት ናብ ወነንቶም ምምለስን ጽረ-ዕብየትን ጽረ-ለውጢ ንዝኾነ ማንም ሐይሊ ምምካት 8. ካለኣይ፡ ብዛዕባ ዕላማ ውድብና ስልጣንን ሃገርን ከመይ ከም ዝትርጉም ምግባር 9. ምእንቲ ፍትሒን ሰበኣዊ መሰላት ዝኽበርላን ዘሎዋን ሃገርን ግፍዒ ዘይብሉ ክብረት ዘሎዎ ህዝቢ ንኽነብርን አብ መጻአኢ ደቃ በጽቡቅ ህወት ዝነብረላ ሃገር ንምግባር እያ ትቃለስ 10. አብ ሃገርና ሕገ-መንግስቲን ቅዋማዊ ሕጊን ዘለዎ ሃገር ንሙቋም ምግባር 11. በውክልና ህዝቢ ዝቆመ መንግስትን ናጻ ብዝኾነ አጋባብ በህዝባዊ ምርጫ ዝምረጽን፤ምሉእ ተሳታፍነት ናይ ኩለን ፖሊቲካዊ ሓይሊታት ድማ ክም ዝኽብር ንምግባር። 12. ዘይምእኩል ዞባዊ አገባብ ስርዓት አብ ሃገር ንምምስራትን 13. ናይ መንግስቲ (መራሒ) ዘመን አብ ስራሕ ዝጸንሓሉ ክልተ ግዜ ጥራይ ንክኸውን ምግባር 14. ስርዓት መንግስቲ አብ ናይ ምክፍፋል ስልጣን ዝተመስረተትን ስልጣን ድሕሪ ምርጫ በሰላማዊ መንገዲ ክርከብ ንምግባር።ክልላዊን ህዝብን ዝኾነ ናይ መንግስቲ ስርዓት አብዛ ሃገር ምግባር 15. ከኢላ ዝለዎ ምምሕዳር አካል ንምስራዕን ንምምስራት ክቃለስ ምግባር። 16. በመሰረት ህዝባዊ ምርጫ ሕጋዊን ፍትሒን ዘለዎ ሰላማዊ ናይ መንግስቲ ስልጣን ዘለዎም ምምራጽ 17. እዚ ውድብ(ተጋድሎ) ሕጋውን ስሩዕ ዝኾነ ማእከላዊ መንግስቲ ምግባር 18. ንኹሉ ህዝቢ ዝጠቅምን ትኽክለኛን ሕጋዊ ዝኾነ ፍርዲን ሕጊ ድማ ልዕሊ ኹሉ ንኽኸውን ውድብና ምድላዋት ትገብር 19. ምእንቲ ናጻ ወድሰብ መሰል ምቅላስ 20. ምርጫ ዝገብር ቦርድ ምቛም 21. ሳልሳይ ፡ ብዘዕባ ስሩዕ ሃገራዊ ሰራዊትን ክፍሊ ሓለዋ ጽጥታን ምቛም 22. ንልዕላውነት ሃገሩን መሬቱን ንሓድነት ህዝቡንዝከላኸም ሐይሊ ንምምስራት ወትሩ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ አብ ቃልሲ ትርከብ 23. ንኤርትራን ነቲ ማሕበርሰባዊ ቅርጻ ዝንጸባርቅን ዘገልግል ሐይሊ ምክልኻል ምምስራት 24. ንሃገር ሰላም ዘስፍን ንሃገር ልዕልነትን ርገኣት ሃገርን ክምኡ እውን ጸታን ውሽጣዊ ስላምን ዝሕሉ ሐይሊ ምክልኻል ምምስራት 25. ብዴሞክራሲ ዝተሰረዐ ሰራዊት መሰሪትካ እዚ ሰራዊት መሰል መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘኽብርን ዝሕልውን ዑዙዝ ሐይሊ ምግባርን እቲ ናይ አገልግሉት ግዜ በሕጊ ይውሰን ንምግማር። 26. ወትሩ ሐይልታት ምክልኻል ሃገራዊ ጸጥታ ዘኽብርን ዝሕልውን ሰራዊት ፖሊስ መስሪትካ እዚ ሐይሊ ናይ ህዝቢ መሰልን ሕግን ዘኽብር ዑዘዝ ሐይሊ ፖሊስ ምግባር ራብዓይ : መትከላት ተሓኤ ብዘዕባ ሃገራዊ ቑጠባን ኦኮኖሚያዊ ዓውዲ 1. ማንም ኤርትራዊ አብ ሃገርና ንዝርከብ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ንኽጥቀምን ከም ዜጋ ክብሪን መሰልን ክህልው ምግባር
ፖሎቲካዊ ፕሮግራም ተጋድሎ ኤርትራ 10ይ ሃገራዊ ጎባኤ 2019 ዓ.ም
2. አብ ሃገርና ብሄራዊ ባንክ ብምግባር ናይ ውሽጢ ዓዲ ገንዘብ (ባጤራ) ብምግባር ኢኮኖሚ ሃገር ምቁጻር ገንዘብን ዝዋሃህድን ናይ ፋይናንስን ገንዘባዊ ህግታትን ዝውስን 3. ብናይ ባንኪ ሕጊ መሰረት ንዜታታት ናይ ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ክብ ንምግባር ምጽዓር 4. ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብኹሉ መዳያት ናይ ኢኮኖሚ ስርዓት ብምግባር ምስረታ ሕርሻ፣ ንግዲ፣ ስራሕቲ፣ ኢንደስትሪ፣ ዓሳን ካልኦትን ንምስራሕ መድረኽ ምኽፋት 5. ንህዝቢ ጠቓሚ ዝበሃል ዝኾነ ዓይነት ሕጋዊ ኢንቨስትመንት ንኽህሉ ምግባር 6. ብዛዕባ ምግፋፋ ዓሳን በሕርሽን አጠቓቕማን ትምህርቲ ምሃብ ከመይ ጌርካ መሬት ምጥቃምን ናይ ሕርሻ ትምህርትን ፍርያት ምምስራት ከምኡን እንስሳ ዘገዳም አረባብሐ ምስ ናይ እንስሳ ረብሐ ዝኸይድ መግብትታ ንምፍራይ መድረኽ ምኽፋት ምስ ኩሉ ዝምልከቶ አካል ምትሕግጋዝ ምግባር 7. ብዛዕባ ኢኮኖሚ ናይ ሃገር ንዜጋታት ምቹእ ዝኾነ በሪ ብምኽፋት ኢኮኖሚ ክብ ክብል ምግባር 8. አብ ሞንጎ ገጠርን ከተማን ዘሎ ራሐቂታት ምቕራብ 9. ብዛዕባ ናይ ኢኮኖሚ ሃገር ብዝምልከት ዜጋታት ካብ ባንክታት ልቓሕ ወሰዶም ናይ ሃገርና ብልጽግና ንኽስርሑ መድረኽ ምኽፋት 10. ብዛዕባ ጸገም መንበረ ገዛውቲ ንምፍታሕ ዘኽእሉ ፕሮግራም ብምግባር ዜጋታት ካብ ምፍንቓልን ካብ ምስአን ገዛውቲ ዝድሕንሉ ጡጡሕ ባይታ ምግባር 11. እዛ ውድብ (ተ.ሐ.ኤ) ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ንዝኾነ ናይ ፓለቲካን አተሐሳሰባ እንተጋጢሙ ብሰላማዊ መንገዲ ብምፍታሕ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ፓለቲካ ምንቅስቓስ አብ ሃገር ኽነጥፋ ዕድል ምሃብ 12. (ተ.ሐ.ኤ) ኩል ጊዜ ናይ ፓለቲካን ኢኮኖሚን ጉዳያት ብዝሐሽ ደረጃ ንኽስሪሕ ዝስልጥን ባይታ ፈጢሩ ጽቡቕ መዳይ ምኽፋት 13. ናይ ባሕሪ ሃፍቲ ብ ሕጋዊ መንገዲ ምእታው 14. ንእንስሳ ዘገዳምን አርባሕቲ ዝጣጠሐ ኩነታት ንምፍጣር ናይ ቬትሪነሪ (ናይ እንስሳት ሕክምና) ብምግባር አርባሕቲ ዝዓዘዘ ናይ እንስሳ አራብሐ ዕድል ንኽረኽቡ ምግባር ሐምሻይ: አብ ማሕበረሰብኣውን ጉዳየት 1. ኤርትራዊ ዜጋ ብቕዓት ብዘለዎን ከም ሰብ መጠን አብ ሃገሩ አድላይ ዝባሃል መሰል ብምግባር ዘድልዩ ናይ ዲሞክራሲ ዕድል ተጠቂሙ ክመሃርን ክስርሕን ዕድል ምግባር 2. ኤርትራውያን ዜጋታት ሃገሮም ንምህናጽን ብመስሎም ንኽስርሑ ምግባር ከምኡውን ንሙሁራት ዜጋታት ብብቕዓቶም ንኽስርሑ ምግባር ንኩሉ ዜጋ ናይ ሰውነትን ስነ አእምሮ ጉልበት ጌርካ ብቑዕ ዜጋ ምፍጣር 3. እንተወሐደ ናይ ካልአይ ደረጃ ትምህርቲ ብዝግባእ ምስፍሕፋሕ 4. ስድራ ቤት ንደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ምልእኽ መንግስቲ ድማ ንተማሃሮ አድላይ ዝኾ ነገራት ብምቕራብ መንእስያት ኤርትራ ብትምህርቲ ብቑዓት ጌርካ ንህዝቡን ሃገሩን ዘፍቅርን ዘኽብርን ዜጋ ምፍጣር 5. ንትምህርቲ ዘድለ ሙሉእ ናውቲ ንምቕራብ ዘኸእሉ ኩሉ ነገር ምቕራብ ብትምህርቲ እምነት ምግባር ሕጋዊን ስሩዕ ዝኸነ ናይ ትምህር ዕድላት ብስፈሑ ንማሕበረሰብ ዕዱል ምግባር 6. ተወሳኺ ናይ ትምህርቲ ዕድል ብምግባር ከም ናይ ምሽት ትምህርቲ ንኸህሉ በሪ ምኸፋት አብ ናይ ትምህርቲ ትሕዝቶ ተመሃሪ ዝበለጸ ፍልጠት ኸረኽቡ ምግባር 7.ናይ ትምህርቲ ዓይነት ምስ ማሕበረሰብ ዝካየድ ዓይነት ትምህርቲ ምግባር 9 ፖሎቲካዊ ፕሮግራም ተጋድሎ ኤርትራ 10ይ ሃገራዊ ጎባኤ 2019 ዓ.ም 8. አብ ሞንጎ ከተማን ገጠርን ዘሎ ናይ ትምህርቲ ኩነታት ማዕረ ምግባር 9. ተመሃሮ (ሕጻናት) ናብ ቤት ትምህርቲ ቅድሚ ምእታዋም ቅልል ብዝበለ ስፖርት ነብስም ከሕይል ምግባር 10. ሆስፒታላትን ክሊኒክን ብዝዓበየ ደረጃ አስፋሕፈሕካ ምቕራብ ካብ ባህላዊ ሕክምና ኾነ ንማሕበረሰብ ዝጎድእ ኩሉ ምርሕቕ 11. ደቅ አንስትዮ አብ ኩሉ ናይ ሕብረተሰብ መድረኸ ሐቢረን ንኸሰርሐ ምቅላስ ምስ ደቅ ተባዕትዩ ማዕረ መሰል ንኽረኸባ ምግባርን ብዛዕባ ሕርስን ጥንሲን አተዓባያ ቆልዑት ጸገም ከይህሉ ዕድል ምግባር 12. ናይ ስራሕ ሰዓታት ንዜጋታት አብ መዓለቲ 8 ሰዓት ብምግባር ነዚ ዝምልከት ሕግን ስርዓት ብምግባር መሰል ሰራሕተኛ ምኸባር ብዛዕባ ጥዕና ሰራሕተኛ ስርዓትን ሕረን ጌርካ መሰል ሰራሕተኛ ምሕላው ናይ ዝስረሐሉ ክፍሊት አብ እዋቱ ምኸፋልን ንቤተሰብ ሰራሕተኛ ፅብቕ ናብራ ንኸነበር ምቹእ ዝኾነ ባይታ ምግባር 13. ንናይ ስፖርት ክለባት ዝኸውን ጡጡሕ ቦታ ምግባርን ንስፖርተኛታት ናይ ሞራል ድጋፍ ማሃብ ሻድሻይ፡ ብዛዕባ ናይ ባህልን ናይ ሚዲያን ዕላማታት 1. ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ኩሉ ግዜ ንዜጋታት ዝመስሎም ሐሳብን ርኢቶን አብ ሚዲያን አብ ጋዜጣን አብ ጽሑፍትን ንኸገልጹ ዕድል ንምሃብ ይቃለስ 2. ብዛዕባበ ናይ ኤርትራ ተጋድሎን ታሪኸን ናይ ምጽሐፍ ክእለት ብዕለዊም ደረስቲ ብዝግባ ጸሒፎም ናብ ሕብረተሰብ ንኸብጸሑ ጽቡቕ ሐገዝ ምግባር እዚ ብእምነት ዝስራሕ ጉዳይ ክኽውን ይግባእ 3. ንናይ ሃገር ሐድነት እምነት ብዘለዎ አካይዳ ባህሊን ናይ ሚዲያን ሰራሕቲ ምፍጣርን ምምሃርን 4. ናይቲ ዝሐለፈ ናይ ተጋድሎን ታሪኻዊ ጽሑፍትን ብምቕራብ ንሐዲሽ ወለይ ብዝግባእ ተረዲኡ ምዕቡል ዝኸነ ንምዕቃብ ዘኸእል ዕድል ምፍጣር 5. ብዛዕባ ናይ ሃገርና ታሪኻዊ ቅርስታት ንተማሃሮ ብዝግባእ ምምሃርን ነቲ ሑሉፍ ታሪኽ መንእሰያት ክሕልው ምግባር ሻብዓይ፡ ብዛዕባ ናይ ወጻኢ ርክባት ዕላማ 1. ምክብባር ብዘለዎ አካይዳ (ተ.ሐ.ኤ) ምስ ሕብረተሰብ ዓለምን መንግስታትን ከምኡውን ናይ ወጻኢ ፓለቲከኛታት ዑዙዝ ዝኾነ ናይ ርክብ ዝምድና ምፍጣር 2.ምስ ጉረባብቲ ሃገራት ብዝለዓመ ደረጃ ርክብ ምፍጣርን ብዝማዕበለ ምሕዝነት ምግባር 3.ምስ ናይ ወጻኢ ሃገራት ንህዝብን ንሃገርን ጥቕሚ ዘለዎ ዕዙዝ ምሕዝነትን ጌርካ ጽቡቕ ርክብ ምፍጣር 4.ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ሰላምን ጸጥታን ርክብ ጌርካ አብቲ ኸባቢ ሰላም ንኸህሉ ምግባር 5.ምእንቲ ክብረት ህዝብታት ወጻኢ ሃገራት ብምእማን አብ ናይ ዝኾነ ሃገር ናይ ውሽጢ ጉዳይ ጣልቃ ዘይም እታው 6.ናይ ሰላምን ጸጥታን ንምኽባር ብዝግባእ አብ ከባቢን አብ ካልኦት ዓለም ሰላም ንምፍጣር ምፅዓር 7.ንህዝቢ ኤርትራ መሰል ክብ ንምባል ንዝገብራ ናይ ወጻኢ መንግስታት ጽቡቕ ምሕዝነት ብምግባር ብሐባር ምስራሕ 10 ፖሎቲካዊ ፕሮግራም ተጋድሎ ኤርትራ 10ይ ሃገራዊ ጎባኤ 2019 ዓ.ም መደምደምታ። ኣቀዲምና ሰውራዊ ሰላምታና ነቅርብ ቀጺልና ድማ በዚ ኣዋጅ እዚ ገቢርና ነዚ ዝስዕብ መልእኽትና ናብ ህዝቢ ኤርትራ ነማሐላልፍ፡ ነማሐላልፎ መልእኽቲ ድማ ፡እቲ ኣብ (10ይ) ጉባኤ ተ,ሐ,ኤ,ዝተወሰነ ውሳንየታት እዩ። • ዓላማ ናይቲ ቃልስና ትሓኤ መጀመርያ ንቲ ዲክክታቶርያዊ ስርዓት ንጃንዳ ህግደፍን ሰዓብቶምን ካብ ሱሩ ደምሲስና ንቲ ስልጣን አብ ሕዝቢ ኤርትራ ምርካብ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ቕዋም ሓንጺጹ ዲምክራስያዊ ስርዓትን ምምሕዳር ከስፍንን መረሕትን አማሓደርትን በዕሉ መሪጹ ናብ ሽልጣን ከምጽእን ክቖጻጸርን ንቲ ጵሮግራማት ናይ ዲምክራስያዊት ኤርትራ አብ ግብሪ ምውዓል። • (10ይ) ጉባኤ ተ,ሐ,ኤ ንዚ ሕንጻጻት ከውርድ እንኮሎ አስላምን ክርስትያን ናይ ኤርትራ ጸጋን ክብረት አህዛብ ኤርትራህ ስልዝኾኑ ንዚ ዕላማ ዚ ቃልሲ ክምቲ አብ ታሪኽ ዝፍለጥ ብዝሕ ዝወፈየሉ ክሳትፍሉን እጋሙ ከብርክት ምእንቲ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ የኢድም።
ዓወትን ኣሳልጦን ንፍትሐዊን ደሞክራስያውን ቃልስና፡
ዘለኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንጀናኑ ሰማእታትና፡
ሰዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ሰዓብቶምን።
ፖሎቲካዊ ፕሮግራም ተጋድሎ ኤርትራ 10ይ ሃገራዊ ጎባኤ 2019 ዓ.ም