
ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን የመንን ኣብ ዘጠቓለለ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዝወርድ ዘሎ ሓያሎ ዝናብ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት የውርድ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ኣቐዲሙ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ብሉ ናይል ዝወረደ ሓያል ዝናብ፣ ብዘስዓቦ ዕልቕልቕ ዲጋ ብምፍራሱ፣ ብውሕዱ 5 ሰባት ሞይቶም ሓያሎ’ውን ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም።
ኣብ ምብራቕ የመን፣ ትማሊ ሰሉስ 04 ነሓሰ ብዝውረደ ዝናብ ዝፈጠሮ ዕልቕልቕ ድማ 17 ሰባት ከምዝሞቱን ኣሽሓት ከምዝተፈናቐሉን መንግስቲ ሓቢሩ።
መንግስቲ የመን ኣብቲ ከባቢ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ኣሎ።
ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብዚ ናይ ክራማት ወቕቲ ዝዘንብ ዘሎ ሓያሎ ዝናብ፣ ብዘይካ’ዚ ክፈጥሮ ዝኽእል ባህርያዊ ሓደጋታት፣ ንምፍራይ ዕስለ ኣንበጣ’ውን ከያጋድድ ብኣህጉራውያን ትካላት መጠንቀቕታታት ቀሪቡ።