ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ለይቲ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ፡ ብኣውቶቡሳት ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

Isseyas Afewerki Dictator's Profile Photo, Image may contain: 1 person

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብምኽንያት ለበዳ ኮረና ቫይረስ ምንቅስቓሳቱ ቀይዱ ከይርኢ ከይሰምዕ ቀይዱሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ለይቲ ለይቲ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ፡ ኣብቲ ቦታ ተቐሪበን ብዝጸንሓ ኣውቶቡሳት ጸላም ከደኖ ናብ ገርገራ ገጹ የጎዞም ምህላዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

ነዚ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ነቶም ኣቐዲሙ ናብ ኤርትራ ብተመሳሳሊ መንገዲ ናብ ኤርትራ ዘእተዎም ሶማላውያን ሽፋን ተጠቒሙ፡ ነዚ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይፍለጥ ኦሮሞን ኣምሓራን ናብ ኤርትራ ናይ ምግዕዓዝ ሰላሕታ ስርሒት ትተሓሒዙዎ ምህላዉ ህዝቢ ኤርትራ ክነቕሓሉን ክጥንቀቐሉን ከምዝግባእ እቶም ምንጭታት ኣጥቢቖም ኣተሓሳሲቦም።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና፡ ኣብ ከባቢ ከረን ሓመልማሎ፡ ጀንገሬን ኣብ ዝብሃል ቦታ ገለ ኣምሓሪኛ ገለ ድማ ቋንቋ ሶማል ዝዛረቡ ቁጽሮም ካብ ክልተ ሚኢቲ ንላዕሊ ዝኸዉን ካብ ከባቢ ሚዕጥርን ገርገራን  ካልኦት  ቦታታት ተዋጽኦም ዝመጹ ሰራዊት ከምዘለዉ `ውን ብኻልእ ወገን ረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኣብቲ ከባቢ ዝተዋፈሩሉ ምኽንያት ኢንታይ ምዃኑ ምዃኑ ግን ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይተረኽበን። 

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ካብ ከተማ ዓሰብ ሰራዊት ኩሉ ካብ ከተማ ጠቕሊሉ ክእለን፡ ኣብያተ ጽሕፈታት ክፍላተ ሰራዊት እውን ክዓጽውን፡ ኣብ 37 ኪ.ሜ   ክእከቡን፡ ኣብቲ ከተማ ብዘይካ ፓሊስ ካልእ ኣካል ምክልኻል ከይህሉ ዝብል ትእዛዝ ተዋሂቡ።

እንተኾነ እቲ መምርሒ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ከም እተነጽገ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብዘይካ`ዚ፡ ልኡኻት ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኣብ ዞባጋሽ ባርካ፡ ምምሕዳር ቢንቢና፡ ነባራይ ኣሸሺ፡ ኣባል ብሄረ ኩናማ ኣቶ ኢልያስ ኩኪ፡ ልችያ ማሙ እትብሃል ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ሓሙሻይ ርእሱ፡ ብዕለት 17/06/2020 ወጋሕታ 2:30  ብኣቋጻጽራ ናይ ኤርትራ ጨውዮም ናበይ ከምዘእተዉዎም ክሳብ ሕጂ ክፍለጥ ከምዘይተኻእለ ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ብወዲ ማሓሪ ዝፍለጥ ኣብ ወደብ ባጽዕ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣባል ሳልሳይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ግራር ሆስፒታል ትማሊ ዕለት 20/06/2020 ቀቲሎም ናብ ማይ ደርብዮሞ ከብቅዑ መን `ዩ ከምዚ ገባሪ ብምባል ኣብ ከባቢ ሆስፒታልን ግራርን ወደብ ርእሲ ምድሪን ከጒባዕብዑ ከምዝሓደሩ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ይኹን `ምበር፡ እቲ መንእሰይ ኣቐዲሙ ብጉዳይ ሓንቲ ሰናይት ባህታ ዝተባህለት ሰራሕተኛ �ባር ፍዮሪ� ኣብ ኣፍ ደገ ባጽዕ፡ ጥዋለት፡ ምስ ሓላፊኡ ተባኢሱ ከምዝነበረ፡  እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

atv asena

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *