
ዜና
እሱራት፡ ቤት ማእሰርቲ ሰምበል ስይሮም
መንግስቲ ኤርትራ ዝርጋሐ ህልዊ ለበዳ ኮሮና ቫይሮስ ንምግታእ ብዝወሰዶም እዉጅ ስጉምቲታት፡
ኣስመራ ዳርጋ ጽምዋ ኣብ ዝሰፈነላ ኩነታት ቀትሪ ኣብ ትሕቲ ድሙቕ ብርሃን ጸሓይ ከፍላዊ ናዕቢ
እሱራት ሰምበል ረኣየት። ምንጪ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ከምዝሓበሮ፡ ሰንበት ዕለት 5
ሚያዝያ 2020 እሱራት ካብ ውሽጢ ሓጹር ቤት ማእሰርቲ ሰምበል ስቢሮም፡ ናይ ቤት ማእሰርቲ
ቡርቱካናዊ ፍሉይ ኣልባሳት (ዩኒ ፎርም) ለቢሶም ጎልጎል ሰምበል ኣዕልቕልቖምዎ። ንከባቢ ሰምበል
ፍሉይ ሕብርን ፍጻሜን ኣልቢሶምዎ። ሓይልታት ፖሊሲን ጸጥታን ተጓዪዮም ናይ ኣስመራ ሓውሲ
ጽምዋ ብቑልጡፍ መዝምዞም ንቡዙሓት ካብኣቶም ካብ ፈቖዶ መንገዲታት ኣሪዮም ብጭካኔ
እናደፋፍኡዎም ናብ ቤት ማእሰርቲ ሰምበል መሊሶምዎም።
ተዓዘብቲ ካብ ኣስመራ ከም ዝብልዎ፡ ቤት ማእስርቲ ሰምበል ኣስታት ካብ 9000 ዘይውሕድ
ከምዝሕዝ ይግምቱዎ። ከምኡ’ውን ዓይኒ መሰኻኽር ከምዝበሉዎ፡ እዚ ስጉምቲ’ዚ ሽሕ’ኳ ናይ
ኣወዳድባን ሕርያ ጊዜን ዝተሰነ ሕጽረት እንተሃለዎ፡ ንገዛእ ርእሱ ከም ስጉምቲ መጠን ናይ
ዲክታቶርያዊ ስርዓት ውሽጣዊ ሕፍረቱ ዘቓልዐ፣ ኣብ መላእ መሓውራቱ ሕድሕድ ምጥርጣራት
እምቢዛ ዘዐምቕን ዝሰፍንን፡ ሞራል ህዝቢ ብዉሱን ደረጃ ዘበርኽን ኣዝዩ ታሪኻዊ ስጉምቲ ምዃኑ
ይገልጹ።
ኣብ ማሕደር ተመኩሮ ቤት ማእሰርቲ ሰምበል፡ እዚ ተረኽቦ’ዚ ሳልሳይ’ዩ። ቀዳማይ ናይ ተጋድሎ
ሓርነት ኤርትራ፣ ካልኣይ ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፣ ሳልሳይ ድማ እዚ ናይ ሕጂ’ዩ። እቲ
ቀዳማይን ካልኣይን ስጉምቲታት ኣብ በበይኑ ጊዜታት ብውድባት ሰውራ ኤርትራ ብውሽጥን ደገን
ጥንቃቐ ብዝተማለአ ጥበብን ምክትታልን ዝተወደቡ ክኾኑ እንከሎዉ፡ እዚ ናይ ሕጂ ሳልሳይ
ብእሱራት ብውሽጢ ዝተወደበ’ዩ።
ምስ’ዚ ዜና’ዚ ብምትእስሳር፡ ሹዱሽተ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሃገራዊ ሓይልታት ኣብ ባሕቲ ሚያዝያ
2020 ካብ ዘቅረቡዎ ጻዊዕት “ እዚ ንእሱራትን ኣሰርቶምን ዘይፈሊ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ
ንኤርትራውያን እሱራት ብቐጥታ ዘንጸልላዎም ዘሎ ሓደጋ ብምዃኑ፡ እሱራት ብቕጽበት ክፍትሑ፡
ኣብ ሳዋን ግዴታዊ ኣገልግሎትን ተኣኪቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ከኣ ተለቒቆም ናብ ስድራቤቶም
ክጽንበሩ ቃልስታት ክካየድ ንጽውዕ፤” ዝብል ንሕና’ውን ደጊምና ንጽዊዕ።
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
6 ሚያዝያ 2020