ኣወሃሃዲት ሽማግለ ምንቅስቓስ “ይኣክል” ብምኽንያት ግንቦት 24 ኤርትራውያን ተቐማጦ ሰሜን ኣሜሪካ 4 ሰነ 2019

ትራውያን ተቐማጦ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ንፍትሒ ዝቃለስ ህዝባዊ ባይቶ ይኣክል መስሪቶም

እቲ ካብ ግንቦት 24 ክሳዕ ግንቦት 26 ብምኽንያት በዓል ናጽነት ሃገርና ኤርትራ፡ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ኦምኒሸርሃም ሆተል ዋሺንግተን ዲሲ ዝተኻየደ ሰፊሕ ምንቅስቓስ “ይኣክል” ኤርትራውያን ተቐማጦ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ብኣንጸባራቒ ዓወት ተዛዚሙ ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ናይቲ ምንቅስቓስ፡ ነቲ ካብ ህዝቢ ንህዝቢ ብህዝቢ ዝነበረ፡ ናይ ዝቕጽል መድረኽ ህዝባዊ ቃልሲ ባብ ውን ዘርሓወ፡ ዕዉት ውዕሎ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ቀጻልነት ዘለዎ መሰረት ኣንጺፉ ብዓወት ከም ዝተዛዘመ፡ ከተፍልጥ ከላ ኤርትራዊ ሓበን ይስምዓ።

ኣወሃሃዲት ሽማግለ ምንቅስቓስ “ይኣክል” ኤርትራውያን ተቐማጦ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ነቲ ብምኽንያት በዓል ናጽነት ሃገርና ኤርትራ፡ ብዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ሃገራውያን ተቓለስቲ ፍትሕን ካብ ብዙሓት ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኤመሪካን ካናዳን ካብ ህዝቢ ብዝተወከሉ ደለይቲ ፍትሕን ዝተዳለወ ናይ “ይኣክል” ምንቅስቓስ ክትውድብን ክትመርሕን ዝቖመት፡ ሓይሊ ዕማም መርሕነት ኮይና፡ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ብዝተወከሉ ኤርትራውያን ዝተመስረተት እያ ኔራ።

ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ዝተኻየደ ንጥፈታት “ይኣክል” ነቶም ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኤሜሪካን ካናዳን ዝመጹ ተወከልቲ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ኤርትራውያንን ነቲ ካልእ ሓፋሽ ኤርትራውን ናይ ሓባር ባይታ ብምፍጣር፡ ነቲ ክሳዕ ኣብዚ በጺሑ ዘሎ ቃልሲ ንሓርነትን ፍትሕን ብሓባር ደገፎም ከርእዩን ብዛዕባ ካብዚ ንደሓር ከ እንታይ ይገበር፧ ኣብ ዝብል ወሳኒ ኣርእስቲ ኸኣ ክዘራረቡን ኣንፈት እቲ ተወሊዱ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ከማእዝኑን ዕድል ክፈጥሩን እዩ ኔሩ። ብተወሳኺ ውን ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ዘለዎም ደገፍን ክፈጥርዎ ንዝደልዩ ምትሕሓዝን ንምርኣይ እዩ ኔሩ።

እቲ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ዝተሰላሰለ ናይ “ይኣክል” ሰፊሕ ንጥፈታት፡ ዓርቢ 24 ግንቦት ንግሆ፡ ዓበይትን ምሁራትን ዘለዉዎም ኣዴታትን መንእሰያትን ቆልዑን ዘጠቓለሉ ኣሽሓት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዝተረኸብሉ፡ ብሰለማዊ ሰልፊ እዩ፡ ካብ ከባቢ ዋይት ሃውስ ጀሚሩ። ድሙቕ ናይ “ይኣክል” ድምጹ እንዳስመዐ ኸኣ ክሳዕ ናብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ በጺሑ። ካብኡ ብምቕጻል ከኣ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፡ ኩሉ ተሳታፋይ ሰለማዊ ሰልፊ ናብቲ ስይምፖዜም ተዳልይሉ ዝነበረ ቦታ ብምብጻሕ ብማሕበረኮም ኤርትራውያን ንፍትሒ ዋሺግቶን ዲሲን ከባቢኣን ናይ እንቛዕ ደሓን መጻኹም ኣቀባብላ ተጌሩሎም። ኣብቲ ሽዑ ምሸት ዝተኻየደ ስይምፖዜም፡ ካብ ዝተፈላለዩ ተቓለስቲ ኤርትራውያንን መራሕቲ ሃይማኖትን ብዛዕባ “ይኣክል” መደረታት ተገይሩ። ተሳተፍቲ ከኣ ክሳዕ እቲ ዝቐጸለ መዓልቲ ዝኸደ፡ ብዛዕባ ምንቅስቓስ “ይኣክልን” ድሕሪ ይኣክል ከ ናበይ፧ ከምኡ ውን ሃገራዊ ዕርቅን ምትካል ቁዋማዊ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታትን ብሰፊሑ ዘትዮምን ለበዋታቶም ኣቐሚጦምን። ብተወሳኺ ውን ኣብዚ ዕለት እዚ፡ እቶም ካብ 35 ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ዝመጹ ልዕሊ 90 ተወከልቲ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት፡ ናይ ምሉእ መዓልቲ ዕጹው ኣኼባ ብምግባር፡ ነዚ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ከመይ ኢልና ኣተሓሒዝና ናብ ቅድሚት ንወስዶ፧ ከመይ ዝበለ ናይ ሓባር መርሕነት ከ ይሃልወና፧ ኣብ ዝብሉ ወሰንቲ ኣርእስትታ፡ ብዑምቀት ዘትዮም። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ነቲ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ብዝሓየለ ክቕጽልዎን ተተሓሒዞም ክሰርሑን ብምውሳን ህዝባዊ ባይቶ ይኣክል ኤርትራውያን ተቐማጦ ሰሜን ኣሜሪካ ዝብል ናይ ሓባር መርሕነት ኣቚሞም ኣለዉ።

በዚ ኣጋጣሚ ኣካያዲት ሽማግለ ንኹሎም እቶም ነዚ ዕዉት ስራሕ ኣብ ሸትኡ ኣብ ምብጻሕ ብፍልጠቶን ንዋቶምን ጉልበቶምን ዘበርከቱ ኩሎም ኤርትራውያንን ዘለዋ ኣኽብሮትን ምስጋናን እንዳገለጸት ንገለገለ እቶም ኣብዚ ውሽጢ ሰለስተ ናይ ስራሕ ኣዋርሓ ዝፈጸመቶም ንኣሽቱ ጌጋታት ምሉእ ይቕሬታ እንዳሓተተት ነዚ ቃልሲ ዘለዋ ምሉእ ደገፍ ከም እንደገና ተረጋግጽ።

ኣወሃሃዲት ሽማግለ ምንቅስቓስ “ይኣክል” ብምኽንያት ግንቦት 24 ኤርትራውያን ተቐማጦ ሰሜን ኣሜሪካ
4 ሰነ 2019

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *