
ብናተይ ኣረዳድኣ ኤርትራውያን ን30 ዓመት ዝኣክል ብብረት
እተቃለስናሉ እዉጅ ዕላማ ንኤርትራ ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ
ኢትዮጵያ ነጻ ንምውጻእ ኢዩ ። ኣብ ሜዳ ብእተሰለፍና ግዳ ብድሕሪ
ናይ ነጻነት ፣ ሓርነታዊ ዝበሃል ቃልሲ እውን ከም ዘሎ ተነጊሩና ።
እቶም ናይ ዩኒቨርሲቲ ደረጃ ትምህርቲ ዝነበሮም መንእሰያት እኳ
ብዛዕባ’ዚ ጒዳይ እዚ ፣ ሓበሬታ ዝነበሮም ይመስለኒ ። ነቲ ዝበዝሔ
መንእሰይ ግን እዚ ሓበሬታ እዚ ንዓመታት ቃልሲ ዘናውሕ መርድእ
ኢዩ ነይሩ ። ምስ ትጽቢቱ ዝጻረር ሳዕቤን ከይህልዎ ኢሉ ስለ
ዘይሰግኤ ግዳ ብገርህነት ተቐቢሉዎ ። ድሕሪ ነጻነት ብፍላይ መሬት
መታሕት ከም መሬት ሻሻማነ ናይ ኢትዮጵያ ፣ ንሓርበኛታትን
ንመኰንናትን ንገባር ደገፍቲ ሻዕቢያን ክማሳሕ ፣ ክጣየስ ፣ ክዕደል
ብዝረኣየ ግዳ ብገርህነቱ ከም እተታለለ ተገንዚቡ ። ብናተይ ኣፍልጦ
፣ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ዝነበረትሉ ጊዜ
ኣውራጃዊ ፣ ወረዳዊ ፣ ቀቢላዊ ፣ እንዳዊ ፣ ዓዳዊ ወዘተ. . . ዶባት
ዝነበራ ሃገር ኢያ ። ሎሚ ግን ብዛዕባ እቶም መንግስቲ ኣብ ንሱ
ዝደለዮ ቦታታት ዘጣይሶም ዘሎ ሰባት ወግዒ ምስ ዝለዓል ፣ እዞም
ሰባት እዚኣቶም ኣብ ዋናታት ዘይነበርዎ ቦታታት ይጣየሱ ከም ዘለዉ
እዚ ከኣ ቅኑዕ ከም ዝኾነ ክገልጹ ይስምዑ ። ኣብ ኤርትራ ግን ዋና
ዘይነበሮ መሬት ነይሩ ዲዩ ? ንኣብነት ኣበይን ኣበይን ?
እወ ፣ ገለ ሰባት ነቲ ዶሚንያለ (ብቋንቋ ጥልያን መሬት መንግስቲ
ማለት ኢዩ) ዝበሃል ቦታታት ዋና ከም ዘይነበሮ ወይ ከም ዘይብሉ
ገይሮም ይገልጽዎ ። እዚ ግን ብዓመጽ ደኣ ተመንዚዑዎም እምበር ፣
ዋናታትስ ነይሮሙዎ ኢዮም ። መንግስቲ ጥልያን ምስ ተሳዕረ መሬት
ዶሚንያለ ኣብ ኢድ ታሪኻውያን ዋናታቱ ክምለስ ኢዩ ነይርዎ ።
ኮምኡ ግን ኣይተገረን ። እኳ ደኣ ንካልኦት ተዋሂቡ ። እዚ ተግባር
እዚ ግን ንሰላም ዘውሕስ ዲዩ ?
ኣብዚ ጊዜ’ዚ መንግስቲ ሕ.ግ.ደ.ፍ. ነቶም ንሱ ዝኣምኖም ወይ
ዘስግእዎ ዜጋታት ወይ ስድራቤታት ፣ ኣብቲ ንሱ ክህልዉዎ
ዝደልዮም ቦታታት ከጣይሶም ይርከብ ኣሎ ። እዚ ግን በደልዶ
ኣይኮነን ? ኣብዚ ጊዜ’ዚ ንነፍስወከፍ ስድራ ቤት ፣ ዓዲ ፣ ወረዳ ፣
ቀቢላ ፣ እንዳ ፣ „መሬትኪ ካበይ ክሳብ ናበይ ኣዩ ?“ እትብል ሕቶ
እንተነቕርበላ እንታይ ዝብል መልሲ ኮን ምረኸብና ? ኣብ ሓቅነትን
ቅንዕናን እተመርኰሰዶ ወይስ ምስኡ ዘይሳነ ? እቲ ንሕዝቢ ከበሳን
መታሕትን ኤርትራ ምትእምማን ሓድሕድ ክሊእዎም ዘሎ ቊጽሪ 1
ምኽንያት እምበኣር ዓው ኢልካ ዘይዝረበሉ ደኣ ኰይኑ’ምበር ፣ እዚ
ኣብ መሰል ዋንነት መሬት እተመርኰሰ ጒዳይ ኢዩ ።
ከም ኣብነት ብዛዕባ መሬት መንሳዕ ክዛረብ እንተደኣ ኰይነ ፣ መሬት
ሕዝቢ መንሳዕ „ሃይገት“ ተባሂላ ትጽዋዕ ። ብተዛማዲ ኣዘራርባ ኣብ
ጊዜ ባዕዳውያን ገዛእቲ ስፍሓታ ክንዲ ሰተታ ነይራ ፣ ሎሚ ኣብ ጊዜ
ነጻነት ግን ጸላኢኣ ይንኣስ ክንዲ መሽረፈት ንእሽትለይ ኰይና
ትርከብ ። እዚ ምንኣስ እዚ ግን ብዘይ ናይ ሕዝባ ስምምዕ ኢዩ
ተፈጺሙ ። ንምዃኑ ፣ ከምዚ ናይ ሕዝቢ መንሳዕ እተበደለ ካልእ
ሕዝብኸ ኣሎዶ ? መን ?
ሰበ ስልጣን ጥልያን ፣ ኣብ ኤርትራ ሓደ ሰብ ብዘይ ገለ ጸገም መሬት
ምእንቲ ክማሳሕ ፣ እንታይ ከማልእ ከም ዘለዎ ንምፍላጥ ብዝሓተቱ
፣ „ጓል ኤርትራ ክምርዖ ኣለዎ“ ዝብል መግለጺ ረኸቡ ። ስለዚ
ብመልክዔን ፣ ብጥዕናኤን ፣ ብጒልበተን እተመርጻ ኣዋልድ ኤርትራ
ንዓዲ ጥልያን ከይደን ከም ዝመሃራ ብድሕርዚ ንኢጣልያውያን
መኰንናት ከም ዝምርዓዋ ክገብሩ ተመደበ ። ገለ ካብ ዓበይትን
ለባማትን ኤርትራ ግዳ ነዚ መደብ እዚ ብትሪ ተቓወሙዎ ። ሓደ
ካብኣታቶም ንኣብነት ደጃች ሓጎስ ባህታ (ሰገነይቲ) ነበረ ።
ንሕዝቢ ኤርትራ እምበኣር ፣ ነዚ ካብ መድረኻዊ ጸገማቱ ዝዓበየ
ኰይኑ ዝስምዓኒ ናይ መሰል ዋንነት መሬት ጒዳይ ብልቦና ንኽጥምቶ
ብሰላማዊ ኣገባብ ከኣ ንኽፈትሖ ከሎ ገና ሎሚ ኣዘኻኽሮ ! ! !