አገዳሲ መጸዋዕታ ናብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራዉያን፡ ካብ ህዝባዊ ሓይሊ ዕማም ዋዕላ ጀነቫ

 

 

Image result for need action

መእተዊ፣
ጽባሕ እቲ ንናይ ሃገርና ልዑላዉነትን ነጻነትን አሕሊፍና፡ አይንህብን ዝብል ነድርን መርገጽን ናይ ህዝብና ዘቃልሔን፣ ነቲ ከብ
ህዝቢ ተኸዊሉ ዝካዬድ ዘሎ ሽርሕታት ዉልቀመላኺ ስርዓት ዝመከተን ንሕቡራት ሃገራትን መላእዓለምን መርገጺኡ ዝነጸረ ካብ ኩሉ
ኩርንዓት ዓለም ዝተሳተፍዎ ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ፣ አብ ታሪኻዊ መዓልቲ ሰዉራ ኤርትራ መስከረም ሓደ 2018 ዝተኻዬደ ህዝባዊ
ዋዕላ ብህዝቢ ዝተመርጸት ህዝባዊ ሓይሊ ዕማም ቆይማ።
መሰረታዊ ተልእኾአን ናይ ግዝዬ መዋእላን ብተኻታተሊ ክልተ ህዝባዊ መግለጺታት ዘርጊሓ ምንባራ ዝዝከር እዩ። ዳግም
ንምብራህ መሰረታዊ ተልእኹአ ነቲ አብ መላእ ዓለም ዝርከብ ናይ ኤርትራዉያን ህዝባዊ ቃልሲ ንምድልዳሉን ብክብ ዝበለ ደረጃ
ተጠርኒፉ ናብ አድማዒ ሓይሊ ንምስግጋሩን፣ አብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝካዬድ ቃልስታቱ ዘስምርን ዘወሃህድን ህዝባዊ ወኪልን ልኡኽን
ንምፍጣር እዩ። ህዝባዊ መዝነትን ቅቡልነትን ዘለዎ፣ ብህዝቢ ዝተመርጸትን ትሓታትነቱ ንህዝቢ ዝኾነን ልኡኽ ህዝቢ ንምቛም ናይ ኩልና
ንፍትሕን ሓርነትን ንቃለስ ኤርትራዉያን ሓላፍነት እዩ።
ህዝባዊ ሓይሊ ዕማም ጀነቫ ብመሰረት ዝተዋህባ ተልእኾ አድላይ መጽናዕትታት ከተካይድ ድሕሪ ምጽናሕ እንሆ ነዚ ዝስዕብ መደብ
ትግበራ ናብ ክቡር ህዝብና ነቕርብ።
1. ህዝባዊ ጥርናፈና አብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም አብ ንነብረሉ ቦታታት ምድልዳል። ብሰንኪ ሕሱም ምልካዊ መግዛእቲ
ህዝብና አብ ፈቐድኡዓለም ተበቲኑ አብ ዘለወሉ እዋን [ብቦታ] [ብከተማ] [ብአከባቢ]ደረጃ ኩሎም ንፍትሒ ዝቃለሱ
ኤርትራዉያን ምጥርናፍን አብ ሓደ መአዲ አብ ምድሓን ሃገሮምን ህዝቦምን ምስማርን፣ ንኹሉ እቲ ምልካዊ ስርዓት
ዝፈጠሮ ሽርሕታትን ምትላላትን ብምፍሻል፣ ኩሎም ኤርትራዉያን አብ ጎኒ ልዑላዊት ሃገርን ሓርነትን ህዝብን ንኽዓስሉ
ምስራሕ።
2. እቲ ብአካባቢ/ ከተማታት ዝተጠርነፈ አካላት፣ ብደረጃ ሃገር ንምጥርናፍ አብ ሓደ ማእከላይ ቦታ ወከልቶም ብምልአኽ፣
ብደረጃ ሃገር ዝዉክልዎም ይመርጹ። ዓቐን ናይ ሃገር ወከልቲ ከከምዓቐኑ ኮይኑ ካብ 7 ስጋብ 10 ይበጽሕ። ክሳብ
15/መጋቢት 2019 ወከልቲ ሃገራት ናይ ምምራጽ ስራሕ ንክዉዳእ ነማሕጽን።
3. እቶም ካብ ኩለን ሃገራት ዝተመርጹ ወከልቲ ሃገራት፣ አብ ማእከላይ ቦታ አብ ዝግበር ዋዕላ ተጋቢኦም፣ ሰፊሕ ናይ
ዓወት ዓቢ ስትራተጂ ዬጽድቑን ብክፍለዓለምን፡ ዓለምለኸን ደረጃ ህዝባዉያን ወከልትን ልኡኻትን ይመርጹ። እቶም
ናይ ዓለምለኸ ወከልትን ልኡኻትን፣ ብመሰረት ዝጸደቐ ዓቢ ስትራተጅን መደብን ንኹሉ ቃልስታት ዬወሃህዱን፣
ዕላዉያን አፈኛታትን ወከልትን ይኾኑን። አብ ኩሉ መድረኻት ይመርሑ። ቦታን ግዝዬን ዋዕላ አብ ተኸታታሊ
መግለጺታትን ክንሕብር ኢና።
ተወሳኺ፡
1. ነዚ አብላዕሊ ብሕጽር ዝበለ ተዘርዚሩ ዘሎ አገዳሲ ህዝባዊ ዕማም ንምስላጥን፣ ክንድቲ መድረኽ ዝጠልበና ፣
ሃገርናን ህዝብናን አብ ምድሓን ክንዕወት፣ መላእ ደላይ ፍትሒ ዉድባትን ማሕበርትን ምንቅስቓሳትን፣ እዚ ዋኒን
እዚ ከም ቀንዲ ዋኒኖም ክሕዝዎን አብ ምዕዋቱ ክትሓባበሩን ንጽዉዕ።
2. ኤርትራዊ ደንበ ፍትሕን ሓርነትን ሰሚሩን ተሓባቢሩን ሃገሩ አብ ምድሓን፣ ህዝባዊ ጥርናፈ ህዝባዊ ሓይሊ ፈጢሩ
ንኹሉ ዉዱብን ጥርኑፍን ትሕዝቶኡ አወሃሂዱ ምልክን ምልካዉነትን ብምልጋስ፣ ናብ ጥጡሕ ሰላማዊ ምስግጋር
ከምዝዉዕል ምግባር።
3. አብ ኤርትራ ከጋጥም ዝኽእል ምዕባሌታት ለዉጥታት፣ ሃገራዊ መጽናዕቲታትን ምድላዋትን ምግባር፣ ንኹሎም
ዓቕሚ ዘለዎም ምሁራት አበርክትኦም ብዝያዳ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ሰላማዊ ምስግጋርን ከምዝዉዕል ምግባር።
4. ነቶም ዝለዓለ ግዳያት ናይ ምልካዊ ስርዓት ዝኾኑ መንእሰያትን ደቂ አንስትዮን ዝያዳ አቓልቦ ምግባርን፣ ጸገማቶም
ብምፍታሕ አብ ሓርነታዊ ቃልሲ ሓቀኛ ቦታኦም ምሃብ።
አብ መደምደምታ፣
ሃገርናን ህዝብናን ብምድሓን ናይ መላእ ህዝብና ሓርነት ምርግጋጽ ናይ ኩልና ምኻኑ ዘጠራጥር አይኮነን።
በብዝመስለና ዓቢ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ ቃልሲ ይካዬድ ምህላዉ ርዱእ እዩ። ህዝባዊ ጥርናፈን ምቛም ዓለምለኻዊ
ህዝባዊ ወኪልን ንህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልስና ናብ ክብ ዝበለ ደረጃ ብምስግጋር ስሉጥን አድማዕን መንገዲ ብምኻኑ፣
ኩሎም አብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዘለዉ ኤርትራዉያን ክዉንንዎን፣ ድምጾምን ጻዕርታቶምን ብምስማር ምልክን
ምልካውዉነትን ንምዉጋድ ንበገስ። አብ ከባቢና ዝካዬድ ጥርናፌታት አደልዲልና፣ ናይ ሃገር ወከልትና ንምረጽ።
ንዝያዳ ሓበሬታ አድራሻና፡
ኢመይል ……abiyassu5@gmail.com….፠፠ ቴሌፎን 33 769467278፡ 39 3245980876፡ 47 94730411
44 7508050586። ዓወት ንህዝባዊ ጥርናፈን ምምራጽ ወከልቲ ህዝብን፣
ልዑላዊት ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንዘልአለም ትንበር፣ ህዝባ ብሕግን ፍትሕን ይናበር፣
ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉአትና፣
ህዝባዊ ሓይሊ ዕማም ጀነቫ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *