ዝገርም ጉዳይ ኣበድ ተስፋይ

Image result for eritrea isseyas snake on his head

እንተሃልዩ ሓደ መራሕ ሃገር ካብ ገጽ ህዝቢ እንተተኸዊሉ ኣብቲ ምልካዊ ስልጣኑ ኣሎ ንምባል ዝከኣል ኣይኮነን። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ካብ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ፡ካብ መሳርሕቱ ሚኒስተራት ፡ኣማሓደርቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት ፍጹም ተኸዊሉ ፡ምስ ሓለፍቲ ጸጥታ ናይቲ ሃገር ብጸቢብ መንገዲ ከም ዝራኸብ እዩ ዝስማዕ ዘሎ፡ስለምንታይ ካብ ገጽ ህዝብን መሳርሕቱን ተሓቢኡ ዝብል ሕቶ ክምለሽ ዘለዎ ይመስለኒ፡እቲ ጉዳይ ብሩህ እዩ፡ደቁ ንናጽነትን ልኡላውነትን ሃገር ዝኸፈለ ህዝቢ ብሃገሩ እናተዋገኻ ከመይ ጌርካ ገጹ ክትርኢ ትደፍር፡እቶም መሳርሕቱ ደሓን፡ንሱ ኣቐዲሙ ሓለውቲ ነብሱ ዝኾኑ ፍሉያት ሓይልታት ስለ ዘጥረየ ኸይግልብጡኒ ኢሉ ኣይስከፍን እዩ፡ነዚኣቶም ንእሽቶ ስጋ ኣብ ዓጽሚ እናደርበየ ነዚ ሓይልታት እዝን ሓለፍቱን ብኽንክን ብምሓዝ ነብሱ ክዕቅብ

ኪኢሉ እዩ፡ካልእ ሰራዊት ኣዘዝቶም ብብላዕ ዝተታሕዙ ጉዳይ ነብሶም ጥራይ ስለ ዘገድሶም፡እቲ ንሶም ዝእዝዝዎ ሓይሊ ተስፋ ዝቖረጸ ምችእቲ ናይ ህድማ መዓልቲ ዝጽበ እዩ፡ካብዚኦም ለውጢ ክትጽበ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ሕጂ ድማ ምእንቲ ጽርግ ኢሎም ክኸዱ ን4 ዓመት ብዘይ ዓስቢ ከገልግሉ ተነጊሩ ኣሎ፡ብቐደሙስ እንታይ ደሞዝ ነይሩዎም፡”ኣንታ ጾምካ ዝሓደርካ ሎሚ እውን ከም ትማልካ” እዩ ነገሩ።ሃገር ብዘይ ህዝቢ ብዘይ ሰራዊት ከም ትተርፍ ምግባር እምበኣር ነቶም ገፋዕትና ምቹእ መግዛእታዊ ማዕጾ ኣርሒኻ እተዉ ንምባል እዩ፡ ንሳቶም ክሳዕ ዘየእተዎም ካብ ገጽ ህዝቢ ኤርትራን መሳርሕቱ ዕንዝራታትን ተኸዊሉ ክጸንሕ እዩ።
ስለዚ ኤርትራ ንስሙ እውን እንተኾነ መንግስቲ ዘይብላ ንመሪሕነት ዶ/ር ኣቢይ ትጽበ ዘላ በጊዕ ኣውደኣመት ንምግባራ እዩ ጻዕሪ እቲ ክሓዲ ሃጸይ ክፍኣት፡እዚ መጋብር እዩ ድማ ካብ ገጽ ህዝቢ ኣጥፊኡዎ ዘሎ።ንሕና ደቀባት ኤርትራ ኸ ነዚ ውዲት ዘይንኸውን ህዝቢ ዲና፡ነቲ ካብ ገጽ ህዝቢ ጠፊኡ ዘሎ ገበነኛ ክሓዲ ካብ ገጽ ኤርትራ ዘይነጥፍኦ፡ኩሉሻዕ ክቕድመና ዕድል ምሃብ ከብቅዕ ኣለዎ፡ኢትዮጵያዊ እየ ወይ ትግራዋይ እየ ዝብል እንተኾይኑ ብሰላም ይኺድ፡ንሱ ግን ምስ ኢትዮጵያ ሓዊ ኣጒደልኩምየ ዝኸይድ ይብለና ስለ ዘሎ ነዚ ውዲት ኩሉ ኤርትራ ኣብ ምፍሻሉ እጃሙ ክገብር ይዕደም፡ሃገርና በጊዕ ዶ/ር ኣቢይ ካብ ምዃን ነድሕን እዚ ወድሓንኩም ኤርትራውያን ኣሕዋት።
ውድቀት ንተዋደይቲ
ዓውት ንሃገራውያን
ደለይቲ ለውጢ !!!
ኣበድ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *