ብማዕዶ ንተቓወምቲ ምሕማይ የብቅዕ ሑሱም ኣጀንዳ ህግደፍ ተሰይሩ ክነቅዕ

Image result for eritrea abu ashera images

ዝኸበርኩም ዝኸበርክን ብትውልዲ ኤርትራውያን የሕዋተይ ኣሓተይ ኤርትራ ሃገረ ሰማእታትና በዕጽምቶምን ብደሞምን  ከፊሎም ሃገር ዝገበርዋ እቲ ተንኮላት ናይ ኢሳያስ ብሰብዓታት ናይ ምትላል ዝጀመር እኖሆ ሎሚ ምቹእ ግዜ ተጸብዩ ንመንእሰያትና ኵናት ኣጊዱ ሓደ ፍርቂ ተካኢ ወለዶ ኣጽኒቱ፥ንስደት ከሙኡ ፍርቂ ተካኢ ወለዶ ኣሳፊሩ፥ ኤርትራ ካብ  ቤት ትምህርቲ ቤት ማእሰርቲ ዝበዝሔን ዝሰፍሔን ገይሩ ንኤርትራና ረሚሱዋ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ናይ ኣርቦኣታት ኣንድነት  ሓደ  ህዝቢ ኢና ዶብ ዓጋቲ ኣየድልየናን  ቀደም ሓደ ኢና ኔርና ኣጥፊእናዮ ኔርና ሕጂ ግን መሊስናዮ ኣሎና ክብል ከሎ ንቓልሲ ኣማኢታት ኣሻሓት ዝበልዔ ናይ ሂወት መስዋእቲ ንብላሽ ይገብረናሎ።

ንህዝቢ ኤርትራ ብንሱ ንሕና ንሕና ንሱ ዝብል ዕውር ዴጌፈታ ኣስኪርዎ  ንምልእቲ ሃገር ኣብ ታስኪኑ የእትዩ ይሕውሰና ኣሎ።

ኢትዮጵያ ባሕሪ ዘይብላ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ክትምስርት ተኣንጎት ተሸብሸብ ይብሉ ኣለው፤ ሎሚ ንሕና ኤርትራውያን ከምሰብ

ብጻልጣ ኣዛራርባ ከም ጥሪት ኢሳያስ ከይ ኮና ከም ሰብ ሎሚ ተቃወምትን ደገፍትን ዝባሃለሉ መድረ ስለ ዘይ ኮነ ክንልብም ይግባኣና ሓድነትና ኣደልዲልና ነዚ መንእሰይ ሃገካን ሓላፍነትካን ተረከብ ኢልና ሓዲሽ  ናይ ቃልሲ መድሚድና መንእሰያትና ነሳትፍ ።

ነዚ ሓደጋዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ኣብ መግዛእቲ ባዕዳውያን ከይ ኣተና ከይ ተቖረና  ከለና ነዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞኩራሲያዊ ለውጢ ንኻላኣይ ግባኤኡ ዝሻባሸብ ዘሎ ክሉ ውድባትን ሰልፍታትን ማሕበራት ስቢክ ሶሳይትን ሙሁራትን ኣበይቲ ዓድን መራህቲ ሃይማኖታት ኣቕሺሽትን መሻይክን  ክታ እቲ ኩሉ ደርብታት ምስሊ ኤርታና ዝሳተፎ ክንገብሮ ኣሎና ።

ነዚ ዝዕለመ ኢየ ኻኣ  ናይዛ ጽሕፍቲ መልእኽቲ መሪጸያ  ብተሳትፎን ብምስራሕን ኢዩ ለውጢ ዝመጽእ እምበር ዝትኮቦልካ መቐይሮ ለውጢ ኣይ መጽእን ኢዩ።

በዚ መገዲዚ ኣብዚ ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ተሳቲፍና ካብ ሓመይቲ ንኸውን ብተሳትፎ  ሓላፍነት ክስከም መንእሰያትና  ንጽዓር  ሎሚ ሙርኩስ ሒዝካ ኣይ ምራሕን ኢዩ እቲ መሪሕነት ንባዓል ብርክን ንባዓል ተዓጻጻፊ ናይ ተክነሎጂ ኣፍልጦ ዝውንን  ተማእኪሉን ተሳማሚዑን ብሕጊ ዝግዛእን ክብሪ ናይ ወድሰብ ዝሕሉን  ሰብ ዓቕምታት ነናዲ ሎሚ ዓበይቲ ታራና ብድሕሪኦም ኬና ኣጆኹም ንበሎም ክንብሎም ካኣ ይግባዩ።

እዚ ዝብሎ ዘለኹ ንኹሉና ጠቕሚ ዝሕሉ ኢዩ ድሕሪ ጉባኤ ኤሃባዲለ ENCDC  እተን ሰራዊት ኣሎና ዝብላ ውድባት እቲ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ባይቶ ክኸውን ዘለዎ ናይ ውድባት ሰራዊት ኮይኑ እንተተሪፉ ከምዚ ናይ ኢሳያስ በትሪ ስልጣን መዳያይቦ መሕኮሪ ኮይኑ ኮይኑ ኢዩ ክተርፍ ሪእናዮ ኢና ኣብ ሜዳ ውድባት ሰሰራዊተን ስለ ዝወነና ተፋሊሱ ክንደይ ኣሻሓት ኑጹሃት ኢና ከሲርና።

ስለዚ ነዚ ኣብ ግባኤ እንተደይ ኣስሚርናሉ ናብ ሓድጋ ክንሳጣሕ ኢና ቅድሚ ዛገረ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ሰራዊት ናይ ዶብን ናይ ሕግን ናይ ለውጥን ክውንን ኣለዎ፥ ክሰርሕ እንተዳ ኮይኑ ስራዊት ክውንን ኣለዎ።

ካልእ መራሒ ውድብ ዂንካ መራሒ ባይቶ ምዃን ኣይካኣልን ኢዩ፣ምኽንያቱ ንውዱቡ ድዩ ክሰርሕ ዋላስ ንባይቶ ኢዩ ክሰርሕ።እዚ ውን ሓሲብና ክንጓዓዝ ኣሎና !!!!

ዓወት ንመስርሕ ኤሃባዲለ ENCDC

ፍሽለትን ዕንወትን ኣብ ርእሲ ኤርትራ ጥልመት ዝግበር ዘሎ

ሞትን ዕንወትን ንስርዓት ህግደፍ

ካብ ገብሪሂወት ኣቡ ዓሸራ  December 12/2018

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *