ሓይልታት ፋኖ ‘ሰለይቲ’ ዝበሉወን ሰለስተ ደቀንስትዮ ከም ዝቐተሉ ኣረጋጊጾም

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cly9vvxe4lwo

3 ጥሪ 2026, 09:30 EAT

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ወረዳ ደብረ ኤልያስ፡ ሰለስተ ደቀንስትዮ ኣብቲ ከባቢ ብዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ፋኖ ተቐቲለን ተረኺበን።

ኣባል ማእከላይ እዚ ሓይሊ ብሄራዊ ሓይሊ ኣምሓራ ፋኖ ኣቶ ኣስረስ ማሬ ዳምጤ እቲ ቅትለት ከም ዝተፈጸመ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ፤ እቲ ስጕምቲ ግን እተን ሰለስተ ደቀንስትዮ “ንጸላኢ ክስልላ ተረኺበን፡” ብምባል ከምዝተፈጸመ ገሊጹ።

ኣመሓደርቲ ወረዳ ደብረ ኤልያስ ብወገኖም እቶም ዕጡቓት ኣብ “መዓልታዊ ዕዮ” ዝተዋፈራ ደቀንስትዮ ከም ዝቐተሉን ሓንቲ ካብአን “ጸገም ምስማዕ ዝነበራ” ምዃና ብምጥቃስ ነቶም ዕጡቓት ከሲሶም።

ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝሃበ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን’ቲ ወረዳ ኣቶ ደሚስ ኣለኽነ፡ ብሰሉስ 21 ታሕሳስ 2018 [ኣ.ግ] ካብ ከተማ ደብረ ኤልያስ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ “ጥጃ ጎተር መገንጠያ” ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፡ ካብ 17 ክሳብ 19 ዓመት ዝዕድመአን ሰለስተ ደቀንስትዮ ተቐቲለን ከም ዝተረኽባ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ሓይልታት ጸጥታ እቲ ወረዳ ካብ ነበርቲ ሓበሬታ ምስ ተሰምዐ ሬሳታት እተን ሰለስተ ደቀንስትዮ ከም ዝረኸቡ ሓላፊ ርክብ መንግስቲ’ቲ ወረዳ ኣቶ ሙላት ሙንየ ገሊጹ።

ኣቶ ሙላት ዝሃቦ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፡ እቲ ሬሳታት ዝተረኽበሉ ከባቢ “ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እቶም ዕጡቓት” ዝርከብ እዩ ነይሩ።

“[እቲ ከባቢ] ካብ ቍጽጽር መንግስቲ ወጻኢ’ዩ፣ ዕጡቓት ዝቘጻጸርዎ ከባቢ’ዩ። በቲ ከባቢ ካብ ዝሓልፍ ሰብ ‘ሰለስተ ቈልዑ ብጥይት ተሃሪመን ተቐቲለን፤ ኣብ ርእሰን እየን ተሃሪመን’ ዝብል ሓበሬታ ምስ በጽሐ፡ ሓይልታት ጸጥታ ከይዶም ነቲ ሬሳታት ኣምጺኦም፡ ንስድራቤተን ኣረኪቦምዎ፡” ይብል።

ነዚ ዘረጋግጸ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ደምስ ብወገኑ፡ እተን ደቀንስትዮ “ብጥይት ተሃሪመን ተቐጥቂጠን ከም ዝሞታ” ገሊጹ፤ “ዝተፈላለየ ተግባራት ጾታዊ ዓመጽ’ውን በጺሑወን’ዩ፡” ክብል ከሲሱ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *