
ኣብ መንጎ ሶማልያን ኢትዮጵያን ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ዘይምስምማዕ ናብ ቅልውላው ገጹ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ሰነ ሶማልያ ንዅሎም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብቲ ንነዊሕ እዋን ኣንጻር ኣል-ሸባብ ዝበሃል ጂሃዳዊ ጕጅለ ዞባዊ ኲናት መሪሖም ዝጸንሑሉ ዞባኣ ከም እትሰጕጎም ኣፈራርሀት። ኣብ ጥቅምቲ ሶማልያ ምስ ግብጽን ኤርትራን ወተሃደራዊ ኪዳን መስሪታ ነበረት ከመይሲ ሓለቓ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንመንግስቲ ሶማል ዝጻረሩ ጕጅለታት ኣጽዋር ብዛዕባ ምጥቃም ብግህዶ ይሓስብ ነበረ። ብዙሓት ሰባት እቲ ውጥረት ናይ ውክልና ኲናት ከለዓዕልን ካልኦት ኣብቲ ኸባቢ ዝርከባ ሓይልታት ክስሕብን ወይ ከኣ ኣል-ሸባብ ክምዝምዞ ዝኽእል ናይ ጸጥታ ባዶነት ክፈጥር ይኽእል ኢዩ ዝብል ፍርሂ ነበሮም።