ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ንዑደት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ንጉዳይ ‘ኣፍደገ ባሕሪ’ ኣምሲላ ካልእ ትርጉም ትህቦ ምህላዋ ትኸስስ

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cp9kzp44rkyo

26 ሕዳር 2025

ዝተመሓየሸ 28 ሕዳር 2025

ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምብጻሕ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንኻልእ መዓላ ይጥቀመሉ ከም ዘሎ ወቒሱ።

ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ወጻእተኛታት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብሩዎ “ንቡርን ስሩዕን” ምብጻሕ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ንዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ “ዘነጽርን ሓያል ድፍኢትን” ከም ምዃኑ ኣምሲሉ ብምቕራብ ካልእ ትርጕም ይህቦ ከም ዘሎ ከሲሱ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ንምብጻሕ ኣዛዚ እዚ ኣፍሪቃ ጀነራል ዳግቪን ኣንደርሰን ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪን ጠለባት ኢትዮጵያን ከም ዝተዘራረበ ሓቢሩ ነይሩ።

ጀነራል ኣንደርሰን ምስ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኢታማጆር ሹም ፊልድማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ ንተራ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ተቕርቦ ዘላ ጠለባትን ከም ዝተመያየጠ እዩ እቲ ጸብጻብ ኢትዮጵያ ዝጠቅስ።

“ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ክረክብ ንትገብሮ ዘላ ኣገባብ ከም ዝድግፍ” ምግላጹ’ውን መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ክገልጻ ቀንየን።

“እቲ ኣመሪካዊ ኣዛዚ እዚ ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ብምእታዉ ዝያዳ ንሰላም እቲ ዞባ ክትሰርሕ ትእኽል’ያ ኢሉ ከም ዝኣምን ገሊጹ፡” ክብል’ውን እቲ ጸብጻባት ወሲኹ ይገልጽ።

ምኒስተር የማነ፡ ሓቀኛ ዑደት ናይ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፡ ኣመሪካዊ ኣዛዚ እዚ ኣፍሪቃ (ኣፍሪኮም)፡ ከምኡ’ውን ዕጡቕ ሓይሊ ፈረንሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።

ኢትዮጵያ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኮነ ካልኦት ሃገራት ሕጋዊ መንገዲታት ውዕል ንግዲ ብምክያድ ቍጠባዊ ዝምድና ክትሃንጽ ከም እትኽእል ብምግላጽ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ልዑላውያን ሃገራት ምምናይ ግን ሓደገኛ፡ ንልዑላውነትን ዶባትን ጐረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ ኣብ ስግኣት ዘእቱ፡ ከምኡ’ውን ኣንጻር ኣህግራዊ ሕጊ፡ ቻርተር ሕቡራትን ሃገራትን ቅዋም ሕብረት ኤውሮጵያን ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *