ብዝሒ ሰባት ብምጽዓን ክብረ-ወሰን ዝሰበረት ጃልባ ዓዲ-እንግሊዝ ኣትያ

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/c4gk47852d0o

125 ሰባት ጽዒና ብመትረብ እንግሊዝ ዝተጓዕዘት ንእሽቶ ጃልባ፡ ኣብ ታሪኽ ጕዕዞ ስደተኛታት – ኣብዚ መትረብ – ብዝጸዓነቶም ብዝሒ ቀዳመይቲ ብምዃን ክብረ-ወሰን ሰይራ።

ኣብ ነሓሰ ናይዚ ዓመት 106 ሰባት ጽዒና ዓዲ-እንግሊዝ ዝኣተወት እያ ቀዳመይቲ ኰይና ጸኒሓ።

ካብ ቤትጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ዝተረኽበ ኣሃዛት ከም ዘመልክቶ፡ ብሰንበት 28 መስከረም ብጠቕላላ 895 ስደተኛታት ብ12 ጀላቡ ነዚ መትረብ ክሰግሩ እንከለዉ፡ ካብ መጀመርታ 2025 ጀሚሩ ኣስታት 33,000 ሰባት ክሰግሩ ክኢሎም።

እዚ ክብረ-ወሰን ዝሰበረ ጕዕዞ፡ ሬሳ ሓደ ስደተኛ ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ኣብ ጥቓ ቡሎን ሱር-መር ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ብሰንበት ንግሆ መይቱ ድሕሪ ምርካቡ ዝሰዓበ ምዃኑ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ማዕከና ዜና ፈረንሳ መንእሰይ ምዃኑ እኳ እንተ ገለጻ፡ ልክዕ ዕድመኡን ዜግነቱን ግና ኣይተረጋገጸን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *