
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cvgn677vy7po
18 መስከረም 2025
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ እስርቲ ጂኦግራፊ ኰይና ከምዘይትተረፍን፡ኣፍደገ ባሕሪ መሊሳ ከምእትረክብን ተሓንዩ።
እቲ ቀዳማይ ምኒሰተር፡ ብ16 መስከረም 2025፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ‘የመደመር መንግስት’ [መንግስቲ ምድማር]፡ ዝብል ራብዓይ መጽሓፉ ኣብ ዘመረቐሉ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስመዖ መደረ እዩ ከምኡ ኢሉ።
ኣብቲ ብጭብጨባን ልዑል ድምጺ ደገፍን ዝተዓጀበ፡ ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕርን መእተዊ ኣፍደገ ባሕርን ዘተኰረ መደረኡ፡ ብፍላይ ድማ ‘ቀይሕ ባሕሪ ናብ ኢትዮጵያ ምምላሱ ዘይተርፍ’ ምዃኑ ተዛሪቡ።
“ኢትዮጵያ ንዘልኣለም እስርቲ መልከዓ-ምድሪ [ጂኦግራፊ] ኰይና ክትነብር እያ ኢሉ ዝሓስብ ኢትዮጵያዊ እንተሃልዩ፡ ብደው ዝሞተ ‘ዩ።”
ኤርትራ፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ ኣብ 1991 ካብ ጐበጣ ኢትዮጵያ ሓራ ወጺኣ፡ ኣብ 1993 ድማ ብሕጊ ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ናጻ ሃገር ኰይና ማዕረ ካልኦት ሃገራት ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ተሰሪዓ።
ድሕሪ እቲ ነዊሕ ሓርነታዊ ደማዊ ኲናት ሒዛቶ ዝተነጸለት ወደብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ‘ዋነንነቱ ናብ ኢትዮጵያ ክንመልሶ ኢና’፤ ዝብል ዘረባ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ካልኦት ሰብስልጣናትን ጠንቂ ዞባዊ ስግኣትን ግጭትን ካብ ዝኸውን ጸኒሑ እዩ።
ንሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ፡”ስለምንታይ ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ምሕታት የሕፍር?” ኢሉ ካብ ዝዛረብ ኣትሒዙ፡ ደጋጊሙ ተመሳሳሊ ቅዲ ዝሓዘ መልእኽቲ ከመሓላላፍ ተሰሚዑ ኣሎ።
ኣብ ኲናት ትግራይ ብሓንሳብ ዝተሰለፉ፡ መንግስታት ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ብፍላይ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶሪያ ዝምድናኦም ሻሕኪሩ እዩ።
እዚ ብዝተፈላለዩ ሰበስልጣናት መንግስቲ ኢትዮጵያን ነቲ መንግስቲ ቅርበት ዘለዎም ፖለቲከኛታት ክደጋገም ዝጸንሐ ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ፡ ኣብ ምረቓ ዓቢይ ህዳሰ ግድብ፡እቲ ቀዳማይ ምኒስተር “እቲ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝተፈጥረ ጌጋ፡ ጽባሕ ክእረም እዩ፡” ብምባል መሊሱ ነቲ ዝጸንሐ ኵነታት ኣጋዲድዎ እዩ።
ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ-ባሕሪ ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺታት “ክሕሰብ ወይ ክስገር ዘይብሉ ቀይሕ መስመር እዩ” ብምባል “ግጉይን ሓላፍነት ዝጐደሎን’ዩ” ክብል ነቒፉ።
“ናብቲ ዝሓለፈ ጸሊም ምዕራፍ ዘመናዊ ታሪኽ ክልቲአን ሃገራት ተመሊሶም’ውን፡ ናይ ጎበጣ እዋን ይውድሱ ኣለዉ” ክብል ምኒስተር የማነ ገብረመስቀል ምላሽ ምሃቡ ይዝከር።