Ethiopia outfoxes Egypt over the Nile’s waters with its mighty dam ምዝዛም ግድብ ህዳሰ፡ ልዕልና ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ ዘመልክት ድዩ?

https://www.bbc.com/news/articles/cz71zndj001o

ኢትዮጵያ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዲፕሎማስያዊ መድረኽ ንግብጺ ድሕሪ ምብዳሃ፡ እቲ ሓደ ካብ ዓበይቲ ግድባት ዓለም ዝዀነን ኣብቲ ዝነውሓ ሩባ ኣባይ ዝተሃንጸን ግድብ ብወግዒ ከተመርቕ ተዳልያ ኣላ።

እዚ ፍጻመ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ንግብጺ ዘልኣለማዊ ውሕስና ክኸውን ዘጽደቐቶ ሕጊ ግብኣተ-መሬቱ ዘርኢ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ኣብ ደገ ‘ብሉ ናይል’፡ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ሩባ ኣባይ እናተብሃለ ኣብ ዝፍለጥ ተፋሰስ ዝተሃንፀ ግድብ፡ ብ 5 ቢልዮን ዶላር ( 3 ቢልዮን ፓውንድ) ወፃኢታት ዝተሃንጸ ዀይኑ፡ ብግምት ክንዲ ‘ግሬት ለንደን’ ዝሽፍን ማይ ዘዕቍር እዩ።

እዚ ዓቢ ስራሕ፡ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብዓሌታዊነት ዝተመቓቐለ፣ ዝተዓብለለን ኣብ ግጭት ዝጠሓለን ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘቀራርብ ‘ሓድነት’ ዘፅንዕ ተገይሩ ይእመን።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመደበሩ፡ ኣብ ማእከል ኢንስቲትዩት ፎር ሴኲሪቲ ስታዲስ [ISS] ተንታኒ ጸጥታ ዝዀነ፡ ሙሴ ክሪስፑስ ኦኬሎ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኢትዮጵያውያን እቲ ቀንዲ ምግቦም ዝዀነ እንጀራ ብኸመይ ከም ዝበልዑዎ ከይተረፈ ዘይክሳነዩ ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም፣ እንተዀነ ኣብ ጉዳይ እዚ ግድብ ግን ከም ሓደ ‘ዮም ዝሓስቡ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *