ኤርትራ፡ ንልዕሊ 20 ዓመት ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝርከቡ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cvgv8y9pdgmo

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ክርስትና ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ክፍትሑ ዝጽውዕ ሰልፍታትን ጸሎትን ክካየድ ን22 ነሓሰ ይጽውዓ ኣለዋ።

እቶም ኣቕሽሽትን ፓስተራትን ኣባላት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶን ወንጌላውያንን ኰይኖም፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።

ካብቶም ሸውዓተ እሱራት፡ እቶም ሽዱሽተ ካብ 2004 ኣትሒዞም ኣብ ትሕቲ “ዘስካሕክሕ” ማእሰርቲ ከም ዝርከቡን ኣብ 2005 ካልእ ሓደ ሰብ ከም ዝተጸንበሮምን እቶም ተጣበቕቲ ጕጅለታት ይገልጹ።

ካብቲ ግዜ’ቲ ኣትሒዞም ድማ ኣብቲ ኮምሽን ኣህጉራዊ ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣመሪካ (USCIRF)፡ ሓደ ካብ “ኣረሜናዊ” ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ኢሉ ዝገለጾ “ወንጀል መርመራ” ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

ቀሺ ገብረመድህን ገብረጊዮርጊስ፡ ቀሺ ዶክተር ፍጹም ገብረንጉስን ቀሺ ዶክተር ተኽለኣብ መንግስትኣብን ካብ ሕዳር 2004 ኣትሒዞም ካብ ዝእሰሩ ናብ ቤትፍርዲ ኰነ ጠበቓ ኣይቀረቡን።

ኣብ ሆስፒታል ቅድስቲ ማርያም ኣስመራ እቲ እንኮ ‘ሳይካትሪስት’ ዝነበረ ቀሺ ዶ/ር ፍጹም ኣቦ ሓደ ውሉድ ኰይኑ፡ ሰበይቱ ሓሚማትሉ ኣብ ዝነበረት ክርእያ ይዅን ኣብ ቀብራ ክርከብ ኣይተፈቕደሉን። ከምኡ’ውን፡ ብዓልቲ-ቤት ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ክኢላ ስነመለኮትን ሓላፊ ትምህርትታት ሰንበትን ዝነበረ ቀሺ ገብረመድህን ሰለስተ ውሉዳት ሓዲጋ ብሰነ 2022 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ።

ብዓልቲ-ቤት ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ ዝዀነት ውቤ ካሕሳይ ምስ ደቁ ሃና፡ ሰሳይትን ረድኤትን ምእንቲ ድሕነተን ክብላ ካብ ሃገር ወጺአን ኣብ ወጻኢ ይርከባ። ኣቦአን ክእሰር እንከሎ ዕድመአን 6፡ 4ን 1ን ነይሩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *