ንኤርትራ ክጸሉ ዝኽእል ሓድሽ መደብ ቪዛ ኣመሪካ እንታይ እዩ?What is the new US visa program that can affect Eritrea?

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cx2q75q8lvqo

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ነቲ በጻሕቲ ልዕሊ ዝተወሰነሎም ግዜ ኣብታ ሃገር ዝጸንሕሉ ኵነታት ንምቅላስ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ፡ ሓድሽ ፈተነኣዊ መደብ መስርሕ ቪዛ ከተኣታቱ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እዚ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ዝጅምር ፈተነኣዊ መደብ፡ ንዝተወሰኑ ቪዛታት በጻሕትን ንግድን ክሳብ 15,000 ዶላር ቦንድ ክሓትት ከም ዝኽእል ሰኑይ 4 ነሓሰ ንዝወጽአ መንግስታዊ መግለጺ ጠቒሱ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እዚ መደብ፡ ኣብተን ዜጋታተን ልዕሊ ዝተፈቕደሎም ግዜ ኣንዊሖም ብምጽናሕ ብፍሉይ ዝተመዝገባ ሃገራት ከተግብራ – ቦንድ ከስገድዳ – ንኣብያተ ጽሕፈት ቈንስላት ኣመሪካ ፍሉይ ስልጣን ዝህብ ምዃኑ ምልክታ ቤትጽሕፈት ፈደራል መዝገብ ኣመሪካ ይሕብር።

ብዘይካ’ዚ፡ ድሕረባይታን ሰነድ መዝገብ ገበንን ካልእን ዜጋታተን ኣብ ምጽራይ ትሑት ብቕዓት ከም ዘለወን ኣብ ዝተመደባ ሃገራት እውን መስርሕ ቦንድ ክትግበር ምዃኑ እቲ ምልክታ ወሲኹ የነጽር።

ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ቀንዲ ቀዳምነታት ምምሕዳሩ ንዘይሕጋዊ ስደት ንምቅላስን ኣድለይቲ ስጕምቲታት ዝበሎም ምውሳድን ምዃኑ ብምምልካት፡ ዶብ ንምውሓስ ዘኽእል ጸጋታት ብምዕባይ ኣብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንዝነብሩ ሰባት ምእሳርን ምጥራዝን ከተግብር ምዃኑ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *