Breakin news ኣብ ምዕራብ ጎንደር ብውሕዱ 16 መራሕቲ መካይን ኣብ ሓደ መዓልቲ ተቐቲሎም

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cx208zrl0k2o

ክልል ኣምሓራ፡ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ብጐንፂ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት ፀጥታን ዝሕመስ ዘሎ ክልል ኰይኑ፡ ነበርቲ ወፊሮም ብሰላም ዘይኣትዉሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣብቲ ክልል ዘይሕጋዊ መቕተልቲ፣ ማእሰርተን መጭወይትን ብሰፊሑ ከምዝፍፀም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልፁ።

ኣብዚ ሰሙን፡ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 16 መራሕቲ መካይን ክቕተሉ እንከለዉ ቁፅሮም ዘይተፈልጠ ድማ ከምዝተጨውዩ ምምሕዳር እቲ ከባቢን ማሕበር መራሕቲ መካይንን ገሊፆም።

ኣብቲ ፍሉይ ስሙ ‘መቃ’ ብዝብል ዝፍለጥ ኣብ ወረዳ መተማ፡ 16 ሰነ 2017 ዓ.ም ከባቢ ሰዓት 11፡30 ኣጋ ምሸት፡ ብ “ዕጡቓት ቅማንት” ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንጹሃት ተሳፈርትን መራሕቲ መካይንን ከምዝተቐትሉ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ገሊጹ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *