
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/clyg0d1kggdo
4 ሰነ 2025, 07:43 EAT
ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክስታትን ነቐፌታታትን ዝሓዘለ እንካን ሃባን ክስማዕ ጸኒሑ’ሎ።
ነቲ ብፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተሰምዐ መግለጺ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ምላሽ ሂባትሉ ነይራ።
ዓይሻ መሓመድ ብቐዳም 31 ግንቦት 2025 ምስ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት፡ “ሃገር ኢልካ ንኽትጽውዐን ዘጸግማ ሃገራት ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክንድ’ዚ ክዛረባ ምፍታነን ዝተለምደ ባህሪ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡” ክትብል ናብ ኤርትራ ዘነጻጸረ ዝመስል ምላሽ ሂባ።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ብወገኑ ኢትዮጵያ ብልቓሕ ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብን ንድኻታት ሃገራት ዝግበር ድጐማን’ያ ትነብር ክብል ቀጥታዊ መልሲ ሂቡ።
“ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ሰልፊ ብልጽግና ደገፍቲን/ዘለፍቲ ዝዀነ ናይ ኤርትራን ኵሉ ኤርትራዊን ኣብ ምክፋእ ተጸሚዶም ኣለዉ” ይብል ሚኒስተር የማነ ኣብ ኤክስ ዘውጽኦ መግለጺ።