ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፡ ‘ሰላም ምስ ኩላትኩም ይኹን’Cardinal Robert Prevost, whose papal name will be Pope Leo XIV, will make history as the first American pope

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/clyglg9907jo

ኣመሪካዊ ካርዲናል ሮበርት ፕሪቮስት ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓለም ኮይኖም ተመሪጾም።

ካብ ቤተ ጸሎት ሲስቲን ዝርከብ መውጽኢ ትኪ ጻዕዳ ትኪ ድሕሪ ምውጽኡ ነቶም ኣብ መበል 88 ዓመቶም ዝዓረፉ ኣቡነ ፍራንሲስ ዝትክእ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ከምዝተመርጸ ንዓለም ኣበሲሩ።

እቶም ሓድሽ መራሒ እታ ቤተክርስትያን ‘ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14’ ዝብል ስም መሪጾም ኣለዉ።

እዞም ወዲ 69 ዓመት ብቋንቋ ጣልያን ነቶም ምሉእ መዓልቲ ተኣኪቦም ዕልል ዝበሉ ዝነበረ መደረ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ሰላም ምስ ኩላትኩም ይኹን” ብምባል’ዮም ምስ ዓለም ተላልዮም ዘለዉ።

“ኣሕዋትን ኣሓትን ፍቑራት እዚ ናይ መጀመርታ ሰላምታ ክርስቶስ ዝተንሥአ እዩ። ንቤተሰብኩም ኩልኹም ኣብ ዝሃለኹሞ ክበጽሕ ናይ ሰላም ሰላምታ ከቕርብ እፈቱ። ሰላም ምሳኹም ይኹን።”

“ደቂ ሰባት ብኣምላኽን ፍቕሩን ክበጽሖ ክርስቶስ ከም ድልድል የድልዮ። ሓግዙና፡ ንሓድሕድና ድማ ንተሓጋገዙ፡ ድልድል ንህነጽ” ክብሉ ተማሕጺኖም።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ኪር ስታርመርን ዝርከብዎም መራሕቲ ዓለም ነቶም ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ዘለዎም ሰናይ ትምኒት ገሊጾም ገሊጾም ኣለዉ።

እዞም ፈላሚ ኣመሪካዊ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኮይኖም ዘለዉ መንፈሳዊ መራሒ፡ ዜግነት ሃገረ ፐሩ ዘለዎም ኮይኖም ኣብታ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉን እዮም።

ኣመሪካውያንን ፐሩያውንን ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ሓጎሶምን ሓበኖምን ይገልጹ ኣለዉ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *