Russia vetoes UN Security Council action on Sudan war ሩስያ ኣብ ኲናት ሱዳን ንዝወሰዶ ስጉምቲ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ቬቶ ገይራ

18 ሕዳር 2012(ድምፂ ወያነ) ሩስያ ነቲ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝጸንሐ ረቂቕ ውሳኔ ብቬቶ ገይራቶ።
ቻይና ሓዊሱ ካልኦት ኩለን ሃገራት ናይቲ 15 ኣባላት ዝሓቖፈ ቤት ምኽሪ ነቲ ብብሪጣንያን ሴራሊዮንን ዝተነድፈ ስጉምቲ ደጊፈንኦ።
ሩስያ እታ እንኮ ኣባል ኮይና ኣንጻሩ ዘድመጸት ኮይና፡ እዚ ስጉምቲ እዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዴቪድ ላሚ “ረሳሕ፡ ጽዩፍን ሲኒካውን” እዩ ዝበለን ነቶም ዝዋግኡ ወገናት ብዘይ መቕጻዕቲ ክዋስኡ ከምዝኽእሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ኲናት ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን ቅድሚ ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንምስግጋር ካብ ዝነበረ ናይ ስልጣን ቃልሲ ዝተላዕለ ኮይኑ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ቅልውላው ምዝንባል ኣበጊሱ።
እቲ ረቂቕ ውሳነ፡ እቶም ኣብቲ ግጭት ዘለዉ ወገናት “ቅልጡፍ ተጻብኦታት ደው ከብሉን፡ ብጽቡቕ ድሌት ኣብ ዘተ ክዋፈሩን፡ ብህጹጽ ሃገራዊ ተኹሲ ደው ምባል ንምስምማዕ ዝዓለመ ነቲ ግጭት ንምንካይ ዝሕግዙ ስጉምትታት ክሰማምዑን” ጸዊዑ።

ብተወሳኺ ሰብኣዊ ዕረፍቲን ምድላዋትን ንምስምማዕ ኣብ ዝርርብ ክዋፈሩ፣ ሰላማውያን ሰባት ውሑስ ምሕላፍ ምርግጋፅን እኹል ሰብኣዊ ሓገዝን ካልኦት ስጉምትታት ንምርግጋፅን ፀዊዑ።
ሩስያ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢዳ ከተእቱ ፈቲና ክትብል ከሲሳ።
ምክትል ኣምባሳደር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሩስያ ዲሚትሪ ፖሊያንስኪ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብ ሱዳን ዘሎ ግጭት ቅልጡፍ ፍታሕ ከምዘድሊ ምስ ኩሎም መሳርሕቲ ባይቶ ጸጥታ ንሰማማዕ ኢና። ነዚ ንምዕዋት እቲ እንኮ መንገዲ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ተኹሲ ደው ምባል ምስምምዑ ምዃኑ’ውን ንጹር’ዩ” ኢሉ

Reuters link

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *