
ሐጺር ታሪል ኣቶ ብርሀነ ኣብርሀ
ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ኣብ 1945 ተወሊዱ፡ ኣብ ኤርትራ ድሒሩ ኣብ ኢትዮጵያ ተማሂሩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዪኒቨርሲቲ ቀዳማይ ዲግሪ ረኺቡ። ኣብ 1972 ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኢሊኖይ ዪኒቨርሲቲ ብቍጠባዊ ምህንድስና ብማስተርስ ተመሪቑ፤ ብድሕሪኡ ኣብ 1975 ናብ ሰውራ ኤርትራ ተሰሊፉ።
ኣብ እዋን ቃልሲ ኣብ ዝተፈላለየ ላዕለዋይ ጽፍሕታት ድሕሪ ኣገልጊሉ፤ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዳይረክተር ማክሮፖሊሲ ኤርትራ ኰይኑ ከምዘገልገለን፤ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ብምዃን ከምዝተመረጸን ይፍለጥ።
ኣቶ ብርሃነ ኣበርሀ ካብ 2001 ክሳብ 2012 ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ኰይኑ ድሕሪ ምርቁሑ፡ ኣብ ጸብጻብ ኣታዊታት ትካል ዕደና ቢሻ ግልጹነት ከምዘየለ ብምግላጽ፡ ግልጹነትን ተሓታትነትን ንኽህሉ ሕቶ ስለዝዓለለ፡ ካብ ሚኒስተርነት ተኣልዩ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ላዕለዋይ ሓላፊ እዩ።
ኣቶ ብርሃነ፡ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ሚኒስተር ብርሃነ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኰይኑ፡ ንፖሊሲታት መንግስቲ ኤርትራ ብቕሉዕ ዝነቕፋ፡ “ሃገራይ ኤርትራ” ዝብላ ክልተ መጻሕፍቲ ኣብ ወጻኢ ድሕሪ ምሕታሙ’ዩ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተወሲዱ።
እንተዀነ ብዘይ ዝዀነ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ማእሰርቲ’ዩ ጸኒሑ።
ንሱ፡ ኣብቲ መጽሓፉ ምትእትታው ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክህሉን ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ክካየድን ጸዊዑ።
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብቲ እዋን ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ናብ ህዝቢ ኤርትራን ካብ ኣስመራ ዝለኣኾ ምዃኑ ዝግለጽ ናይ ድምጺ መልእኽቲ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቶም ዝርካቦም ብሂወት ተሪፎም ዘለዉ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ክእከቦምን፡ ሰልጣኑ ብሰላማዊ መንገዲ ክገድፍን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪቦም ንሕሉፍን ህሉውን ኵነታት ኤርትራ ብግልጺ ክካትዑን ጸዊዑ ምንባሩ ይፍለጥ።