
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ግጭት ካብ ዝጅምር ሓደ ዓመት ገይሩ ኣሎ። መንግስቲ ፈደራል ሓይልታት ፋኖ ንምቍጽጻር ን10 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ሰራዊት ኣዋፊሩ።
ሓይልታት ፋኖ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት እቲ ክልል ውዳበኦም ኣስፊሖም ናይ ገዛእ ርእሶም ኣወዳድባ ብምግባር ምስ ሓይልታት መንግስቲ ከቢድ ወተሃደራዊ ግጭታት የካይዱ ኣለዉ። ብሰንኪ’ዚ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እቲ ክልል ዝተፈላለዩ ጉድኣትን ጸገማት የጋጥም ከምዘሎ ይንገር።
እዚ ዕጡቕ ሓይሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ብከባቢ ዝተወደበ ኰይኑ ነፍሲ ወከፎም ነናቶም መራሒ ኣለዎም። ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ሓድነታዊ መሪሕነት ክህልዎ ጻዕርታት ተገይሩ’ኳ እንተነበረ፡ ክሳዕ ሕጂ ግን ክሰምር ኣይከኣለን።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተገብረ ጻዕሪ እስክንደር ነጋ ከም መራሒ ፋኖ ከምዝተሰመየ ተነጊሩ ነይሩ። ይዅን’ምበር ጕጅለታት ፋኖ ነዚ መሪሕነት ከምዝቃወሙ ኣፍሊጦም። ስለዚ ሓደ ኣመራርሓን መሓውርን ዘለዎ ፋኖ ንምፍጣር ዝተገብረ ጻዕሪ ኵሉ ኣባል ብዝቕበሎ ኣገባብ ክምስረት ኣይተኸኣለን።
ብተወሳኺ ኣብ ከባቢ ሸዋ ካብ ዝንቀሳቐሱ ጕጅለታት ፋኖ ሓደ ዝነበረ ኮሎኔል ኣሰግድ መኮነን ኣብ ኢድ መንግስቲ ከምዝኣተወ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ተዛሪቡ‘ዩ። እዚ ድማ ኣብ መንጐ ጕጅለታት ፋኖ ምውቕቓስ ከምዘስዓበ ካብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝቐርብ መልእኽትታት ምርዳእ ይከኣል።
እስክንድር ነጋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዱ ኣብ 1980ታት [ግእዝ] ናብ ኣመሪካ ብምኻድ ናይ ኮሌጅ ትምህርቲ ተኸታቲሉ።
ድሕሪ ምፍራስ ስርዓት ደርግ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ ኣብ ጋዜጠኝነት ተዋፊሩ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ጋዜጣታት ከም ዋናን ዋና ኣሰናዳኢን ዝሰርሐ ኰይኑ በዚ ስርሑ ብተደጋጋሚ ማእሰርቲ ኣጋጢምዎ’ዩ።
ካብ ኣዋርሕ ክሳዕ ዓመታት ንዝበጽሑ እዋናት ዝተኣሰረ እስክንድር፡ ድሕሪ ቅልውላው መረጻ 1997 ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተኣሲሩ ነይሩ። ኣብ ድማ 2004 ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝወሰደ መስርሕ ፍርዲ ን18 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጻኡ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑ እንከለዉ፡ እስክንድር እውን ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈቲሑ ከም ጋዜጠኛ ስራሕ ቀጺሉ።
ይዅን’ምበር ነዊሕ ከይጸንሐ ጉዳይ ኣዲስ ኣበባ ቀንዲ ኣጀንዳኡ ዝገበረ “ቤት ምኽሪ ባልደራስ” መስሪቱ። ምስ ግዜ ድማ “ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ” ዝብል ሰልፊ ብምቛም ምስ መንግስቲ ክጋጮ ጀሚሩ።
ኣብ 2012 ዳግማይ ተኣሲሩ ዳርጋ ክልተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፉ። ድሕሪ ምፍትሑ ናብ ጋዜጠኝነት ይዅን ናብ ውድባዊ ንጥፈታት ኣይተመልሰን። ኣብ ክልል ኣምሓራ ንኣዋርሕ ድሕሪ ምጽናሑ ግን “ህዝባዊ ግንባር ኣምሓራ” ዝተባህለ ጕጅለ ከምዘቘመ ኣፍሊጡ።