
እዋናዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ቅትለት ኤርትራዊ ተቓዋሚ ስርዓት ኤርትራ ኣብ እስራኤል። ካብ ሰልፊ ናብ ገዝኡ እናተመላለሰ እንከሎ፡ ክሳብ ሕጂ ሰማያዊ ስረኡ ተኸዲኑ፡ በቲ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ዝነብሩሉ ከባቢ ሃቲክቫ ተልኣቪቭ ይሓልፍ ነይሩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዋላ ብዘይ ሰማያዊ ስረ ናብኡ ክኸዱ ይፈርሑ። ብሓደ ደጋፊ ስርዓት ህግደፍ ብኻራ ተቐቲሉ። ፖሊስ ክልተ ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ መርመራኡ ይቕጽል ኣሎ። ሰባት ነቲ ቅትለት ዘርኢ ቪድዮታት ከምዘሎ ይዛረቡ።